ኤርትራ ብብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት፡ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ገና ትመርሐን ከምዘላ ተሓላቒ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ሓቢሩ። ብውሑዱ 15 ጋዜጠኛታት ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ምህላዎም ዝሓበረ እቲ ትካል ንኩነታቶምን ኣበየ-ህላዌእኦምን ብዝምልከት ዛጊት ዝወሃብ ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘየለ ይወቅስ
ጋዜጠኛታት ብዘይ-ዶብ ኣብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ገምጋማዊ ጸብጻብ ኤርትራ ምስ ቀዳሞት 10 ዳጐንቲ ጋዜጠኛታት ዝኾና ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ ትቕጽል ምህላዋ ሓቢሩ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ትካል ቻይና 121 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ነቲ ናይ ቀዳሞት ዓሰርተ ደረጃ ኪትመርሖ እንከላ ምያንማር 68 :ቤላሩስ 39: ቬትናም 36 :ሩስያ 28: ሶርያ 25: ስዑዲ 24: ኢራን 21: ግብጺ 19: ኤርትራ ድማ 15 ጋዜጠኛታት ብምእሳረን እየን ተሰሪዐን ዘለዋ።
ኣብ ሸላታት ህግደፍ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትና ኣብ ዓለም እቶም ንዝነውሐ ግዜ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኮይኖም ምህላዎም እዉን ኣይርሳዕን።
ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 2023 ብጠቕላላ ልዕሊ 70 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ምላዎም ዝጠቐሰ ጋዜጠኛታት ብዘይ-ዶብ ካብዚኣቶም ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ግብጺን ኤርትራን ምህላዎም ይጠቅስ። ማእከላይ ምብራቓዊ ሸነኽ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ዝምዝገበሉ ዘሎ ከባቢ ኮይኑ ኤርትራ: ኢትዮጵያን ርዋንዳን ብቐዳምነት ዝጥቀሳ እየን።
ምስ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽን ኲናት ሕድሕድን ተተሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ምእሳር ጋዜጠኛታት ክንህር ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ :እንተኾነ ጋዜጠኛታት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክሶምን ፍርዶምን ክፈልጡን እዮም ዝረኣዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝሳቐዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ክሶምን ፍርዶምን ኣይፈልጡን እዮም።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይ ዝኾነ ክስን ፍርዳዊ መስርሕን ዛጊት ሓዪርዎ ዘሎ ዓሰርተታት ጋዜጠኛታት ነቲ ኣብ ምድቋስ ነጻነት ፕረስ ዝኽተሎ ኣካይዳታት ዘመስክር ከምዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል: ኣህጉራዊ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ : ኮሚቴ ንድሕነት ጋዜጠኛታትን ካልኦት ኣህጉራውያን ማሕበራትን ዓመት መጸ ኣብ ዝዝርግሕዎም ጸብጻባት ንነጻ ፕረስ ኣብ ምቕታል ካብ ዝሰርሑ ዘለዉ ወገናት ንጉጅለ ህግደፍ ብቐዳምነት’ዮም ክጠቕስዎ ዝረኣዩ።