ቅድሚ 25 ዓመታት ኤርትራ ሰራዊት ስለዘድልያ ሃገራዊ ኣገልግሎት የድሊ ኽበሃል ከሎ፡ ንምንታይ እቶም ኣብ 1980ታት ዝተሰለፉ ምኩራትን ብቑዓትን መንእሰያት ወተሃደራት ከለዉ ብዛዕባ ሰራዊት ይዝረብ ከምዝነበረ ብዙሕ ዝተገደሰ ኣይነበረን። እቶም ናጽነት ሃገሮም ከረጋግጹ ዝተቓለሱ ምኩራት ጀጋኑ ንትኳቦ ዘይበቕዓ ኣየምስሓ ኣየድርራ ኣቓርሽ ተደርብየናሎም ካብ ሰራዊት ተሰጒጎም።
እቶም ጅጋኑ ኣብ ክንዲ ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋቶም ተቐቢሎም ብቕዓት ውትህድርናን ሃገራውነትን ፍቕሪ ህዝብን ዘስንቕዎም፡ ንገዛእ ርእሶም ዘዝሓለፈ ዝርኣዮም ዝድንግጸሎም ግፉዓት ኰይኖም። እቶም ዘይተሰጐጉ ተጋደልቲ ድማ ነቲ ዓማጺ እናቃባጠሩ ኽነብሩ ዝፍትኑ ክዀኑ ተገዲዶም። እዚ ክኸውን ከሎ ስቕ ኢልካ ምስተራእየ እያ ሃገር ጠፊኣ።
ነታ ብሓያል ቃልሲ ዝመጸት ናጽነት ብኸምቲ ናይ ቀዳማይ እዋን ዘጋጠመ ብርኡይ መንዚዕካ ምውሳዳ ስለዘይከኣል፡ ሓደ ሃሱስን መማኽርቱን 30 ዓመት ኣብ ዝወስድ ዝተናውሐ ምድኻም ነቲ ወረርቲ ኣብ 200 ዓመታት ዘይተዓወቱሉ ምጽናት ህዝብን ምትካል ሓደስቲ ሰፈራታትን ከምዘዐውትዎ ተኣማሚኖም ተበጊሶም። ነቲ ዝቃጸል ሃገራውነት ዜጋታት ኣዕሪብካ፡ ንሓይሊ ሓፋሽ ፍጹም ኣማህሚንካ፡ ከስተውዕሉ ንዝኽእሉ ዘበሉ ኹላቶም ሓሪድካ፡ ንመላእ እቶም ህዝቢ ንሳቶም ብምዃኖም ጥራይ ብዘይዕረፍቲ ብሕሱም ገሪፍካ፡ ከምዘይወልዱን ዘይፋረዩን፡ ኣርሒቖም ከምዘይምለሱ ዀይኖም ከምዝስደዱ ብምግባር ነታ ሃገር ምውራራ ኸምዝከኣል ወሲኖም። እታ ሃገር ንወረርቲ ስለዘይትቕበል፡ እቲ ህዝቢ ብገዛእ ኣእዳዉ ርስቱ ኣዕንዩ ኣርሒቑ ኸምዝስደድን ዝተረፈ ኸምዝጠፍእን ንምግባሩ ተወሲኑ።
ከም ውጽኢት ናይቲ ናይ ልዕሊ 30 ዓመት ዕዮ ዕንወት እቶም ዝተረፉ ንትርጉም ናጽነት ዝንዕቁ፡ ጸላኢ እናጥፍኦም ከሎ ንሓድሕዶም ክተሓናነቑ ሃገሮም ኣሕሊፎም ዝህቡ፡ ክንቃለስ ኢሎም ኣንጻር ግሩህ መቓልስቶም ጥራይ ዝዕወቱ፡ ሃገር ጠፊኣ ምስበልካዮም ካብ ሓንቲ ኻልኢት ንላዕሊ ዝን ዘይብሉ፡ ምእንቲ ለውጢ ንቃለስ ኣለና እናበሉ ንመስርዕ ዝዘርጉ፡ ካብ ሕሉፍ ተስፋ ምዕራብ ንሃገሮም ክጸርፉ ለይትን መዓልትን ዝግዕሩ፡ ተጻረፍቲ፡ ዕሩባት ሕልና፡ ተታናዀልቲ፡ ስሱዓት፡ ኣብ ጥራዮም ብኣንነት ዝተሰንጠቑ ክዀኑ ተመዲቡ። ፍጹም ምጽናቶምን ምውራር መሬቶምን ዝተመደበን ዝፍጸም ዘሎን ምዃኑ እናረኣዩ፡ ሓቂ ምዃኑ ምቕባል ከይብርትዖም ዝኽሕዱ፡ ኣብ ቀሊል ወፊሮም ዘፍርሱ፡ ኣብቲ ብርቱዕ እንተተጸውዑ ዝሕብኡ ኽበዝሑ ብመደብ ተሰሪሑሉ።
‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ዝበሃል ኣብ ሃገራውነት ሓፋሽ ተሓንጊጡ ዝፍጸም ተንኮል ክእወጅ ከሎ መን እዩ ብዛዕባ ጥቕሙ ተዛትዩ፧ ኣየናይ ኣካል መንግስቲ እዩ ነቲ መንእሰያት ኣብ ንቡር ናብርኦም ምስ ስድራቤቶምን መናብርቶምን ሕብረተሰቦምን ዝተኣሳሰር ስራሕ ተዋፊሮም ዘፍርይዎ ምስቲ ኣብ ኣካላት መንግስቲ ተሰሪዖም ዘፍርይዎ ኣወዳዲሩዎ፧ ብመሰረቱ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኣካላት መንግስቲ ይካየድ እንተዀይኑ ብኸመይ እዩ ኣገልግሎት እቶም መንእሰያት ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት ውጽኢት ክህልዎ፧ መንግስቲ ቁጠባዊ ትካል ኣይኰነን። ንቑጠባዊ ንጥፈት ዓጺኻ፡ ብዋሕዲ መግቢ እናተሳቐዩ ፈላሚ ዓመታት ምልኣት ዕድሚኦም ኣእምሮን ኣካላት ኣብ ዘማህምን፡ ንተሳተፍቱ ይኹን ነቲ መላእ ሓፋሽ ኣብ ዘየኽስብ፡ እኳ ደኣ እዚ ዘይበሃል ሰለሎ ኣብ ዘእቱ ቦታ ምድርባዮም ከመይ ዝበሉ መራሕቲ ይምድብዎ፧ መራሕቲ’ዶ መጽደፍቲ፧
ከምቲ ንህዝቢ ዝመሰሎ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብግቡእ እንተዝፍጸም ሕብረተሰብ ኤርትራ ኸመይ ምሃለወ፧ ዜጋታት ንወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ 20ታት ዕድሚኦም፡ ነታ ዝተረፈት ናይ ዓመት ሃገራዊ ኣገልግሎት ድማ ኣብቲ ቅድሚ 40 ዓመት ዘሎ ዕድሚኦም ኣብ ዝመረጽዎ ክፍጽምዎ እንተዝኽእሉ፡ ኤርትራ ከመይ መሲላ ምሃለወት፧ ፈለማ፡ እቶም መንእሰያት ንተተናዀልቶም ኣልዮም ሃገሮም ይመርሑ ምሃለዉ።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኹን ካልእ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም በቲ ሕጊ ዘፍቅዶ ጥራይ እንተዝኸይድ ብዝሒ ህዝቢ፡ ንግዲ፡ ማሕረስ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ኣፍረይቲ ትካላት፡ ትምህርቲ፡ ስነጥበብ፡ ህንጻ፡ ዝርጋሐን ኣጠቓቕማን ቴክኖሎጂ፡ ብቕዓት መራኸቢታትን መጕዓዝያን፡ ሕክምና፡ ብቕዓት ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን፡ ብቕዓት ተቐበልቲ መሪሕነት፡ ውህሉል ሃብቲ ዜጋታት ከመይ ኰይኑ ምሃለወ፧
ኣብዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ብዝሒ ህዝቢ ኩለን ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዋ ጐረባብቲ ኤርትራ ዝዀና ሃገራት ብልዕሊ ዕጽፊ ክውስኽ ከሎ ቍጽሪ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘለዎ ቀኒሱ እንተዘይኰይኑ ፈጺሙ ኣይወሰኸን። እተን ዝተሓተ ዕቤት ብዝሒ ህዝቢ ዘርእያ ምዕራባውያን ሃገራት ከይተረፋ መጠን ዕቤት ብዝሒ ህዝበን ካብ ናይ ኤርትራ ይልዕል ኣሎ።
