ፔንታጎን ናይ ኣመሪካ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምዃን ነቲ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሑቲ ናይ የመን ዝጽዕቕ ዘሎ መጥቃዕቲ ምህዳእ ዝዕላማኡ ኣህጉራዊ ጸጥታዊ ተበግሶ ይዉድብ ምህላዉ ሓቢሩ።

ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይስ ኦስቲን ብሰሉስ ካብ ባሕሬን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ኣሰካፊ ጸጥታዊ ኩነታት ንምፍታሕን ፡ ጸጥታዊ ዉሕስነት እቲ ማያዊ መስመር ንምርግጋጽን “ስርሒት ሓለዋ ብልጽግና” Operation Prosperity Guardian ዝሰመዮ ኣህጉራዊ ጸጥታዊ ተበግሶ ኽምስረት ምዃኑ ኣነጺሩ።

ሑቲ ብዝተራቐቚ ሚሳይላትን ሰብኣልቦ ነፈርቲን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲን ኲናትን እስራኤልን ኣመሪካን ከምኡ’ዉን ተደናገጽተን ኣቕኒዕዎ ዘሎ መጥቃዕቲ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ከምዝሓበሮ ዝሓለፈ ሰኑይ እዉን ኣብ ክልተ ናይ ንግዲ መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዝተፈተነ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ፔንታጎን ዚዛረበሉ ዘሎ ኣህጉራዊ ጸጥታዊ ተበግሶ ንመነመን ዝጽንብር ምዃኑ እኳ እንተዘየነጸረ ምስ ኣመሪካ ዘይቃደዋ ካልኦት ሓያላን ሃገራት ነዚ ከም ስግኣት ሓሲበን ተመሳሳሊ ተበግሶ ብምቕናዕ ናብ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ህልኽ ከየምርሓ እዉን ይስጋእ።

ኣብ ጫፍ ደቡባዊ ሸነኽ ቀይሕ-ባሕሪ ብየመናዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ንግዲን ኲናትን መራኽብ ዝካየዱ መጥቃዕትታት ዕለታዊ ይዛይዱ ብምህላዎም ንጡፍነት እቲ ማያዊ መስመር ይዝሕትል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሑቲ ካብ’ቲ ማያዊ መስመር ናይ ዘርሕቓን ንግዜኡ ስራሐን ደዉ ናይ ዘብላን መራኽብ ብዝሒ ይተዓጻጸፍ ከምዘሎ ዝግለጽ ኾይኑ እቲ ንልዕሊ 60 ሚእታዊን ንግዳዊ ምትሕልላፍ ዓለምና ዘአንግድ ማያዊ መስመር ኣብ ሓጺር እዋን ከምዚ ኢሉ ምብኳሩ ረብሓኤን ዝትንከፈን ሓያላን ሃገራት፡ ጸጥታዊ ኣማራጺታት ንምምሕዳር ፡ ነቲ ዞባ ናብ ሓድሽ መድረኽ ከሳግምኦ ከምዝኽእላ ብሓያሎ ወገናት ኽእመት ጸኒሑ እዩ።

በቲ ማያዊ መስመር ዝቃናዕ ንግዳዊ ጉዕዞ ኣብ ሓደጋ ኣትዩወን ዘሎ ብቚጠባን ወተሃደራዊ ቊመናን ሓያላት ዝኾና ሃገራት፡ ድሮ መራኽብ ኲናት ንምስዳድ ይዉስናን ንምዉሳን ይዳለዋን ዘለዋ ኾይነን፣ ጸጥታዊ ቅርጻ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣቱ ኸይህሉ ክንሕብ ጸኒሕና ኢና።

ህላዌ ናይተን ከም ኣመሪካ: ፈረንሳ: ቻይናን ካልኦት ትርኑዓት ሃገራትን ኣብዚ ማያዊ ዞባ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኪዛይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኾይኑ ኣብ’ቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ይዂን ንግዳዊ ነቚጣታት ደኲነን ዘለዋ እተን ሃገራት ፡ በዚ ምንቅስቓሳቱ ኣሰካፊ እንዳኾነ ዝመጽእ ዘሎ የመናዊ ጉጅለ ኣመኽንየን ንዝጸንሐን ህላዌ ንምስፋሕ ኪጓየያ ምዃነን ተገሚቱ ጸኒሑ እዩ።