መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኣብ ትግራይ እንዳበኣሰ ሱቕ ኢሉ ኪዕዘቦ መሪጹ ዘሎ ጥሜት ኣብ ቀረባ መጻኢ ከም መሳርሒ ኲናት ኪጥቀመሉ መዲቡ ምህላዉ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ ኣለዉ።
ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ተዓዘብቲ ድሌት ኣቢይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ ጥሜት ዓቕሉ ከጽብብ እሞ ጸኒሑ ንኸብዱ ክብል ካብ ፈደራላሚ መንግስቲ ንዝህሉ ኣዋጅ ክተት ሻቡ ንኽእምዘዝ እዩ። መራኸቡ ብዙሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዕለታዊ ዝሓስም ዘሎ ደርቂን ጥሜትን ይኹን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ኣኸቲልዎ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዝራብ ሓንጊደን ከምዘለዋ ይንገር።
ካብ ክልል ኣምሓራን ገዚፍ ሸነኽ ክልል ኦሮርሞን ተቐባልነት ዝዉሕዶ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ከቢድ ጥሜት ኣትዩ ኣብ ጭንቂ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ኣብ’ቲ ምስ ህግደፍ ተተሊሙ ዘሎ ኲናት መጋበርያ ንምግባሩ ሓሊኑ ይሰርሕ ከምዘሎ እዮም ንኣካይዳታት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ዝሕብሩ።
ኣብይ ኣሕመድ ምውሓስ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ምምላስ ምዕራባዊ ትግራይ፡ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝብሉን ካልኦትን መብጸዓታት እንዳራብሐ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ንኽስለፍ ይዋሳእ ከምዘለኦ እዉን እቶም ወገናት የረድኡ።
ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት እቲ ልዕሊ 2 ሚልዮን ካብኡ ድማ ናብ ዓጸቦ ተቓሪቡ ህጹጽ ሓገዝ የድሊዮ ከምዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም እንዳእወየ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ናብ ወተሃደራዊ ረብሓኡ ንምቕያር ሱቕ ኢሉ ኪሓስም ይደጋገፍ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ኪእዘዝዎ ዝኽእሉ ሰብስልጣን ንግዝያዊ ምምሕዳር እታ ክልል ኪመርሑ ጌሩ ምህላዉ ይንገር። ብዘይካ’ዚ ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣብ ናይ ስልጣን ምትህልላኽን ጉጅለኣዊ ሸርሕታትን ተሸሚሞም ብምህላዎም ፡ እቲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተረስዐ ህዝቦም ናበየናይ ሓደጋ ይግዕዝ ከምዘሎ ኣየስተብህሉን ዘለዉ።
ስለዚ ካብ ናይ’ዚ ግዜ’ዚ ኣመሓደርቱ ተስፋ ዝቘረጸ ህዝቢ ትግራይ ፣ ሂወቱን ሂወት ነኣሽት ደቊን ንምድሓን ንመብጸዓታትን ትእዛዛትን መንግስቲ ፈረደራል ኪሰምዕ ዚግደድ ይመስል።