ሰራዊት ኤርትራ ካብ ከባቢ ዛላንበሳ ሰባት ኣገዲዱ ይወስድ ከምዘሎ ተገሊጹ
——————–0——————
ሰራዊት ኤርትራ ምስ ዛላንበሳ ካብ ዝዳወባ ወረዳታት ሰባት ኣገዲዱ ይወስድ ከምዘሎ ይግለጸ ኣሎ።
ከንቲባ ከተማ ዛላንበሳ ኣቶ ብርሃነ በርሀ ንኢትዮ ኤፍ.ኤም. 107.8 ከምዝገለጾ፡ ካብ ምብራቓዊ ዞባ ልዕሊ 100 ሰባት ተጨውዮም ተወሲዶም ኣለዉ።
ካብ ዛላንበሳ 26፡ ካብ ወረዳ ጉለም 50፡ ካብ ኢሮብ ድማ 28 ሰባት ብኣስገዳድ ከምዝተወስዱ ዝገለጸ እቲ ከንቲባ፡ እዚ ቑጽሪዚ ኣብዚ ሰሙንዚ ወሲኹ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ኣብዚ እዋንዚ ንከተማ ዛላንበሳ ሓዊሱ፡ ምብራቓዊ ዞባ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ኤርትራ ከምዘሎ ብምግላጽ ከኣ፡ ተቐማጦ ናይቲ ከባቢ ብዙሕ በደልን መጥቃዕትን ይወርዶም ከምዘሎ ኣነጺሩ።
“ሰራዊት ኤርትራ፡ እቲ ከባብን ተቐማጦኡን ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ኤርትራውያን ምዃኖም ብምግላጽ ከምዝተቖጻጸሮም እውን ሰሚዕና ኣለና” ዝበለ ኣቶ ብርሃነ፡ መንግስቲ ፌደራል ዝኾነ ይኹን ቆላሕታ ከምዘይገበረሎም ወቒሱ። “ዳግማይ ኲናት ኣይንደልን፣ ግን ከኣ፡ መንግስቲ መንነትናን ህላወናን ከኽብረልና ይግባእ” ድማ ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ከንቲባ ከተማ ዛላንበሳ ኣቶ ብርሃነ በርሀ፡ ትሕተ ቅርጺ ናይታ ከተማ ምሉእ ብምሉእ በቲ ሰራዊት ከምዝዓነወ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ተቐማጦ ናይታ ከተማን ከባቢኣን ንዝኸፍአ ጸገም ተቓሊዖም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበለ ልዕሊ 30 ሽሕ ህዝቢ፡ ኣብ መቐለ፡ ዓዲ ግራትን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ መዕቖቢ መዓስከራት ከምዝርከብ ኢትዮ ኤፍ.ኤም. ኣዘኻኺሩ።