ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ግዳይ ናይቶም ኣብ ሞንጎ ኣብይን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዝምስራሕ ዘሎ ጽልን ኲናትን ካብ ምዃን ኣርሒቘም ንዉሕስነት ዑቕባኦም ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእትዉ ንጥፈታት ኪቚጠቡ ምንጭታት ኤሪሳት ደጊሞም ኣተሓሳሲቦም።
ምስ ህግደፍ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ምድግጋፍ ኣብ ልዕሊ ዘርኣዩን ዘርኡ ዘለዉን ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሮ ብተናጸል ክጭወዩን ኪዳጐኑን ይርአ ከምዘሎ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ጉዳይ ስደቶምን ድሕነቶምን ጥራይ ከቐድሙ ተላብዮም።
ህግደፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዝጠዓሞምን ዝቐረቦምን ሸነኽ ኪሃድሙ ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራቱ ይጒስጒስ ብምህላዉ ሓያለ ኤርትራዉያን በዚ ሰንቢዶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኪፈልሱ ስለዝጀመሩ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ህድማ እዚ ብጥርጣረ ክርእዮን ኣብ ልዕሊ እቶም ብቓልዕን ብከዉሊን ንህግደፍ ክድግፉ ዝጸንሑ ስደተኛታት በደላት ከብጽሒን ይርአ ኣሎ።
ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና ጐስጓስን ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ተሰናቢዱን ተገሪሁን ኪሃድም እሞ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ “ገለ ኣበር ተዘይህልዎም ኣይመሃድሙን” ኢሉ ብኣልማማ ክኣስር ምስ ጀመረ ፡ ነቲ ኩነታት ናብ ረብሓ ንምቕያር ብእኡ ኣቢልካ ድማ ተደልዩ ንዘሎ ጽልኢን ኲናትን ንምምኽናይ ተዓጢቐን ኣደናገርቲ መጠንቀቕታታት ክነዝሓ ጸኒሐን እየን።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ንኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ክጨውዩ ጀሚሮም ዘብል ሓበሬታታት ብተደጋጋሚ ይስማዕ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኾይኑ ኩሉ ኣብታ ከተማ ዝነብር ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዓይኒ ካብ ዘእትውዎ ተግባራት ኪቚጠብን ብመርሒታት ሰብመዚ ስደተኛታት እታ ሃገር ከምኡ’ዉን UNHCR ተማእዚዙ ምኻድ ኪመርጽን የድሊ።
ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዘለው ኤርትራውያን ክሳብ ምስ ህግደፍ ዘይተጻግዑን ካብ ፖለቲካ ኣርሒቘም ከም ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ኪኽተልዎም ዝግባእ ምምሕዳራዊ መምርሒታት ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ዘኽበሩን፡ ክጻብኦም ዝኽእል ኣካል ከምዘይህሉ እዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስኣበባ ከም መሳርሒ ናይ’ቲ ዝተፈላለየ መመኽነይታታት ዝናደየሉ ዘሎ ሓድሽ ኲናት ፡ ግዳይ ንምግባሮም ብህግደፍ ተተሊሙ ንዘሎ ሽርሒ ብኣጋኡ ተገንዚቦም፡ ንድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእትዉ ምርጫታት ከርሕቚ የድሊ ኣሎ።