ካብ ተወልደ ኣሕፈሮም (ጀርመን)
ዕሉል ኣፈኛ ስርዓት ህግደፍ ዝዀነ ኣወል ስዒድ፣ ውድቕቲ ሃገር ብዝብል ኣርእስቲ ሓዳስ ፕሮፖጋንዳዊት ፕሮስ ዘርጊሑ። እቲ ትርግታ ልቢ ኣኸደምቱ ብምድማጽ ከም ኣመሉ ውዱቕ ትሕዝቶ ዘለዋ ፕሮስ ሒዙ ዝተቐልቀለ ኣወል ስዒድ፣ ነቲ ብስእነት ዝስተ ጽሩይ ማይ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ማይ-ሳሓ ኣይትግዝኡ ሳምና ሳምና እዩ ዝጥዕም፣ መድሃኒት ስኢንኩም ናብ ቱርኪ ኣይትልኣኹ፣ ኣይፈለጥኩምን እምበር እቲ ካብ መወከሲ ሕክምና ኦሮታ ናይ ሓምሳ ሜትሮ ርሕቀት ዘለዎ ፋርሚኮር ብናጻ እዩ መድሃኒት ዝዕድል ዘሎ፣ ስለዚ ፋርማሲታትን ሕክምናታትን ከይሓተትክን መድሃኒት የለን ኣይትበላ እናበለ እዩ ንህውቱት መደርኡ ዝፍልም። እቲ ደቂ ኣስመራ ብልሙድ ካምባና ኢሎም ዝጽውዕዎ ኣወል ስዒድ፣ ንኽልተ ዝወደቐ ገንዘብ ረኺቦም ናብ ፖሊስ ዘረከቡ ዜጋታት ከም ኣብነት ብምምጻእ ኤርትራዊ ሰራቒ ኣይኰነን ንኹሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ ሰራዊት ብመንጽር እዞም ክልተ ዝጠፍአ ገንዘብ ምስ ረኸቡ ናብ ፖሊስ ዘረከቡ ሰባት ክትልክዕዎም ኣለኩም ኢሉ ብትብዓት ክዛረብ’ውን ይስማዕ እዩ። እሞኸ ብጻይ ኣወል ክንምልስ ዶ! ብመጀመርታ ነቲ ንህዝቡ ቀረብ ዝስተ ጽሩይ ማይ ከሊኡ ንጎሮሮ ሓፋሽ ኣንቂጹ ዘሎ ኣኸዳሚኻ፣ ማይ ሳሓ ኣይትግዝኡ ኢለ ብነድሪ እንተደኣ መዲረስ፣ ህዝቢ ተመሊሱ፡ እሞ እንታይ ደኣ ክንሰቲ ኣይኰነን ዶ ነዚ ካብ ትግራይ ስለ ዝመጸ ጥራይ ንስኻ ተባኹሶ ዘለኻ ማይሲ፣ እቲ መንግስቲ ካብ ዝሰዶ ዘይስዶ ዝበዝሕ ረሳሕ ማይ ከማን ንሰቲ ኔርና፣ ኢሎም እንተሓቲቶምንስ እንታይ ክብሎም እየ ዘይትብል’ሲ እንታይ ማለት እዩ፧ ምዃን ኣወል ካምባና ደኣ እንታይ ኣምጺእካ ኢኻ ኸምኡ ክትብል፣ ሓሶት ተረር ተረር ኣቢልካ ዶ ትድረር ዋላስ ከም ሰብካ ነቒጽካ ትተርፍ። ደሓር ከኣስ ኣብታ ሰኣን መድሃኒት ህዝባ ከም ሕሱም እናሃለቐ ወግሐ ጸብሐ ጎ ፋን ሚ ክኸፍት ዝውዕል ዘሎ ሃገር ኮንካስ፣ ካብ ቱርኪ መድሃኒት ዘምጽእ የብልኩምን፣ መንግስቲ ብናጻ እዩ መድሃኒት ዝዕድል ዘሎ ክትብል ቁሩብ ኣይትሓንኽን!! ካን ንሕና እቶም ካብ ሃገር ወጻኢ ዘለና ኤርትራውያን ምስ ስድራና ምስ ህዝብና ርክብ ዘይብልና ጌርካ ዲኻ ትወስደና፧ ኣቤት ዓሻ ድፍረት ክብሉኻስ ለካ ከምዚ ናይ ኣወል ካምባና እዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብስ ደሓን ከይዛረብ ተዓፊኑ ስለ ዘሎ ኣይትሓዘሉን እዩ። እንተኾነ ግና ኤርትራዊ ሓሚሙ ኣብ ኤርትራ ምሕካም ስኢኑ ናብታ ክንዲ ፍርቂ-ርብዓ ዘይትመጹ ክንስኹም ንስኻን ጎይቶትካን ከተናኣእስዋ ትውዕሉ ዘለኹም ኢትዮጵያዶ ኣይኮነን ክውሕዝ ዝውዕል ዘሎ፧ ምዃን ንዓኻን ንኣኸደምትኻን መድሃኒት ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ብናጻ እዩ!! ዝሓሰርካ ኣወል፣ ንክልተ ዝጠፍአ ገንዘብ ኣብ መንገዲ ረኺቦም ናብ ፖሊስ ዘረከቡ ሰባት ኣምጺእካስ እምበኣር ኣብ ኤርትራ ስርቂ ነውሪ ምዃኑ ክትነግረና ፈቲንካ! ነቶም ንመንእሰያት ኤርትራውያን ኣሽሓት ዶላራት ኣኽፊሎም ኣብ ማእከል ጎደና ሓርነት ኣብ ላንድ ክሩዘር ጽዒኖም ካብ ሃገር ብምውጻእ ንዓመታት ዘይተኣደነ ሃብትን ገንዘብን ዘኻዕበቱ ጀነራላትን ኮለኔላትን ከ ደኣ ኣበይ ክትምድቦም ኢኻ፣ ነቶም ንሃብቲ ሃገር ዝኾነ ወርቅን ማዕድንን ተሓታትነት ብዘይብሉ መገዲ ካብ ሃገር ከም ሕሱም ዘውሓዙ ኣያታትካ ኸ ደኣ ንብረት ህዝብን ሃብቲ ሃገርን ክመልሱ ሕሹኽ ዘይትብሎም። ነቶም ንዜጋታት ኣብ ዓዲ ኣበይቶን ማይ ስርዋን ካልኦት እንዳ ማሕቡስን ዳጒኖም፣ ገንዘብ መሳኪን ኤርትራውያን ክዝርፉ ዝውዕሉ ዘለዉ የዕሩኽትኻ ዝኸውን ፕሮስ ደኣኸ መዓስ ኢኻ ክትሰርሕ፧ ዝተዋረድካ ኣወል፣ ኣብዚ ጊዜዚ በዓል ጽብቕቲ ማኪናን ወናኒ ገዛን ትካልን ኮንካ ዘለኻስ እምበኣር ስለ ዝሰራሕካን ዝርሃጽካን ኢኻ።
ንምዃኑ፣ ኣብ ቀረባ ጊዜ እቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኤርትራዊ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዘሎ ለውጢ ምስ ተበሰረ፣ በዛ መኪናኻ ጌርካ ናበይ ኢኻ ትሃድሞ፧ ናብ ዓደቦይ ከይትብል፣ እንዳ ዓደቦኻ ደኣ ኣይ ምእንቲ ሕሱር ረብሓ ክትብል ኣዋሪድካዮምን ጸሪፍካዮምን እንዲኻ፣ ናብ ኢትዮጵያ ከይትብል፣ እታ ንስኻን ኣኸደምትኻን ዝቐናእኩሙላ ኢትዮጵያ ተቐቢላ ኣበይ ከም ተዕቑበካ ኣይትስሕቶን ኢኻ። ናብ ሱዳን ከይትብል፣ ሱዳን ምስ ኣተኻ ካብቶም ንስኻን ህግደፍካን ዘባረርኩሞም ቁጡዓት መንእሰያት መን ክከላኸለልካ እዩ፣ ኣብ ኣስመራ ኮፍ ከይትብል፣ ህዝቢ ኣስመራ ነቲ ዘይባህሉ ዝዀነ ንሰብ ብመገድ ምጉታት ብኣኻ ከምዘይጅምሮ እንታይ መረጋገጺ ኣለካ፧ ኣወል ስዒድ እቲ ብተደጋጋሚ ኣነኣኢስካ ትገልጾ ህዝቢ ትግራይ ግደ ሓቂ ንዓኻ እዩ ዝቐርብ ነይሩ። ከማኻ ገይሩ ንደሙን ዓጽሙን ዘዋርድ ሕሱር ባንዳ መቸም ኣብ ማህደራት ታሪኽ ኣይተመዝገበን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለካ ንዕቀትን ብድዐን ደጊምካ እንተተሓስበሉ ግርም ነይሩ።
ነዛ ትፍሕራ ዘለኻ ጉድጓድ መወዳእትኡ ንስኻ ከም ትኣትዋ፣ እታ ትጽሕትራ ዘለኻ ኲናት ድማ ባዕልኻ ከም ትስሕና ግና ከሎ ገና ከነርድኣካ ንፈቱ። ንምዃኑ እዚ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ተላዒሉ ንስርዓት ህግደፍ ዘባህርር ዘሎ ማዕበል ተቓውሞ፣ ቀስቃሲኡ ንስኻ ምዃንካስ ትፈልጥዶ። እቲኳ ንስኻ ኣብ ጎደናታት ኣስመራን ፍቖዶ ሻውላትን ክትልምን ከለኻ መድፍዓጅን ሰብ ብሬንን ኮይኖም ንህዝቦምን ሃገሮምን ዋጋ ዝኸፈሉ፣ ብሰሪ ስርዓት ህግደፍ ግን ከይፈተዉ ዝተሰደዱ ጀጋኑ ኣብ ዘለውዎ ኤውሮጳ፣ ሓደ ልቡ ካብ ቁመቱ ዝሓጽር፣ ክንዲ ኸላእ ዝኸውን ግን ከኣ ሓንጎል ዘይብሉ ሽክና ርእሲ ዘለዎ ኩርኩር መጺኡ ኣብ ምድሪ ስደቶም ክልፍልፍ ከም ዝተላእከ ምስ ሰምዑዶ ኣይኮነን ሆ ኢሎም ተላዒሎም ንዓኻን ንኣኸደምትኻን ድቃስ ከሊኦም ዝርከቡ ዘለው። ብዝዀነ ኣወል ስዒድ ካምባና ኣይትርሕቕ ኢኻ፣ ካልኣይ ክፋል ግብረ-መልሲ ሒዝና ክንመጻካ ኢና።