መግለጺ ህዝባዊ ኣኼባ
ከተማ ሲንሲናት ኦሃዮ !!
ኣብ ከተማና እንርከብ ሰብ ሕልና ደለይቲ ፍትሒ ውጺእታዊ ስራሕ ንምስራሕ ኩሉ ስራሕና ኣወንዚፍና ጥቅምቲ 26/2019 ዕዉት ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይድና ::
ሕመረት ናይቲ ዘተ ኣብ ውሽጣዊ ንድፈ ሕጊ ንኸተማና ዘገልግልን ብመሰረት ባይቶ ይኣክል ናብ ነፍሲ ወከፈ ኣብ ባይቶ ዘለዋ ከተማታት ዝተላእከ ንድፍ ሕጊ ህንጻን ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ባይቶ ብ መንገዲ ሓይሊ ዕማማትን ኮይኑ ንነዊሕ ሰዓታት ዝኸውን ተዛቲናሉ::
ኣብቲ ዘተ ኣዝዮ ሃናጺ ዝኾነ ርእይቶታትን ሓሳባትን ካብ ተሳተፍቲ ተዋሂቡ::
ኣቶክሮና ነዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ ናብ ዝላዓለ ደረጃ ንኽበጽሕ እጃምና ንምብርካት ኣብ ከተማና ድልዱል ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ምንቅስቓስ ንኽሕይልን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንኽዓዝዝን ከይተሓለልና ክንሰርሕ ከምዘለና ኣስሚርንሉ::
ከምዝፍለጥ ከተማና ካብተን ካብ መጀመርታ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ጽላል ንምግባር ዓቢ ታራ ዝነበራ ብወከልታ ጌራ ብዙሕ እጃም ዘበርከተት ከተማ እያ :: ሕጂ’ውን ባይቶ ሰሜን ኣሜሪካ ካባና ዝደልዮ ወይ ክነሰላስሎ ዝድለ ነገር ምስ ዝህሉ ከተማና ድልውቲ እያ ::
ከም ሏቦዋ ኣብ ኣሜሪካ ተሪፈን ዘለዋ ከተማታት ክስዕባና ናይ ሓባር ስራሕ ክንሰርሕ ህዝብና ካብ ዘለው ጸበባ ክነገላግሎ ከም ቁርዲ ለጊቡ ዘሎ እሰያስን እሰያሳዊ ኣተሓስስባን ካብ ሃገርና ክንኣልዮ ህዝባዊ ሓላፍነት ተሰኪመን ኣብዚ ህዝብዊ ምንቅስቓስ ክጽንበራ ንጽውዕ::
ጥቅምቲ 26/2019
ሕጊ ይንገስ ምልኺ ይፍረስ !!
ክብርን ሞገስን ስለዛ ሃገር ዝሓለፎ ቀያሕትን ዝስንከሎ ጀጋኑን
ደለይቲ ፍትሒ
ሲንሲናቲ ኦሃዮ !!