ጸገም ናይቶም ኣብ ጂቡቲ ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ገና ፍታሕ ከይተረኽቦ ይብእስ ምህላዉ ምንጭታት ካብታ ሃገር ደጊሞም ሓቢሮም። ብፍላይ ኣብ መዓስከር ዓሊ-ዓዴሐ ዘለዉ ልዕሊ 200 ኤርትራዉያን ገና ብሕሱም መነባብሮ፡ ስእነት ሕክምናዊ ረድኤት ቀይዲ-ምንቅስቓስን ይሳቐዩ ከምዘሉዉ እዮም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።
ኣብ’ቲ መዓስከር ንልዕሊ 8 ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ፍታሕ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ሕሱም መነባብሮ ከምዝርከቡ ብተደጋጋሚ ዘማርሩ እቶም ስደተኛታት ፡ ንድሕነቶም ዝሕለቕ ወገን ስኢኖም ናብ ውሑስ ቦታ ንኸብሉ ዘኽእልዎም መስርሓት ዳግመሰፈራ ተሓሪምዎም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጂቡቲ ሰሪሖም ኪነባበሩ ዘኽእሎም መሰል’ዉን ተነፊግዎም ከምዘሎ ካብ ምሕባር ኣየዕረፉን።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ጸገም እቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ፍታሕ ኽረክብ ከምቲ ዝድለ ይሰርሕ ከምዘየሎ ሰብ-መዚ ስደተኛታት ጂቡቲ ኣዉን እንተኾኑ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ከም ምንጪ ኣህጉራዊ ሓገዛት ስለዝርእይዎም ካብ ጂቡቲ ናብ ካልእ ሃገር ክግዕዙ ንዝካየዱ ጻዕርታት ቀጻሊ ከምዝዕንቅፉ እዮም ኣብቲ መዓስከር ዝነብሩ ስደተኛታት ዝሕብሩ።
እቶም ስደተኛታት ብዛዕባ ዘሕልፍዎም ዘለዉ ጸገማት ብዝምልከት ከማርሩን ኪሕብሩን ምስ ዝርከቡ፡ ሻቡ ብኣባላት ጸጥታን ስለያን መንግስቲ ጂቡቲ ተዓፊኖም ከምዝዉሰዱ እዉን ይንገር።
ኣብ ርእሰ-ከተማ ጂቡቲ ከምኡ’ዉን ኣብ ኦቦክን ሖሊ-ሖሌን ኣብ ዝርከባ ካልኦት ሰለስተ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ ኤርትራዉያን እዉን ተመሳሳሊ ጸገም የሕልፉ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ጂቡቲ ፡ ልዕሊ 950 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ከምዘለዉ እዩ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።