ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ንዋና ከተማ ዞባ ጀዚራ ዝኾነት ዋድ-መደኒ ምሓዞም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ንዘለዎም ጸብለልታ ዘረጋግጽ ኾይኑ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ። ብ19 ታሕሳስ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ካብታ ስትራተጂካዊትን ርእሰ ከተማ’ታ ሃብታም ናይ ሕርሻ ዞባ ዝኾነት ዋድ-መዲኒን ከምዝሰሓቡ ብወግዒ ኣፍሊጦም እዮም።
ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ናብታ ከተማ ድሕሪ ምእታዎም፡ ዛጊት ልዕሊ 300 ሽሕ ዝኾኑ ነብርቲ ከምዝሃደሙ ዝሓበረ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM እታ ዝተፈናቐሉ ወገናት ኸጽልሉላን መናሃርያ ሰብኣዊ ረዲኤት ኾይናን ዝጸንሐት ከተማ ኣብ ኢድ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ምእታዋ ፡ ነቲ ብመጠኑ ናብ ኢድ ተጸበይቲ ኪባጻሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ደገፍ መሊሱ ዘጻብብ ኸይከዉን ስግኣቱ ይገልጽ።
ንዝሰፍሐ ከባቢታት ዞባ ዳርፉርን ዞባ ኻርቱምን ተቘጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ፣ ንዞባ ጀዚራ ምእታዎም ፡ ኣብቲ ናብኦም ክዘዙ ዝጸንሐ ሓይሊ ሚዛን ተወሳኺ ክብደት ዝዉስኽ ከምዝኸዉን እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝትንትኑ።
ሰራዊት መንግስቲ ካብ’ታ ኣገዳሲት ከተማ ሃንደበት ዝሰሓበሉ ምኽንያት ንጹር ከምዘይኮነ በዚ ዝሰንበደ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን እንዳተመርሐ መሰጋገሪ መንግስትነት ወኒኑ ዘሎ ልኣላዊ ባይቲ ሱዳን ድማ ኣብቲ ጉዳይ መርመራ ኪቃናዕ ኣዚዙ ምህላዉ ይንገር።
ካብ ሕቡራት ኤማራት ናይ ኣጽዋርን ሎጂስቲክን ደገፍ ኣዉሒሶም ምህላዎም ዝንገረሎም ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ካብ ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ጀሚሮም ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ገስጋስን ዓወትን ከምዝግቡ ይረኣዩ ምህላዎም ዝፍለጥ ኾይኑ በዚ ጉዳይ ኣብ ሞንጎ ኤማራትን እዋናዊ መንግስቲ ሱዳንን ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ተፈጢሩ ክሳብ ምጥራዝ ዲፕሎማሰኛታት ተበጺሑ ከምዘሎ ይሕበር።
ቤትጽሕፈቱ ካብ ከተማ ካርቱም ናብ ፖርት ሱዳን ኣግዒዙ ዘሎ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን በዚ ኣብ ሓጺር እዋን ዝቀያየር ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ሰጊኡ ኣህጉራዊን ዞባዊን ደገፍ ኣብ ምምእራር ይጐዪ ከምዘሎ እዉን ኪግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ናብ ታሽዓይ ወርሑ ዝኣቱ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ድሮ ንከባቢ 7 ሚልዮን ዜጋታት ኣመዛቢሉ፡ ንቊጠባን ትሕተቅርጺን እታ ሃገር ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ዘይጽገነሉ ብርኪ ኣዉሪዱ ምህላዉ ይንገር።