ዘይቅድመኩነታዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ኪፍርሙ ቅሩብነቶም ከነጽሩ ዝቐነዩ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ገና ካብ ግጭት ከምዘይዕረፉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብራ ኣለዋ።

ሱዳን-ትሪቡን ብ 14 ታሕሳስ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ነፈርቲ ኲናት ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብታ ኣብ ኢድ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ እትርከብ ከተማ ንያላ ከምዝደብደባ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዕንወት ከምዘስዓባን ኣረዲኡ። ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን  ካብታ ከተማ – ናብ ዳርፉር ኪዋፈሩ ዝተኣኻኸቡ ልዕሊ 6 ሽሕ ወተሃደራት ዳዕመልሰሪዕ ንምብታን ነቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየዶ እዩ ክሕብር እንከሎ፣ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ድማ  እቲ ደብዳብ ኮነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዕላማታት ዝተመደበ ምንባሩ እዮም ዝኸሱ።

ዳዕመልሰሪዕ ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ሓሙሽተ ዞባታት ዳርፉር ነተን ኣርባዕተ፣ ማለት ደቡብ፡ ምዕራብ፡ ማእከላይን ምብራቓዊን ዳርፉር ተቘጻጺሩ ከምዘሎ ዝሕበር ኮይኑ ርሰከተማ ኣል ፈሽር ናይ ሰሜን ዳርፉር ጥራይ ኣብ ኢድ ሰራዊት መንግስቲ ተሪፋ ምህላዋ የመልክቱ።

ኣቐዲሞም ንሰለስተ ርሰከተማታት ናይተን ሓሙሽተ ዞባታት ዳርፉር ዝተቘጻጸሩ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ንርእሰከተማ ምብራቓዊ ዳርፉር ዝኾነት ኣል-ዴዪን ንምሓዝ ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩን ነዊሕ ከይጸንሑ ከምዝሓዝዋን ኣይርሳዕን። ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ንርእሰከተማ ምዕራባዊ ዳርፉር ዝኾነት ኣል-ጀኔና  ኣብ ምጅማር ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ንዓባይ ከተማ ንያላ ናይ ዞባ ደቡባዊ ዳርፉር ካብ ሰራዊት መንግስቲ ከምዝመንዝዑ ይዝከር።

ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ፡ ነታ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋን ምስ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትዳወብን ካልኣይቲ ዝዓበየት ሱዳናዊ ከተማ ንያላ ክሕዝ ምኽኣሉ ንሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዓቢይ ጽፍዒት ኮይኑ ምህላዉ ኣብቲ ሽዑ እዋን ተገሊጹ ኔሩ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ነታ እቶም ሓይልታት ካብ ኤምራት ንዝመጾም ኣጽዋር ብመንገዲ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ዘእትዉላ ከተማ ኒያላ ንምምላስን ወተሃደራዊ ዕላማታት እቶም ሓይልታት ንምድቓቕን ብቐጻሊ ዝሰርሕ ዘሎ።

ዳዕመልሰሪዕ ኣብ ዳርፉር ምሉእ ቊጽጽር ንምርግጋጽ ካብ ኩሉ ሸነኻት እታ ዞባ ናይ ቀቢላ ዕጡቓት እንዳመልመለ የውፍር ምህላዉ ይንገር። እቶም ሓይልታት ኣብ ምዝዛም ወርሒ ጥቅምቲ እዉን ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ጎርዶፋን እትርከብ መዓርፎ ነፈርቲ በሊላ ከምዝተቘጻጸሩ ኣይርሳዕን።