ገደብን ተሓታትነትን ዝጐድሎ ስልጣን ተለጊስሎም ዘሎ ኣሃዱታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝፍጽምዎ ምዝመዛ ዕለታዊ እንዳተጋህደ ይመጽእ ኣሎ።
ሰነዳት ስደተኛታት መገሻን ዝሓዙ ኤርትራውያን ከይተረፈ ክሳብ ዝጻረ እንዳተባህሉ ኪዉሰዱን ኪዳጐኑን ይርአ ከምዘሎ ዝሕበር ኾይኑ ገለ ነዚ ኩነታት ከም ምንጪ ልዑል ገንዘባዊ ኣታዊ ንምግባሩ ይጓየዩ ምህላዎም ክርዳእ ተኻእኢሉ።

በቲ ካብ ምጅማር ናይዚ ወርሒ እዚ ዝገንን ዘሎ ተርእዮ ዝተለከሙ ኣማእኢት ኤርትራዉያን ስደተኛታትን ገያሾን ተዳጒኖም  ገለ ብላዕ ከፊሎም ኪወጹን ገለ ድማ ንነዊሕ እዋን ኪተሓዙን ይርአ ኣሎ። ካብ ኢትዮጵያ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ወጻኢ ሃገር ኪገሹ መስርሕ ዘጻፈፍፉ ኤርትራዉያን ከይተረፈ ናይ መውጽኢ ቪዛ ልዕሊ 1700 ዶላር ኣመሪካ ኪኸፍሉ ይሕተቱ ኣለው።
መንግስቲ ፈደራል ብዛዕባ እዚ ኣሰካፊ ኰነታት ዛጊት ዝኾነ ቃል ከሙልቚ ዘይተሰምዐ ኾይኑ በዚ ዝተተባብዑ ኣባላት ጸጥታ ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ዝተፈላለዩ በደላት ከውርዱ ናይ ምድላይ ድፍረቶም ይዛይድ ምህላዉ ይንገር።

ሓያሎ ወገናት ይሕብርዎ ከምዘለዉ እዉን ነቲ ብኲናት ተዳኺሙ ኣብ ውዑይ ሓዘንን ቂምንን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ኪኸስብ ዝጓየ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ጽልአይ ከመስክር እንተጀሚረ ነቲ ደገፍ ከውሕሶ ይኽል እየ ዝብል መኣዝኑ ዝሰሓተ ሚዛን ይመዝን ከምዘሎ እዩ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ኣቢይ ኣሕመድን ዕምሪ ስልጣኖም ንምንዋሕ ንዝህንድስዎ ዘለዉ ድራማ ኲናት ምኽኑይ ንምግባሩ ዝተፈላለዩ ሜላታት የውፍሩ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኾይኑ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ከም መጣልዒን መማሰሊን ናይቲ ተደልዩ ዘሎ ትፍንን ንምግባሮም ብዕቱብ ይስረሓሉ ከምዘሎ ይሕበር።

ህግደፍ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብር ኤርትራዊ ስድተኛታ ኣብ ሓደጋ ንምዉዳቕ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ምስ ወደቚ ድማ ፡ ኣብቲ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ኣትይዎ ዘሎ ምትፍናን ደገፍ ህዝቢ ንምኽሳብ  ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና ከምኡ’ዉን መልእኽተኛታት ፡ ዘሰንብዱ ወረታት ይነዝሕ ምህላዉ ይሕበር።
ቶም መሓዉራት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበረቲ ኣዲስ-ኣበባ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላሊይዎም ከምዘሎን ናብ ዝቐረበሎም ሃገር ኪሃድሙ ከምዘለዎምን ዘተሓሳስብ ዝተፈራረቐ መጠንቀቕታ ኣብ ምርባሕ ወፊሮም ከምዘለዉ ኣይርሳዕን።