ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ካብ ዕለት 14 ግንቦት 2024 ኣትሒዙ ኣገልግሎት ቪዛ ምሃብ ክጅምር ምኳኑ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ገሊጹ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ኣብ ዓመተ 2021 ምስ ኲናት ትግራይ ተታሒዙ፡ብዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ማዕቀብ ኣንቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ’ዩ።
ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣመሪካ፡ኣብ ወርሒ 2021፡ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ኣብ ጸሊም መዝገብ (Black list) ክሰፍር ገይሩ’ዩ። ብድሕሪኡ’ውን፡ንሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ንሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ማዕቀብ ከም ዘንበረሎም ዝዝከር’ዩ። እቲ ኤምባሲ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ዝመጽእ ሰሙን ኣገልግሎት ምሃብ ቪዛ ኣብ ዝጅምረሉ ገና ዛጊት ዝተኣገዱ ዓይነታት ቪዛ ከም ዘሎዉ እውን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።