መንግስቲ ሶማል፡ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ ሃገሩ ከም ዝሰጎጎ ሮይተርስ ኣብ ጸብጻባቱ ሓቢሩ።
መንግስቲ ሶማልያ ብዘይካ’ዚ፡ኣብ ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊ-ላንድን ፑንት-ላንድን ንዝነበረ ኣብያተ ጽሕፈት ቆንስል ኢትዮጵያ’ውን ከምዝዓጽወ ኣፍሊጡ ይርከብ።
ምስጓግ ኣምባሳደርን ምዕጻው ኣብያተ ጽሕፈት ቆንስልን ኢትዮጵያ ካብ ሶማል፡ ምስቲ ‘ታ ሃገር ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊ-ላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነድ ዋንነት ኣፍ-ደገ ባሕሪ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ‘ዩ ተጠቒሱ’ዩ።
‘ኢትዮጵያ ምስ ሓንቲ ካብ ሉኣላዊት ኣካል ሶማል ዝኾነት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊ-ላንድ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ባሕሪ ዘተኮረ ሰነድ ምኽታማ ስዒቡ፡ ንሉአላውነትን ንግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ትግህስ ኣላ’ ክብል መንግስቲ ሶማል ብወግዒ ተቓውምኡ ገሊጹ’ዩ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፡ ብፈደራል መንግስቲ ንዝቐረበ እማም ምምሕያሽ ቅዋም ኣብ ምርጫ ብምንጻግ፣ካብ ኣባላትነት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ድሕሪ ምስሓቡ፡ ልኡኹ ናብ ኢትዮጵያ ምስዳዱ ‘ውን ንመንግስቲ ሶማል ኣቖጢዑ ኣሎ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ክንዲ ብቀቢላ ብዝውከሉ ኣባላት ዝውሰን፣ህዝቢ መራሕቱ ብቀጥታ ክመርጽ ዘኽእሎ ክኸውን እማመ ምቕራቡን ብባይቶ ድማ ተቐባልነት ምርካቡን ዝተቓወመት ርእሰ ምምሕዳር ፑንት-ላንድ፡ ካብ ኣባላትነት ፈደራላዊ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነት ስሒባ፡ነቲ መንግስቲ ‘ውን ኣፍልጦ ከም ዘይትህቦ ብዕሊ ገሊጻ’ያ።
ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊ-ላንድን ፑንት-ላንድን፡ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል እናረሓቓ፡ምስ ኢትዮጵያ ክውግና ዝዕዘብ ዘሎ መንግስቲ ሶማል፡ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዉ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ’ዩ፡ትማሊ ሓሙስ 04 ሚያዝያ ንኣምባሳደር ታ ሃገር ብምስጓግ፡ኣብያተ ጽሕፈት ቆንስል ክዕጾ ገይሩ ዘሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ብዛዕባ ዉሳነ መንግስቲ ሶማል ብዝምልከት መግለጺ ይኹን ዝወስዶ ስጉምቲ ዛጊድ የለን።
ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ወሃብቲ ርእይቶ፡ነዚ ብመንግስቲ ሶማልያ ዝተወስደ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ከም ሕምቀትን ዘይብስለትን መንግስቲ ብልጽግና ገይሮም ይወስድዎ ከም ዘሎዉ ተዓዘብቲ የረድኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሸበድበድ ንግብረመልሲ ከም ዝርከብ ድማ ገለ ገለ ተንተንቲ ይእንፍቱ።
ክቡራት ተኸታተልቲ መደበር ተለቢዥን ኤሪሳት ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማልያን ተኸሲቱ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ናበይ ገጹ ክኸይድ እዩ ትብሉ፧ ሓሳብኩም ከተካፍሉና ትኽእሉ ኢኹም።