ካብቶም ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ብመንገዲ ኬንያ ንኡጋንዳ ኪበጽሑ ዝጓየዩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት፡ ኣብ ጉዕዞ ናይ ሞት ሓደጋ ይጐንፎም ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም ። ብፍላይ ብጀላቡ ጌርካ ብመንገዲ ወሓይዝ-ኦሞ ናብ ቀላይ ቱርካና ብምጽንባር ንኬንያ ንምእታዉ ተጀሚሩ ኣብ ዘሎ ጉዕዞ ብውሕጅ ናይ ዝልከሙ ኤርትራዉያን ወገናትና ብዝሒ እንዳዛየደ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙሽተ ኤርትራዉያን ብጋሻ ውሕጅ ተወሲዶም ዝብል ሓበሬታ ይናፈስ ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ። ኣብ’ቲ ዘይሕጋዊን ሓደገኛን መስመር ጉዕዞ ጀላቡ ኣዋፊሮም ዝስምስሩ ዘለዉ ወገናት፡ ንእዋናዊ ሻቕሎት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብምምዝማዝ ልዑል ገንዘብ ንምኽዕባት ጥራይ ሓሲቦም ንድሕነት እቶም ስደተኛታት ኣብ ገዚፍ ሓደጋ የእትዉ ምህላዎም እዉን ተረጋጊጹ ኣሎ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ነበርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዉጹእ ሓደጋ ከምዘለዉን በብዝጥዕሞም መንገዲ ካብታ ሃገር ከርሕቚን ብዝጉስጉሱ ዜናታት ዘይወግዓውያን መሓውራት ዜና ህግደፍ- ተደናጊሮም ኣብ ሓደጋ ናይ ዝወድቊ ዘለዉ ወገናትና ቊጽሪ ይዛይድ ከምዘሎ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።

በቶም ዜናታት ዝተሰናበዱ ሓያለ ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ኣብ ዘይመደቦም ኣትዮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምርሓቕ ዘይውሑሳት መንገድታት ሃሰዉ እንዳበሉ ግዳይ ዝተፈላለየ ምዝመዛ ይዀኑ ምህላዎም ምሕባርና ዝፍለጥ ኮይኑ ብፍላይ ብኬንያ ኣኳሊምካ ናብ ኡጋንዳ ንምብጻሕ ኣብ ዝካየድ ጉዕዞ ዝተሓዙ ዘለዉ ወገናት ንተወሳኺ ጸገም ካብ ምቅላዕ ኣየዕረፉን።

ምስ ህግደፍን ምስ ገለ ሓለፍቲ ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ፈደራልን ምትእስሳር ዘለዎም ሰምሰርቲን ደለልቲን ነዚ እዋናዊ ክስተት ከም ምረቓ ወሲዶም ንብዙሓት ኤርትራዉያን ውሑስ ጉዕዞ እንዳተመባጽዑ ንሰንሰለታዊ ገንዘባዊ ምዝመዛን ማእሰርትን የረክስዎም ከምዘለዉ እዉን ይፍለጥ።

ህግደፍ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብር ኤርትራዊ ስደተኛታ ኣብ ሓደጋ ንምዉዳቕ ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና ከምኡ’ዉን መልእኽተኛታት ፡ ዘሰንብዱ ወረታት ይነዝሕን  ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበረቲ ኣዲስ-ኣበባ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላሊይዎም ስለዘሎ ድማ ናብ ዝቐረበሎም ሃገር ኪሃድሙን ዘተሓሳስቡ መጠንቀቕታ ኣብ ምርባሕ ወፊሮም ከምዘለዉ ኣይርሳዕን።