ኣብ ዋሽንተን ዲሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፥ ንምፍታሕ ብጹእ ውቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝጽዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት መርኣያ እቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክገብሮ ዝጸንሐ ምትእትታውን ከካይዶ ዝጸንሐ ዘመተን 3ይ ፓትርያርክ ኦ.ተ.ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መስርሕ ማዕረጎም ገፊፉ ንልዕሊ 13 ዓመት ኣብ ማሕዩር ከምዘለው ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝግበር ጣልቃ ምትእትታውን ህዝቢ ብኹሉ ሸነኻት ክኹንኖን ተቓውምኡ ከስምዕን ጸኒሑ ኣሎ። እምበኣር ከም መቐጸልታ ናቱ ኣፍ ግፉዓትን ዓባሳትን ንኹን ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝሓዘ ንኹሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ዝጽውዕ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ ዓርቢ ዕለት 8 ሕዳር ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተኻይዱ። ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዝተሳተፉ ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ነቲ ውዕሎ ዝምልከት ብድምጽን ቪድዮን ዝተሰነየ ምሉእ ጽብጻብ ከኣ ኣብ ዝቕጽል ፈነወ ኤሪሳት ክትከታተሉ ንዕድም።