ህዝቢ ከመሓድርን ከልምዕን ዝጽግሞ ህግደፍ ንኤርትራ ናብ ከመይ ዝበለ ድሕረት ደርብዩዋ ከምዘሎ ልዕሊ ካልእ እዋን ይገሃድ ኣሎ። ናብ ኤርትራ ኪኣትዉ ዕድል ዝረኽቡ ወጻእተኛታት ሓሓሊፎም ኣብ ዝስንድዎም እሞ ጸኒሖም ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘካፍልዎም ምስልታት ከተማታት ኤርትራ  ህዝብና ብሰንኪ ህግደፍ ይዋረዱ ከምዘሎ ዘመሳኽሩ እዮም።

ብፍላይ ካብዚ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ጀሚሩ ከም ተራ በጻሕቲ ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዘይተመኽንየሎም ድልዱላት መርትዖታት ብምስናድ ንሕመቕ ህግደፍ ናይ ዘቃልዑ ወጻእተኛታት ቊጽሪ ይዛይድ ከምዘሎ ክርዳእ ይከኣል።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ኩሎም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተመዝጊቡ ዘሎ ድሕረት ብመለኪዕታት ልምዓትን ምዕባለን ክትግምግሞም እኳ ከምዘሕንኽ እዮም እቶም ካብ ዝተፈላለዩ በጻሕቲ ዝካፈሉ ዘለዉ ስእላዊ ሰነዳት ዘመልክቱ። ከተማታት ኤርትራ ከም ከተማታት ከጸዉዐን ዘኽእል መባእታዊ ኣገልግሎታት እኳ ተሓሪምወን ከምዘሎ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓደ ሕመቚ ዘየሕፍሮ ጥሩፍ ጉጅለ ኣብ ድኽነት ተደርቢዩ ከምዘሎ እዮም እቶም ሰነዳት ዘመላኽቱ።

ከተማ ኣስመራ ህዝቢ ዘይነብራ ከተማ ኪትመስል መናድቕ ዉቁብ ህንጻታታ ነቒዑን ተቐሊጡን፣ ምስላ ሓሚዱ ጥራይ ኽትርኢ ንኤርትራ ከመይ ዘበል ውዱቕን ሽምጉልን ስርዓት ሒዝዋ ወዲቚ ከምዘሎ ዘረጋግጸልካ ቅሉዕ ኣብነት ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክንገልጽ ዝጸናሕና ኾይንና ህግደፍ ነታ ንከባቢ ሳላሳ ዓመታት ዝርካባ ኣሕዲጉ ረሚስዋ ዘሎ ሃገር ሕጂ’ዉን ኣብ ዝተሓደሰ ኲናትን ኣህጉራዊ ተነጽሎን ሸሚሙ ንዝበኣሰ ዕንወትን ድሕረትን ይሰርሕ ምህላዉ ካብ ምንጋር ኣየዕረፍናን።