ኣብ ስደት ኮይኖም ነቲ ህግደፍን ኣቢይን ዝመሻጠርሉ ዘለዉ ሓድሽ ኲናት ኣብ ምዉዕዋዕን ምጉህሃርን ተጸሚዶም ንህዝብና ተወሳኺ ህልቂት ከምጽሉ መንገድታት ዘጋፍሑ ዘለዉ ደገፍቲ ህግደፍ ብሓቂ ፍቕሪ ንሃገሮም ህዝቦምን እንተልዩዎም ኣንጻር እዚ ኣቢይን ኢሳያስን ንዉልቃዊ ረብሓኦም ክብሉ ዘትኽኽዎ ዘለዉ ሓድሽ ሓዊ ደዉ ክብል ከምዝግባእ ህዝብና ይጽዉዕ ደጋጊሙ ይጽዉዕ ኣሎ።
ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተኸርዲኑ ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከም ንኲናት ጥራይ ዝተፈጥረ ህዝቢ ቈጺሮም ኣብ ዓዲ ጓና ናብራኦምን ደቈምን እንዳስብሑ፣ መራሒኦም ንዘዝኣጐዶ ሓዊ ኣብ ራሕቂ ኮይኖም እንዳንበድበዱ ኤርትራ ካብ ምዕባለን ኣርባሒ ጉርብትናን ተኣልያ ኣብ ኲናትን ተነጽሎን ጥራይ ኽትርመስ ዝተሓጋገዙ ዘለዉ ደገፍቲ ናብ ልቦም ተመሊሶም ንድሕነትን ቀጻልነትን ህዝቦም ዓጸፋ ኪሓስቡ እዩ እቲ ካብ ህዝቢ ዝመጻ ዝሎ ርእይቶ ዘተሓሳስብ።
ናብራ ድፋዕን ኣገልግሎትን ኣሰልኪይዎን ናብ ስደት ኣርሒቘም ነቲ ዘሳጐጐም ጉጅለ ዝሰግዱ ዘለዉ ስደተኛታት ደገፍቲ ነብሶም ኣድሕኒኖም ዉሉድ ናይ ካልኦት ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣብ ኲናት ኪሃልቊ ኪጉስጉሱ ከምዘይግባእ ዝተማሕጸነ እቲ ህዝባዊ ርእይቶ ሕልናኦምን ቀቲሎም ነቲ ህግደፍ ዝህንጠየሉ ዘሎ ኲናት ምንብድባድ ኣንተቐጺሎም ግን ፣ ልክዕ ከምቲ ብዝሃለቚ መንሰያትን ብዝተኸስረ ዕድላትን ኤርትራ ዝሕተት ጉጅለ ህግደፍ ተሓተቲ ምዃኖም የዘኻኽር።
ኣብ ስደት ዝሓሸ ናብራ እንዳነበርካ ህዝብኻ ክሕሾን ክርህዎን ከኣ ትቃለስ እምበር ፣ ህዝብኻ ኣብ ፍቐዶ ኲናት ኪሃልቕን ኣብ ቀጻሊ ድኽነት ክሓስሞን ክትደጋገፍ ምምራጽ፣ ክሳዕ ክንደይ ሕልናኻ ቀቲልካ ምስ ህዝብኻን ሃገርካን ደምነት ተኺልካ ከምዘላኻ ዝመላኽት እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ እቶም ኣብ ዓዲ ጓና ወዲቘም ዘለዉ ደቊ ከይተረድአን ኣለዉ ድዮም ጠፊኦም ንኽፈልጥ ከብዱ ሓቚፉ እንዳተጸበየን፣ “ሕጂ ንሓድሽ ኲናት ዝተረፉ ደቊ ኸወፊ ኣየድሊን ሓድሽ ኲናት ኣየድልየናን” ኣብ ክንዲ ምባል ነቲ ህግደፍ ስልጣኑ ንኸናውሕ ኣቐዲሙ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተሰመማዓሉ ሓድሽ ኲናት ክድግፉን ኣብ ጎድኒ ህግደፍ ኣለና እንዳበሉ ነገራት ከጓሃሃሩን ዝሃልኩ ዘለዉ ደገፍቲ እምበኣር ምስ ዉሽጦም ኪተሓሳሰቡ ይግባእ።