ኣብ ዝዉድቦም ድግሳትን ኣኼባታትን ጥራይ ልዑል ብዝሒ ተሳተፍቲ ዝብህግ ህግደፍ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ግዳያት መጭወይቲን መስወርትን ዝኾኑ ዘለዉ ወገናትና ብመንገዲ ኤምባሲ ዝኾነ ሕቶ ከቕርብ ይዂን ብዛዕባ ድሕነቶም ኪሕለቕ ዘይምምራጹ ፡ ንሓቀኛ ባህሪ እቲ ጉጅለን መሓዉራቱን ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ምንጭታት ካብ ኣዲስ-ኣበባ ሓቢሮም።
ብግዲ ተረኸቡ እንዳበለ ኣብ ዘቃንዖም ዝነበረ ፖለቲካዊ ዉራያት ብምስታፎም ሕጂ መንነቶም ኣይተፈልጡን ብዝበሃሉ ኣሃዱታት ንዝዉሰዱን ዝስወሩን ዘለዉ ኤርትራዉያን መንእሰያት ደሃዮም ዘይሓትት ኤምባሲ ቀንዲ ዕላማኡ ናይ ምዝመዛ መሓዉራዊ ተልኾታት ህግደፍ ምስኻዕ እምበር ድሕነትን ክብረትን ኤርትራዉያን ምርግጋጽ ከምዘይኮነ ዘመላኽት እዩ።
ኤምባሲታት ህግደፍ ገንዘብ ምምንዛዕን ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዜጋታት ብደቂቕ ምክትታልን እንተዘይኮይኑ ኣብ ባይታ ወሪደን ንድሕነትን መሰልን ኤርትራዉያን ኪሰርሓ ተልእኾ ከምዘይበልን ካብ ነዊሕ እዋን ከመስክራ ጸኒሐን እየን።
እተን ኤምባሲታት ብገንዘቦምን ጉልበቶምን ነዊሕ ንዘገልገልወን ወገናት እዉን እንተኾነ ኣብ እዋን ጸገሞም ቊሊሕ ክብላኦም ኣይመርጻን እየን። እዚ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ዝብእስ ዘሎ ሓደጋ ስቕ ኢሉ ዝዕዘብ ዘሎ ኤምባሲ ህግደፍ እዉን ካብቶም ካልኦት ኤምባሲታት ዝፍለ ምሕደራዊ ባህሪ ስለዘይዉንን፡ ብዛዕባ ድሕነትን ኣበየ-ህላዌን እቶም ዝጭወዩን ዝስወሩን ዘለዉ ወገናትና ከጣልል ኣይኮነን።
ምጒስጓስ ኣምልኾ ኢሳያስ ምስላል መነባብሮን ፖለቲካዊ መርገጺን ተራ ዜጋታት፡ ምስዋር ረቂቕ ጽልእን ዘይምትእምማንን ኣብ መንጎ ህዝቢ ከምኡ’ዉን ኣባላት ማሕበረኮም ምስግዳድ ዘይሕጋዊ ግብሪን ካልኦት ገንዘባዊ ጠለባትን ምሕጻብ :ገነዘብ: ምቕናዕ ንግዲን ወፍሪን ብስም ዉልቀሰባት ምወላ ቅንጸላን ራዕዲን ኣብ ልዕሊ ኣስጋእቲ ፖለቲከኛታትን ተንቀሳቐስቲን ካልእን ማእከላይ ዕላማአን ዝኾነ እተን ኤምባሲታት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ – ደጋፊ ይዂን ተቛዋሚ ዝበጽሕ ሓደጋ ጉዳየን ከምዘይኮነ ብተግባር ከመስክራ ጸኒሐን እየን።
ቅጺ-ስራሕ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ካብ’ዚ ባህሪ መሓዉራት ህግደፍ ዝፍለ ብዘይምዃኑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዝበጽሕ በደል ይኹን ካልእ ኸገድሶን ከሻቕሎን ኣይኮነን።