ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣንጸላሊዩ ካብ ዘሎ ሓድሽ ሓደጋ ኲናት ንምርሓቕ ናብ ትግራይ ኽሰግሩ ዝተሓዙ ኤርትራውያን፡ ምስቲ ናይ ሊብያ ዝመሳስል ምዝመዛታት ኪገጥሞም ጀሚሩ ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም። ብዙሓት ኣብ ዶባት ትግራይ እንዳተታሕዙ  ክሳብ 7 ሽሕ ዶላር ተዘይከፈልኩም ይበሃሉን ዝተፈላለዩ ምንግልታዓት የሕልፉን ከምዘለዉ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።

ምስ ዝተሓልፈ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ብዝተተሓሓዘ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን እዚ ንኤርትራውያን ዝህልዉ ኣጠማምታ እወታዊን ፍሕሹውን ኪኸዉን ከምዝይትጽበ ርዱእ ኾይኑ ክሳብ እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝባዊ ርዳኢትን ስምዒትን ዝመሓየሽን ዝሃድእን፡ ካብ ኤርትራ ናብ’ታ ክልል ዝሰግሩ ወገናትና  ነዚ ኣብ ልዕሊ ኣቐዲሞም ዝሰገሩ ኣሕዋቶም ዝበጽሕ ዘሎ ምዝመዛ ከስተብህልሉ የድሊ።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ወገናትና ኪህሉ ዝኽል ሓደጋ ኪንዮ ገንዘባዊ ምዝመዛ ዝኸይድ ከምዝኸዉን ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት እዚ ኣብ ዶባት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ ኤርትራዉያን ስጋሮ ተጀሚሩ ዘሎ ምዝመዛ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ዝሓሰመ ብርኪ ዘብል ከምዝመስል የጠንቅቑ።
ገለ ኣብ ስምሰራ ተዋፊሮም ዘለዉ ተጋሩ ንህግደፍ ዝረኸቡ መሲልዎም ኣብ ልዕሊ’ቶም ካብ ሓድሽ ሓደጋ ኲናት ሃዲሞም ዝሰግሩ ተራ ኤርትራውያን ሕነ ናይ ምፍዳይ ዝመስሉ ምዝመዛታት ይፍጽሙ ከምዘለዉ እዩ ነዚ ሓበሬታ ዝሰደዱ ምንጭታት ዘገንዘቡ።

ሰምሰርቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰጋሮ ዝዉስንዎ መጠን ክፍሊት ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ነዚ ቀጻሊ ዝዛይድ ዘሎ ዘሎ መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ ኣብ ልዕሊ ዘይከኣሉ ወገናት ዝህሉ ሓደጋ ድማ ቀሊል ከምዘይከዉን ብኣጋኡ ተገሚቱ ኣሎ።

ቀጻሊ ሕሰም መነባብሮ ሽቚረራን ብቐንዱ ድማ ዘየቋርጽ ኲናትን ሞትን ዘሰልከዮም ኤርትራዉያን መንእሰያት ኣብዚ ግዜ ብብዝሒ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከርሕቚ ጀሚሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ። ህግደፍ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዝተራቐቚን ኣብ ከዉሊ ዝካየዱን ግፋታት ኣጽዒቚ ምህላዉ ዝሕበር ኮይኑ በዚ ዝተጻበቡ መንእሰያት – ናብ ዝጠዓሞም ሸነኽ ኪሃድሙ ይመርጹ ከምዘለዉ ነዚ ዘስተብሃሉ ሰምሰርቲ ድማ ዝተዓጻጸፈ መጠን ገንዘብ እንዳኽፈሉ ይምዝምዝዎም ከምዘለዉ ኪሕበር ቀንዩ እዩ።