ካብ ማያዊ ገማግም ዘዋራ ናይ ሊብያ 86 ስደተኛታት ኣሳፊራ ዝተበገሰት ጃልባ፡ ነዊሕ ከየርሓቐት ብምጥሓላ ፡ደሃይ 61 ሰባት ጠፊኡ ከምዝሎ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት IOM ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ልዕሊ 25 ካብቶም ሰጋሮ ብሂወት ድሒኖም ሻቡ ናብ ሊብያ ክምለሱ ከምዝተበረ ናብ መዳጎኒ ማእከል ተወሲዶም ድማ መሰረታዊ ሕክምናዊ ክንክን ይረኽቡ ከምዘለዉ ጠቒሱ።

ነቶም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ስደተኛታት ንምርካብ መስርሕ ይቃናዕ እኳ እንተሎ  ዛጊት ዝኾነ ተስፋ ብዘይምርካቡ፡ እቶም ወገናት ሞይቶም ኪኾኑ ዝለዓለ ዕድል ከምዘሎ እዩ እቲ ትካል ዘገንዝብ።
ኣብ 2013፡ ዛጊት ደሃይን ህይወትን ልዕሊ 2,500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥፋኡ እዩ ሰንዳት ላዕለዋት ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ዘረድእ። ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ እቲ ትካል ልዕሊ 185 ሽሕ ካልኦት በቲ ማያዊ መስመር ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተዉ ክፍለጥ ይከኣል።

ካብቶም ናብ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ልዕሊ 185 ሽሕ ስደተኛታት ልዕሊ 80 ሚእታዊት ናብ ዓዲጥልያን ዝኣተዉ ምዃኖም ዘመልክት እቲ ጸብጻብ እቶም ዝተረፉ ናብ ከም ግሪኽ፡ ቈጵሮስ፡ ማልታን ስጳኛን ዘበሉ እዩም። እቲ ኣገራዊ ኮይኑ ዘሎ ካብቶም ናብ ኤውሮጳ ዝበጽሑ እቶም ልዕሊ 120 ሽሕ ካብ ገማግም ቱኒዝያ ምዃኖም እዩ። ዝተረፈ ኣስታት 40 ሽሕ ድማ ካብ ሊብያ ዝተበገሱ እዮም።

ናይ ሎሚ ዓመት ብዝሒ ምዉታት ማእከላይ ባሕሪ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ ልዕሊ 1,600 ብከባቢ ሓደ ሽሕ ዝዛይድ ኾይኑ  እዚ ዓመት ክሳብ ዚዛዘም እቲ ኣሃዝ ክውስኽ ከምዝኽል እዩ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኽእምት ጸኒሑ። ኣብ ጉዕዞ ስደት ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡን ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑን ወገናት ሓበሬታ ዝስንድ ኣካል ከምዝሕብሮ ካብ 2014 ዛጊት ኣስታት 28 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ የረድእ።