ብጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ዓመጽን ጭውያን ብዝሓየለ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ፡ ሎሚ ረቡዕ 6 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ንግሆ ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝታርጋኣ መኪና ዝሓዙ ናይ ጸጥታ ሰባት ንሓደ ወዲ ዓሰርተ ሐሙሽተ ዓመት መንእሰይ ክከታተልዎ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ከባቢ ቀጽሪ ቤ/ት ጽሕፈት ፕሬዝደንት ጥቓ ፎቶ ዙላ ደው ንኽብል ትእዛዝ ምስ ኣመሓላለፉሉ ፡ምስ ተቓወምቲ ርክብ ከምዘለዎ እንዳተዛረቡ በቲ ሒዞሞ ዝነበሩ በትሪ ብተደጋጋሚ ገሪፎም ናብታ መኪና ጽዒኖም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝወሰድዎ ብኣካል ኣብቲ ቦታ ዝነበሩን ነቲ ፍጻሜ ዝተኸታተሉን ሰባት ስእልን ድምጽን ኣሰንዮም ዝሰደዱልና መልእኽቲ ኣቃሊዑ። ብዘይካ’ዚ ሎሚ መዓልቲ ፍሉይ ዝኾነ ጽዑቕ ምንቅስቓስ መካይን ናይ ሓይልታት ጸጥታን ናይ ቤ/ጽ

ፕሬዝደንትን ከምዘሎ ምንጭታትና ወሲኾም ገሊጾም ኣለው። ነቲ ኩነታት እንዳተኸታተልና ተወሳኺ ሓበሬታ ከነስዕበልኩም ኢና።

ሕጂ ውን ይኣክል ዓመጽን ጭውያን ኣብ ልዕሊ ህዝብና!!!!
ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ info@erisat.org ርኸቡና