ኣብ ጫፍ ደቡባዊ ሸነኽ ቀይሕ-ባሕሪ ብየመናዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ንግዲን ኲናትን መራኽብ ዝካየዱ መጥቃዕትታት ዕለታዊ ይዛይዱ ብምህላዎም ንጡፍነት እቲ ማያዊ መስመር ይዝሕት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ካብ’ቲ ማያዊ መስመር ናይ ዘርሕቓን ንግዜኡ ስራሐን ደዉ ናይ ዘብላን መራኽብ ብዝሒ ይተዓጻጸፍ ከምዘሎ ዝግለጽ ኾይኑ እቲ ንልዕሊ 60 ሚእታዊን ንግዳዊ ምትሕልላፍ ዓለምና ዘአንግድ ማያዊ መስመር  ኣብ ሓጺር እዋን ከምዚ ኢሉ ምብኳሩ  ረብሓኤን ዝትንከፈን ሓያላን ሃገራት፡ ጸጥታዊ ኣማራጺታት ንምምሕዳር ፡ ነቲ ዞባ ናብ ሓድሽ መድረኽ ከሳግምኦ ከምዝኽእላ ብሓያሎ ወገናት ይትንተን ኣሎ።

በቲ ማያዊ መስመር ዝቃናዕ ንግዳዊ ጉዕዞ ኣብ ሓደጋ ኣትዩወን ዘሎ ብቚጠባን ወተሃደራዊ ቊመናን ሓያላት ዝኾና ሃገራት፡ ድሮ መራኽብ ኲናት ንምስዳድ ይዉስናን ንምዉሳን ይዳለዋን ዘለዋ ኾይነን፣ ጸጥታዊ ቅርጻ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣቱ ኸይህሉ እዉን ይስጋእ።

ብኢራን ይድገፍ እዩ ዝበሃለሉ ሑቲ ኣንቂልዎ ዘሎ ደፋር መደብ፡ ነተን ኣብ ማያዊ ገማግም ክልቲኡ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ወሽመጥ ዓረብን ዝርከባ ሃገራትን፡ ኣብቲ ከባቢ ገዚፍ ጸጥታዊን ቊጠባዊን ረብሓ ዘለወን ሓያላንን ከቢድ ብድሆ ፈጢሩ እንታይ ዝመስል መፍትሒ ኽትግብራ ከምዘለወን ኣጫኒቚ ኣሎ።

ህላዌ ናይተን ከም ኣመሪካ: ፈረንሳ: ቻይናን ካልኦት ትርኑዓት ሃገራትን ኣብዚ ማያዊ ዞባ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኪዛይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኾይኑ ኣብ’ቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ይዂን ንግዳዊ ነቚጣታት ደኲነን ዘለዋ እተን ሃገራት ፡ በዚ ምንቅስቓሳቱ ኣሰካፊ እንዳኾነ ዝመጽ ዘሎ የመናዊ ጉጅለ ኣመኽንየን ንዝጸንሐን ህላዌ ንምስፋሕ ኪጓየያ ምዃነን እዩ ዝግመት ።

ብፍላይ ነዚ ማያዊ ዞባ ኣብ ዝዋሰና ሃገራት ኣፍሪቃ ጽልዋን ኢደዙራዊ ተልእኾን ከሳስዩ ዝጸንሑ ስርዓታት ብምህላዎም ካብ ገማግም ግብጺ: ሱዳን :ኤርትራን ጂቡቲን ክምዝገብ ዝኽእል ሓድሽ ክስተታት ክህሉ ምዃኑ እዩ ዝእመት።

ኣብ ጂቡቲ ወተሃደራዊን መዓስከራት ኣዉሒሰን ዘለዋ ኣመሪካ: ቻይና :ፈረንሳን፡ ከም ሩስያ :ብሪጣንያ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኢራንን ካልኦት ዞባዉያን ሓይልታትን ተጸንቢረንአን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ተወሳኺ ነቚጣታት ደኲንካ ጽልዋኻን ረብሓኻን ናይ ምሕላው ተበግሶታት ከዛይዳ ኪጓየያ ምዃነን እዉን፡ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት የአንፍት።