እቶም ነዞም መንእሰያት ኣብ ግቡእ ዕድሚኦም ከይዘምዱን ከይወልዱን ዝኸልከልዎም ምስ መሳቱ እቶም መንእሰያት ዝዀኑ ናይ ሃብታማትን ናይ ድኻታትን ሃገራት መራሕቲ እናተማሳጠሩ ሰራዊት ጸላእቲ ኣብ ኤርትራ መዓስከራት ተኺሎም ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ክደፍርዎን ከራማስስዎን ክሰማምዑ ኸለዉ፡ እቶም ሃገር ከተግልግሉ ዝተባህሉ ሃገሮምን መጻኢኦምን ዝተመንጠሉ ሎሚ ኣሪጎም ዘለዉ መንእሰያት ኣብተን መሳቱኦም ዝመርሕወን ሃገራት ነዛ ንህይወቶም ክነብሩ ተጸጊዖም ቍራሶም በሊዖም እንተነበሩ ዑቕባ ይሓቱ ኣለዉ።
መምህራን ብሕሱም ኣተሓሕዛ ካብ ሃገሮም ተሰጒጎም፡ ቤት ትምህርትታት ካብ ዝምህርኦ ዘይምህራሉ ግዜ በዚሑ፡ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝዕጾ ዕድመ ጐበዝ ኣኺሉዎ፡ ተማሃሮ ኣብ ፈቐዶ በረኻ ኣብ ምድረበዳን ኣብ ባሕርን ኣብ መገዲ ስደት ይጸንቱ ኮሌጃቶም ድማ በረኻ ዝሰፈረን ከብቲ ይራብሓሉ ኣለዋ። ህዝቢ መንበሪ ይኹን ብቑዕ ጽርግያታት፡ ብቑዕ መስመራት ማይ፡ ዝዀነ ብቑዕ ኣገልግሎት ዝህብ መሳለጢ ስኢኑ መዓልታዊ ናብራ ንኽነብር ብጻዕርን ብውርደትን የሕልፎ ኣሎ።
መንእሰያት ኣብ ከርተትን ስደትን ፋሕ ብትን ኢሎም፡ ዝውለድ ውሒዱ፡ መሬት ዝሓርሶ ስኢኑ ህዝቢ ንእኽሉ ብዋጋ ወርቂ ይገዝኦ ኣሎ። ገፈፍቲ ዓሳ ንሓድሕዶም ብዝጻረሩ ዘይቍጸሩ ሕጋጋት ካብ ስራሕ ተኸልኪሎም፡ በብዘርከቡ ወተሃደራት ወሽመጥ ዓረብ እናተጋፍዑ ዝብላዕ ስኢኖም ናብ ምዕራብን ምብራቕን እናተሰደዱ ፋሕ ብትን ይብሉ ኣለዉ።
ኤርትራውያን ነጋዶን ኣውፈርትን ንሃገራት ኣፍሪቃ ይሃንጽወን ኣለዉ። ደቆም ኣብ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ይዓብዩ፡ ገንዘቦም ድማ ዘይፈልጥዎም ህዝቢ ይህብትሙሉ ኣለዉ። ኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ዘይፈልጥዎምን ዘይመስልዎምን ሕብረተሰባት ክወሃሃዱ እናፈተኑ ኣብተን ክኢላታት ዘይውሕድወን ሃገራት ኣእምሮኦምን ዕድሚኦምን ይሓልፍ ኣሎ።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም መቐጸልታ ናይቲ ናጽነት ሃገር ስለዘረጋገጹ ንተጋደልቲ ዝተበየነሎም መቕጻዕትን ውርደትን ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋቶምን ደቆምን ንምሕሳርን ንምስጓጎምን ዝተኣልመ እምበር፡ ውጽኢቱ ከምቲ ንገለ ኣብቲ መንግስቲ ዝነበሩ ግሩሃትን ንዝበዝሐ ህዝብን ፈለማ ዝመሰሎ ኣይኰነን። ሃገራዊ ኣግልግሎት ዝተሰምየ ሃገራዊ ዕንወት ዘዝጐበዙ መንእሰያት ካብ ስድራቤቶም ንዘልኣለም እናመንጠለ፡ ኣሕዋትን መተዓብይትን ዘይፋለጡሉ፡ ዓበይቲ ንንኣሽቱ ኣሕዋቶም ዘይምህሩሉ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ተዘሪጋን ማህሚናን እትነብረሉ ሜላ እዩ። እቶም ኣብ ምጅማር እቲ ውርደት ዝተወልዱ ብዘይካ ካብቲ ዝዓበዩሉ ስቓይ ክሃድሙ ናብ ካልእ መከራ ምእታው ካልእ ርጉእ ህይወት ዘይፈልጡላ ሃገር ንኽትህሉ እዩ ተሰሪሑሉ።
