ኣብ ጂቡቲ ንልዕሊ 50 ዓመታት ወተሃደራዊ መዓስከር ኣውሒሳ ዘላ ፈረንሳ ነቲ መዓስከር እትኸፍሎ ክራይ ኪትዉስኽ ካብ መንግስቲ ጂቡቲ ጠለባት ይጽዕቕ ኣሎ። ጂቡቲ ነቲ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝዛይድ ዘሎ ኣህጉራዊ ቀልቢን ነቲ ፈረንሳ ኣብ ምዕራባዊ ኣፍሪቃ እትኸስሮ ዘላ ጽልዋን ብምምዝማዝ ነዚ እዋናዊ ወሰኽ ክራይ ዓቲባትሉ ምህላዋ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ።
ፈረንሳ ነቲ ኣብ ፈለማ ሰብዓታት ዝተኣትወ ዉዕል ክራይ ወተሃደራዊ መዓስከር በብመድረኹ ባዕላዊ ወሰኻ ክፍሊት ኪትገብር እኳ እንተጸንሐ ጂቡቲ እቲ ኣብዚ እዋን ካብ ፈረንሳ ዓመታዊ ክትረኽቦ ዝጸንሐት ካብ 3 ሚልዮን ዶላር ዘይሓልፍ ክፍሊት ብዝተዓጻጸፈ ኪውስኽ እያ ትሓትት ዘላ።
ምስ ዝንህር ዘሎ ቅድድም ህላዌን ጽልዋን ሓያላን ሃገራት ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ፈረንሳ ንጠለብ ጂቡቲ ካብ ምምላእ ካልእ ኣማራጺ ዝህልዋ ከምዘይመስል ዝተኣማመኑ ወገናት እዉን ኣለው። ኣብ ጂቡቲ ዛጊት ፈረንሳ ፡ ኣመሪካ፡ ቻይና ብንኡስ ዓቐን ድማ ህንዲ – ወተሃደራዊን ንግዳዊን ነቚጣታት ደኲነን ዘለዋ ሃገራት እየን።
ነቲ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንመጥቃዕትታት የመናዊ ዕጡቕ ሑቲ ኣመኽንዩ ዚህንደድ ዘሎ ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ህላዌ ተዋሰንቲ እቲ ማያዊ ኣካል ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ቀዳሞት መናሃርያ ኪኾና ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ብምዃኑ እተን ሃገራት ንንዝብርህአን ሃያላት ሃገራት ገማግመን ኸካርያን ክፉት ኪገብራን ገዚፍ መድረኽ ተጋሂዱ ምህላዉ ዝትንተን ኮይኑ ድሮ ልዕሊ 3 ሓያልት ሃገራት ኸተእአንግድ ዝጸንሐ ጂቡቲ ድማ ነዚ መድረኽ እዚ ዓጸፋ ንኽትከስበሉ ዝለዓለ ባይታ ብምህላዉ ድሮ ነታ ታሪኻዊት ሓላዊታ ዝኾነት ፈረንሳ’ኳ ብጠለባት ከተፈራርህ ጀሚራ ምህላዋ የረድኡ።
ምስ ቻይናን ሩስያን ሕሉፍ ምሕዝነት ኣስሚሩ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ እዉን ነታ ባሕራን መሬታን ናብ ድላዩ ዘብላ ኤርትራ ኣብዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ዓጸፋ ኪረብሕ ምዃኑ እዉን ብዙሓት ይእምቱ።