ነቲ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ዝንህር ዘሎ ውድድር ኣህጉራዊ ህላዌ ንምጽብላል ገዚፍ ጸጥጣዊ ወፍሪ ወዲባ እትጓየ ዘላ ኣመሪካ ነቲ ኣሽሓት ኪሎሜተራት መሬታዊን ደሴታዊን ገማግም ንእትዉንን ኤርትራ ገዚኡ ዘሳቒ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝጸንሓ ኣቀራርባ ከተፋሕሹ ትህቅን ምህላዋ ምንጭታት ኤሪሳት ተንቲኖም። እቶም ወገናት ነዚ ዘመልከቱ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኤርትራ ኣመልኩቱ ዘሐደሶ ሰነድ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ብምግምጋም እዮም።

ኣብ’ቲ ዝተሓደሰ ሰነድ መንግስቲ ኣመሪካ – ንልምዓታዊ ጸጥታዊን መርሓታት ጉጅለ ህግደፍ ብዝተዃለመ መልክዑ ኪሙጒስ እንከሎ ኸይትግበሩ ተወንዚፎምን ተጠምዚዞምን ዝጸንሑ ነጥብታትን ዉሳኔታትን ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ድማ ትንፋስ ኪሳኻዓሉ ምዃኑ እዩ ኣተስፍዩ ዘሎ።
ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ጥርዚ ወኒኑ ዘሎ ጸጥታዊ ዓብላልነት ንምቕዳም፡ ንርእሰ-ምድራዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ገምጊማ ምስ ህግደፍ ዝምድና ምምሕያሽ ዝሓሸ ኣማራጺ ኾይኑዋ ከምዝመስል ዘመልክቱ እቶም ምንጭታት ዕምሪ ስልጣኑ ከዉሕስ ምስ ሩስያን ቻይናን ቀይዲ ዝወሓዶም ዉዕላት ከቃንዕ ዝጸንሐ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ካብ ኣመሪካ ዝነፍስ ዘሎ ናይ ረብሓ-ምቕሉልነት በየናይ ሸነኹ እዩ ኪምዝምዞ ከምዘይፍለጥ የገንዝቡ።

ኣመሪካ ጸጥታ ቀይሕ-ባሕሪ ንምውሓስ ኸተውፍሮ ናብ ትቀራረብ ዘላ ስርሒት ሓለዋ ብልጽግና ክጽንበራ ናይ ዝደልያ ሃገራት ምዕራብ ቊጽሪ ዕለታዊ ዝዛይድ ዘሎ ኾይኑ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣባላቱ ዝኾና ሃገራት ናብቲ ኣህጉራዊ ጸጥታዊ ወፍሪ ኪጽንበራ ምዃነን ብመንገዲ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳዪ ዮሴፍ ቦሬል ኣረጋጊጹ ኣሎ።

በቲ ማያዊ መስመር ዝቃናዕ ንግዳዊ ጉዕዞ ኣብ ሓደጋ ኣትዩወን ዘሎ ብቚጠባን ወተሃደራዊ ቊመናን ሓያላት ዝኾና ሃገራት፡ ድሮ መራኽብ ኲናት ንምስዳድ ይዉስናን ንምዉሳን ይዳለዋን ዘለዋ ኾይነን ጸጥታዊ ቅርጻ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣቱ ኸይህሉ ክንሕብር ጸኒሕና ኢና።
ህላዌ ናይተን ከም ኣመሪካ: ፈረንሳ: ቻይናን ካልኦት ትርኑዓት ሃገራትን ኣብዚ ማያዊ ዞባ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኪዛይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኾይኑ ኣብ’ቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ይዂን ንግዳዊ ነቚጣታት ደኲነን ኪድኩና ድሌት ዘለወንን እተን ሃገራት ፡ በቲ ምንቅስቓሳቱ ኣሰካፊ እንዳኾነ ዝመጽ ዘሎ የመናዊ ጉጅለ ኣመኽንየን ንዝጸንሐን ህላዌ ንምስፋሕ ኪጓየያ ምዃነን ተገሚሩ ጸኒሑ እዩ።