ኣብ ልዕሊ ሱዳናዊ ጻውዒት ንለውጢ ተኣዊጁ ዘሎ ወራር
ስቓይን ኸርተትን ናይቲ ዓመጽ ገዛእቲን ሰብ-ቤትን ኸሪሁ ንዓመታት ዝተሰደደ ኤርትራዊ፡ ሓለፋ ኻልኦት ህዝብታት ዘሕምሞ እንተደኣ ሃልዩ ኽቡር ሓው ህዝቢ ሱዳን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ እዋን ሃጸይ ሃይለስላሴ መኮነን ክሳዕ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ መልክዑ እንዳቐያየረ ካብ ዝቕጽል ዘሎ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ርሕቕ ኢሉ ኣንጻር ዓመጽቲ ሃዲኡ ኽውደብ፡ ሃገራዊ መንነቱን ፖለቲካዊ ዋንነቱን ኸጽሪ፥ ኸይጸንት ኽዕቆም፡ ኸይብተን ድማ ኽእከብ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ህዝብን ሃገረን ሱዳን ሜዳን መሓልፎን ኻብ ዝኾንዎ ሰብ ውዕለት ጎረባብቱ እዮም። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ህዝቢ ሱዳን ብዘዋህለሎ ህዝባዊ ድፍረትን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ኣብ እንግዳዑ ተላሒጒ ን ልዕሊ 30 ዓመታት ዕድሉን መጻኢኡን ኽመጹ ዝጸንሐ ምልኪ ኣልየዮ ኣለኹ እንዳበለ፡ ብኣንጻሩ እቲ ምልኪ ዝገደፎ ግዘዕ ምዘዕ ኽጽሪ ዝኸበደ መስዋእቲ ይኸፍል ኣሎ። ሓው ህዝቢ ሱዳን ካብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2018 ፈሊሙ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት ዘዐወቶ ምእላይ ስርዓት ሓደ-ሰብኣይ ኣብ መዓልቦ ከይሰመረ፡ እቲ ስርዓት ዘዕበዮም ፈሪሃን ለውጢን ሕዳሴን ነቲ ህዝባዊ ስራሕ ንድሕሪት ኽምለስ ኩሉዓይነታዊ ኲናት ኣዊጆም ይርከቡ። ድሕሪ ምእላይ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ኣብ ምርግጋእ ሃገር ንዘለዎ መሪሕ ሓላፍነት ኸም ሽፋን ተጠቒሙ ካብ መሰጋገሪን ኣውሓሲ እዋናዊ ሱዳናዊ ጻውዒትን ናብ ኣቐጻሊ ጸኒሕ ምልካዊ ስርዓት ተቐዪሩ ዘሎ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ዝብል ስም ሓዚሉን ኣካየድቲ ስራሕ ናይ’ቲ ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ዝነበሩ ሰበስልጣን ጎጂሉን ዝርከብ እዋናዊ መሪሕነት ሱዳን፡ ነቲ ካብ ፈለማ ንጹር ዕላማ ሒዙ ዝነቐለ ናይ ለውጢ ድሌት ገማሚዑ ራኢ ህዝቢ ሱዳን ኽቐትል ንርእዮ ኣሎና። ህዝቢ ሱዳን ነቲ ድምጹን ኣእምሮኡን ዝኸፈለሉ ለውጢ ምሉእ ብምሉእ ኣብ መዓልቦኡ ኽበጽሕ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ህይወትን ኣካልን ክኸፍለሉ ተገዲዱ ኣሎ። እቶም ነዊሕ ዘገልገልዎ ምልካዊ ስርዓት ድሕሪ ምእላዩ ጥራሖም ዝተረፉ ኮይኑ ዝተሰመዖም ወተሃደራውያን ሰበስልጣን፡ እቲ ናይ’ዚ እዋን ወለዶ ሱዳን ዝደፈሮ ሃገራዊ ሕቶ ምሉእ መልሲ ኸይረክብ ይጓየዩ ኣለው። ኣብ’ዘን ህዝቢ ሱዳን ንቕሎኡ ጽሩይ መፈጸምታ ስለዘይረኸበ – ብዓጸፋ ኽቃወመልን ዝጀመረ ዝሓለፋ ውሑዳት ሰሙናት፡ ድሮ ህይወት 118 ንጹሃት ጠፊኡ፡ ሃለዋት ዓሰርተታት ኣሽሓት ኻልኦት ድማ ተሳኢኑ ኣሎ። ሬሳታት ዓሰርታት መናእሰያት ሱዳን ኣብ ገማግም ኒል ከም ጎድፍ ኸንሳፍፍ ርኢና ኣሎና፥ ብዘይካ’ዚ ፡ ኣሽሓት ኻልኦት ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲታት ዝተኸፍታ መዳጎኒ ኽፍልታት ተሞቒሖም ኽግረፉን ኸእውዩን ንሰምዖ ኣሎና። ጎረቤትና ሓው ህዝቢ ሱዳን ሃገሩ ኻብ ዓማጺ ኽኣሊ ዝወሰዶ ስጒምቲ ንዓና ንኤርትራውያን ሓለፋ ኻልኦት ዝቐርበናን ዘዳምጸናን መልእኽቲ ኣለዎ። ድሕነት ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ንዓመታት ዘሳሰየ ብሩኽ ህዝቢ ጉዳዩ ኸዐሪን ፖለቲካዊ ናብራኡን ኸሕይሽ ኽብገስ እንከሎ፡ ንሕና ብወገንና ተመሳሳሊ ተበግሶ ኽውን ንኽንገብር ዝህበና ተስፋን ሓቦን ልዑል ስለዝኾነ። ዓወትን ፍሳሃን ጥሙም ጎረቤት መለሳኡ ተመሳሳሊ ብምዃኑ፡ ዓወትን ጽባቐን ህዝቢ ሱዳን ንህዝቢ ኤርትራ ኪንዮ ድርብ ረብሓ ዝደፍእ ሓይሊ-ንለውጢ ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያዊ ዕብየት ህዝቢ ሱዳን ዝካየድ ዝኾነ ይኹም ዓይነት ወራር፡ ልክዕ ከም ኣብ ልዕሊ ነዊሕ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ምልኪ ዝፍጸም ወራር ኽንወስዶ ድማ ጉርብትና ሓው ህዝቢ ሱዳን ዝእውደና ሓላፍነት እዩ። ቴሌቭዥን ኤሪሳት ባህግን ትርግታን ህዝቢ ኤርትራ ኸተነጽር ስለዝኾነ ዕላማኣ፡ ኣብ ልዕሊ እዋናዊ ድሌት ሓው ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝቢ ሱዳን ዝፍጸም ጭውያ ኸምዘይትቕበሎ፡ ከም ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ብጸላእቲ-ለውጢ ሱዳናውያን ዝፍጸም ዘሎ መቐተልቲ፡ መግረፍቲ፡ ከምኡ’ውን መጭወይቲ ትኹንን’ን – ምስ ህዝቢ ሱዳን ደው ትብልን!