ሕጂ’ዉን ህዝቢ ኤርትራ መጋበርያ ዉልቃዊ ጽልኢን ህልኽን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ዕድሉን መጻኢኡን ኣብ ዘይብተኽ ሕሰምን ኲናትን ካብ ምብኻን ኪወጽእ የድሊዮ ኣሎ።

መራሒ ህግደፍ ምስ ሃገራትን መንግስታትን እዚ ዞባ ዝኣትዎም ናይ ዘይቅንዕና ዝምድናታት ንህዝቢ ኤርትራ ጸገምን ኲናትን ጥራይ ጓቲቶምሉ ከምዝመጹ ዝፍለጥ ኾይኑ ህዝቢ ካብዚ ሰንሰለታዊ ህይወት ኲናትን ሞትን ኪወጽእ እንተኾይኑ ፈለማ ነቲ መራሒን ንጉጅለኡን ከሳጒግ መሰረታዊ እዩ።
ካብ ፈላሞ ዓመታት ነጻነት ጀሚሩ ምስ ኩሎም ስርዓታትን ህዝብታትን እዚ ዞባ ደም ተኺሉልና ዘሎ ህግደፍ ሕጂ ድማ ህዝቢ ካብቲ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ተመሻጢሩ ኣብ ስሜን ኢትዮጵያ ዘካየዶ ደማዊ ኲናት መርድእን ደሃይን ደቊ እንዳተጸበየ ናብ ሓድሽ ሓደጋ የምረሓና ኣሎ።

ንህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተመኽኒሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ህወሓትን ኢትዮጵያን መዕረፊ ተረኺብሉ እንዳተባህለ ህግደፍ ካልእ ጸጥታዊ ስግኣት ፈብሪኹ ንህዝብና ኣብ ቀጻሊ ኲናትን ሕሰምን ኽነብር ዘኽእሉ ሓያለ ሽርሕታት ካብ ምዉዳድ ከምዘየዕርፍ ክንምት ጸኒሕና ኢና።
ጉጅለ ህግደፍ ስልጣን መንግስትነት ካብ ዝጨዊ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ዝተራጸመሉን ጠንቂ ዞባዊ ሃወኽ ካብ ምዃን ዘየዕረፈሉን ቀንዲ ምኽንያት ህዝቢን ሃገርን ናይ ምምሕዳርን ምልማዕን ዓቕሚ ይዂን ድሌት ስለዝዉሕዶ እዩ ።

ድሕሪ እቲ ልዕሊ 20 ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ጂሆ ሒዝዎ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ምኽንያት ፡ ሕጂ ህግደፍ ናብ ቀልቢ ተመሊሱ ንህዝቢን ሃገርን ብቚጠባን ሰብኣውነትን ኪመርሕ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ከምዘይከኣል ምዝካር ኣገዳሲ ኮይኑ እዚ ካብ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ወግዓዉነት ዝለብስ ዘሎ ስግኣት ድማ ዉጽኢት መቐጸልታ ናይቲ ህግደፍ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ቀጻልነት ዘይብሉ ዝምድና መስሪትካ ደሓር ምርጻም ዝብል ኣብ ስልጣን ዘጻንሖ ሜላ ከምዝኾነ ምግንዛብ እዋኑ እዩ።

ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ድሕሪ ምዕራፉ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢን ሰራዊትን ኪመጾ ንዝኾነ ሕቶታት ሃገራዊ ልምዓትን ፖለቲካዊ ጽገናን ክምልስ ዓቕሊ ይኹን ተጻዋርነት ስለዘይብሉ  ንኤርትራ ናብ ካልእ ኲናት ወይ ናብ ተወሳኺ ኣህጉራዊ እገዳታት ዝሸሙዋ ሽርሕታት ኣዳሊዩ ከምዝህሉ ብተደጋጋሚ ከነተሓሳስብ ጸኒሕና ኢና።