ኣብ ከተማ ሃምቡርግ ናይ ጀርመን ዝተቓንዐ ዋዕላ ብርጌዳውያን ነቒሉ ዘሎ ማዕበል ፍትሒ – ድሕሪ ደጊም መንእሰይ ዝዉንኖን ዉዳቤኡ እንዳነጸረን ጎደሎታቱ ብምርድዳእ እንዳጸገነን ዝግስግስ ተግባራዊ ቃልሲ ምዃኑን ዘመስከረ ኔሩ።

ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ጀርመን ዘቃንዖ ዋዕላ ፡ ብብዝሒ ተሳተፍቱን ልዝበት ምይይጡን ኣብነታዊ ጥራይ ዘይኮነ ንቕሎ ብርጌዳዉያን ደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝኽተል ቃልሲ ምዃኑ እዩ ኣረጋጊጹ።
ካብ ኩለን ከተማታት ጀርመን ዝተኣኻኸቡ ብርጌዳዉያን፡ ገፊሕ ኣዳራሽ ጸቢብዎም ተጸጋጊዖም ኣብ ዘቃንዖዎ ዋዕላ ስክፍታታት ክፈጥሩ ዝጸንሑ ናይ ገለ ወገናት ኢደዋኒናዊ ኣካይዳታት ኣብ መትከላትን ቅርጻ-ዕማማትን ኣስራሕቲ ኣይኮኑን ዝተባህሉ ነጥብታት ሕጋዊን ጸጥታዊን ውሕስነት ኣባላት ንምርግጋጽ ኪስረሓሎም ብዛዕባ ዝግባእ ኣማራጺታት ከምኡ’ዉን ኣድላይነት ምእኩል ኣገባብ ምክፋል ሓበሬታን ካልእን ዝብሉ ኣገደስቲ መዳያት ኣዕሚቘም ብምዝታይ መፍትሒታት ኣአንፊቶም።

ዝጸንሐ መሪሕነት ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብን ኣብ ዝሃቦ መብርሂን ብቐንዱ ብዛዕባ እቶም ብገለ ኣባላት ዝፍጸሙ ጌጋታትን ነቶም ጌጋታት ተኸቲሎም ዝድገሙ ናይ ኣፈታትሓ ድኻማትን ንምእዳብ  ንኣፈታትሓ እቶም ሽግራት ዝምልከት ከምኡ’ዉን ካብ ጌጋታቶም ክእርሙ ንዝሕንግዱ ኣባላት ክዉሰድ ዝግባእ ክሳዕ ካብ ኣባልነት ምስጓግ ዝግተር ስጒምትታትን ዘቃንዕ ሕጋጋት ናብ ሰነዳቱ ጸንቢሩ።

ብኣዝዩ ውዕዉዕ መንፈስን ዕውት ዋዕላ ኣካዊኑ ዘሎ ብርጌድ ንሓመዱ ጀርመን ፡ ድሕሪ ኣብ ሓጋጋቱ ዝገበሮ ሕደሳ፣ ንዝመጽ ዓመት ዘካይዱ መሪሕነት ሓጽዩ ናብ ዋዕለኛታት ድሕሪ ምቕራብ ፡ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ካብ 8 ሕጹያት ን3 ብምምራጽ ኣኼባኡ ብመዘናግዒ መደብ ዛዚሙ።