ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ 31 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሰራሕተኛታቱ ብኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝወረደ ኣካላዊ መጥቃዕቲን ዘይሕጋዊ ድጐናን ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታቱ ካብታ ሃገር ከዉጽ ምዃኑ ፡ ኣዲስ ስታንዳርድ እሙናት ንዝበሎም ምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሰራሕተኛታት ልምዓታዊ ባንክ ኣፍሪቃ ዝፈጸምዎ ግፍዒ ዝተሓወሶ ማእሰርቲ፣ ንመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ዲፕሎማስያዊ መቕጻዕቲ ከስዕበሉ ከምዝኽእል ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ተሓቢሩ ኔሩ።

ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ንክልተ ሰራሕተኛታት ናይታ ኣብታ ሃገራ ገዘፍቲ ልምዓታዊ መደባት ዝምዉልን ዝድግፍን ባንክ ብዘይሕጋዊ መንግዲ ኣጋፊዖም ከምዝኣሰሩ ካብቲ ትካል ብቕልቱፍ ናብ ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ዝተላእከ ቅልጡፍ ጥርዓን ግና ሻቡ ከምዝተፈትሑ ኣይርሳዕን።

እቲ ፍጻሜ ንምስሊ ኣቲ ካብ ዞባዉያንን ኣህጉራዉያንን ልምዓታዉያን ኣካላት ገንዘባዊ ደገፍ ኪወሓሰሉን ዕዳታት ክስረዘሉን ኣብ ጻዕሪ ዝርከብ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ብርእዮ ዘዕኑን ብዙሕ ክሳራታት ከስዕብ ተኽእሎ ዘለዎን ምዃኑ ተገሊጹ ኔሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት፣ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ዝካየዱ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን መጭወይቲን ከም ልምዲ እንዳተወስደ ይኸይድ ከምዘሎ ኣዮም ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሓፈሻ ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ድማ ብፍላይ ዝወቅስ።

ንኹሉ ኣካይዳታት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ዝተላመደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ  ካብ ህዝቢ ንዝመጻ ኩነኔ ይዂን ዘይዕጉብነትን ብሓይሊን ብራዕዲን ናይ ምፍታሕ ሜላ መሪጹ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሕብሩ እቶም ተሓለቕቲ በቶም ካብ ተሓታትነት ዘርሓቐ ዝመስል ስልጣን ተዋሂብዎም ዘሎ ናይ ጸጥታን ድሕነትን ኣሃዱታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ  ህዝቢ ዝፍጸሙ ገበናትን በደላትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይብእሱ ምህላዎም የማርሩ።