ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ፕረሲደንት ተረቚሑ
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ሳህለ ዓጽቀስላሴ ንፕረሲደንት ኰይና ከተገልግል ዝጸንሐት ወይዘሮ ሳህለ-ወርቅ ዘውደ ተኪኡ ሓድሽ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ኰይኑ ምርቊሑ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሎሚ 7 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2024፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝጸንሖ ናይ ኣምባሳደርነት መዚ፡ ተደራቢ ናይ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሓላፍነት ሒዙ ዝጸንሐ ኣምባሳደር፡ ኣብቲ ሎሚ ኣብ መንጎ ባይቶ ተወከልቲ ህዝብን ተወከልቲ ፈደራልን ዝተኻየደ ሓባራዊ ርክብ፡ ነታ ንዝሓለፈ 6 ዓመታት ፕረሲደንት ኰይና ከተገልግል ዝጸንሐት ሳህለወርቅ ተኪኡ ሓድሽ ፕረሲደንት ኰይኑ ምምዛዙ ተፈሊጡ ኣሎ።
ፕረዚንደት ሳህለወርቅ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ካብ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ድማ ብፍላይ ከቢድ ጸቕጥን ክትትልን ክግበረላ ምጽንሑ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፓለቲካ ዝህብዎ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብዚ ቅነ፡ ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኽቦ ኤክስ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ ንዝነበራ ጸቕጥን ህልው ኲነታትን ጉህድ ከም ዝገበሮ ድማ ተዓዘብቲ የረድኡ። ወ/ሮ ሳህለወርቅ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዉሽጣ ዓቚራቶ ዝነበረት ምስጢራትን ስቕታን ከተውጽኦ ዝደፋፍኣ ኲነታት’ኳ እንተሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ግዜ ኣይመረጸትን ዝብል ነቐፌታ ብሰፊሑ ክቐርበላ ምቕናዩ ይፍለጥ።
ኣምባሳደር ታየ አጽቀ ስላሰ ብወገኑ፡ ምኩር ዲፕሎማት ተባሂሉ ናብ ጸፍሒ ሓላፍነት ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ቀረባ ጊዜ’ኳ እንተመጸ፡ ንዕኡ እውን ካብ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ቀጻሊ ጸቕጥታት ክመጾ ምጽንሑ ነቲ ሓበሬታ ቅርበት ዘሎዎም ኣካላት የገንዝቡ።