ካብቶም ሕጂ ተዓለሙ ዝበሃሉ ዘለዉ ክሳዕ እቶም ሕጂ ዕድመ ሓምሳታት ዝኣትዉ ዘለዉ ዜጋታት ፍጹም ፋሕ ምስበሉ እቶም ዝተረፉ ፈጺሞም ምስደኸሙን ምስተዳህሉን፡ እቲ ዝስዕብ መድረኽ ርዱእ እዩ። መንእሰያት ፋሕ ኢሎም ኣብ ኩሉ ጫፋት ዓለም ተሰዲዶም ከም ባራዩ ለይትን መዓልትን እናሰርሑ ኸለዉ፡ ሓይሊ ባሕሪ ስለዝደኸመ ተባሂሉ ካብ ጐረቤት ይዕደሙ ኣለዉ። ኣቐዲሞም ውን ተቓወምቲ ጐረባብቲ ሃገራት ተባሂሎም ኣኽል ታርፍ እናተቐረበሎም፡ መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነቐዘ ዓተር ብገንዘቦም ኣጥሒኖም እናበልዑ ሃገር ይሃንጹ ኣለዉ ተባሂሉ’ዩ።
ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ እቲ ኣንጻር ሃገር ዝዕላምኡ ብላግጺ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተባህለ መቕጻዕቲ ድኻታት፡ ዘይተማህሩ፡ ተስፋ ዝዓረቦም፡ ፋሕ ብትን ዝበሉ፡ ደቆም ክወልዱሉ ኣብ ዝግባእ ግዜ ንሳቶም ዘይወለዱ፡ እቶም ዝተወለዱ ድማ ብዘይካ ስደት ምምናይ ካልእ ተስፋ ዘይብሎም ክዀኑ ኸለዉ፡ እቶም መራሕቲ ኢና በሃልቲ ነተን ንመንእሰያተን ኣቃባጢረን መራሕተን፡ ሃብታማተን፡ ምሁራተን፡ ጸሓፍተን፡ ዲፕሎማሰኛታተን፡ ወተሃደራተን ዝገበርኦም ሃገራት ይዕድምወን ኣለዉ።
ንህዝቢ እዛ ሃገር ዝሓሊ መሪሕነት ነዚ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ዘጋጠመ ዕንወት ከውርዶን፡ ነቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝጥረ ዝነበረ ሓይሊ ክዝንግዖን ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ እዋን ንኸመይ ዝኣመሰለ ዕላማ ዝተፈጸመ ተንኮል ምዃኑ ምንጋር ዘድልዮ ምስ ምሉእ ቀልቡ ዘሎ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ካብቲ ኹሉ ዝተረድኦ ውን ኣዝዮም ሒደት ነቲ ሽርሒ ከበርዕንዎ ተንሲኦም እዮም።
ነቲ ኹሉ ዘጋጠመ በደል ብሓቂ ዝጸልእን ነዚ ዝመጽእ ዘሎ መደብ ክዓግት ዝደልን እንተልዩ ነቶም ኣብ ርሑቕ ስደት ኰይኖም ንሓድሕዶም እናተዛናጠሉ ብዛዕባ ቓልሲ ኽካትዑን ክጻራረፉን ውዒሎም ዝሓድሩ ዘለዉ ክዕረዩ ይሓግዝ። ብልቡ ንቕልጡፍ ለውጢ ዝተበገሰ ምስ ዝኸውን ግና ነቶም ውሑዳትን ውፉያትን ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ዀይኖም ሃገር ከድሕኑ ህይወቶም ወፍዮም ዝቃለሱ ዘለዉ ጀጋኑ ይሓግዝ። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ድማ ካብ ኣኼባ ሓሊፈን ግብራዊ ስጕምቲ ክወስዳ ድሉዋት ዝዀና ውዳበታት የዕቢ። እቶም ሓቀኛ ኹነታት ካብ ምስትውዓል ዝኽልክል ጫውጫውታ ሸለል ኢሎም ኣብ ናይ ህይወትን ሞትን ኩነታት ዝቃለሱ ዘለዉ ሒደት ብጉሳት ዝሕገዙሉ፡ ኩሎም ክቃለሱ ዝደልዩ ካብ ክትዕ ወጺኦም ናብ ግብሪ ምስዝሓልፉ እዩ።