ዓመተ 2023፡ ልምዓትን መስተርሆትን ህዝቢ ኤርትራ ዝገሃደላ ዓመት ኽትከዉን እያ ብምባል ከም ኣመሉ ተመባጺዑ ዝነበረ ህግደፍ እንሆ እዛ ዓመት ካብ’ታ ቅድሚኣ ዝነበረት ብኢሳ ኽትዛዘም ጌሩ ። ኪሰርሕ ኪቕይር ከልምዕ ዘይኮነ ኪሓሚ፡ ኪፍክር ፡ ኽምነን ኪመባጻዕን ጥራይ ዝቐሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምጅማር 2023 ንደገፍቱ ኣትዩሎም ዝነበረ መብጸዓ ብዝነኣሰ ሸነኹ እኳ ከየማልአ ነዛ ዓመት ይፋነዋ ኣሎ።
ንልዕሊ 32 ዓመት ብሓሶት እንዳተመባጽዑ ብተጻብኦ ግዳማዉያን እንዳመኽነዩ ንሃገር ኸድሕሩ ሽምግልና ዘርከቦም መራሕቲ ህግደፍ ሕጂ ናብ ዉነኦም ተመሊሶም ቊጠባን መስተርሆትን ህዝቢ ንምቕናዕ ኪብገሱ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ኣጸጋሚ እዩ።
ኣብ ሕዳር 2022 ስምምዕ ፕሪቶርያ ድሕሪ ምኽታሙ ኲናት ተኾሊፍዎ ሓዳስ ዓመተ 2023 ደበኽ ምስ በለቶ – ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ሽዑ ከም ኣመሉ – ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ንምምሕያሽ ፡ ዝጸንሑ ጸገማት ክፍትሑ ገዚፍ መደብ ከምዘሎ ንምትስፋዉ ናይ 03 ወረታት ክነዝሕ ጀሚሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ደጊም ህወሓትን ስግኣቱን ኣብቂዑ ምስ ህወሓት ዝደናገጹ ዝነበሩ ምዕራባዉያን ሓይልታት ድማ ተሳዒሮም ስለዝኾኑ ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ ናብ ስቡሕ ናብራ ንምምላስ ብዙሓት መደባት ተሰሪዖም ከምዘለዉ ዘተስፍዉ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ኣብቲ ሽዑ እዋን ብተደጋጋሚ ተሰሚዑ እዩ።
ሰራዊት ናይ ምጥያስ ገዚፍ መደብ ደሞዝን መነባብሮን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ምምሕያሽ ወፍሪን ንግዲን ኣብ ዉሽጢን ወጻእኢን ንዝርከቡ ዜጋታት ክፉት ምግባር ምህናጽ ኣባይቲን ምዕዳል መሬትን ምጅማር ነጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት ካብን ናብን ሃገር ምርግጋጽን ካልን ዝብሉ ሓያለ ልሙዳት መብጸዓታት ገለ ካብቶም ብኣሃዱታት 03 ዝንዝሑ ዝነበሩ እዮም።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓጺር ናይ ሓድሽ ዓመተ 2023 ጽሑፋዊ መልኽቱ ህዝቢ ኤርትራ ዝተራቐቐን ዝበእኣሰን ግዳማዊ ተጻብኦ ይመጽኦ ብምህላዉ ንዝሓየለ ምኸተ ድሉው ኪኸዉን ዝብል ልሙድ መግለጺ ሂቡ ነይሩ እዩ። እቲ መራሒ ብሽፍኑ ዝጠቐሶ ሓድሽ ግዳማዊ ተጻብኦ ኣብ’ቲ ግዜዚ ብህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ከምዘይኮነ ስለዝተገንዘበ ድማ እዩ ክሳብ ዘእምን ምኽንያት ዝረክብ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ክብትን ተራእዩ።
ብዘይ ኲናትን ስግኣትን ትኽ ኢሉ ሃገርን ህዝቢን ከመሓድር ዝጽገም ህግደፍ ክሳብ ከምዚ ሕጂ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝመሻጠረሉ ዘሎ ሓድሽ ኲናት ዝቃረብ ናይ ሓሶት መብጸዓታት እንዳደርደረ ህዝቢ እንዳታለለ ክጸንሕ ከምዝመርጽ ይፍለጥ።