ደሞክራስያዊ ቃልሲ ብስነ-ስርዓትን ስልጡን ዝርርባትን!

ቀንዲ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ፡ ቡኩራት ፍትሕን ደሞክራስን እዩ። ኣብ ሃገርና ፍትሕን ደሞክራስን ስለ ዝሰኣና ድማ ተሰዲድና ኣለና። ኣብ’ቲ ዝተሰደድናሉ ዓዲ ጓና ከኣ ነቲ ካብ ዓዲና ዘሳጎገና ጸገም መፍትሒ ክንደልይ ባህርያዊ ይገብሮ። ተነጻጽልካ ዝመጽእ ፍታሕ ስለ ዘይየለ ድማ፡ ሓበራዊ ናይ ኩላትና ሕቶ ብዝምልስ ኣገባብ ንድፊ ስራሕ ከነማዕብል ግድን ይኸውን። ብመሰረቱ ሓበራዊ ወጽዓ ክሳብ ዘለና ብሓበራዊ ስራሕ ጥራይ ክነዕወቶ ከም ንኽእል ምእማን ነቲ ዘይተርፍ ዓወት ጥጡሕ ባይታ ስለዝይፈጥር’ዩ። ወድዓዊ ኩነታትናን ብመንጽሩ ዝወርደና ኣደራዕን፤ ካብ ሕሉፍ ብእንቀስሞ ትምህርትን ኣብቲ ህልው ኩነታትና እንህቦ ስነ ሞጎታዊ ገምጋም ዝብገስ ውጥን ምስ ዝዕየ ውጽእታዊን ዘላቕን ክኸውን ይኽእል። ክንዪ እዚ ግን፤ ነቲ ሕሉፍ ክትድምስሶ፡ ምስ ሕሉፍ እንዳ ተራገምካ ምንባር፤ ህልውን መጻእን ንድሕሪት ተመልስካ ምሪጋምን መፍትሒ ኣይየምጽእን ኢዩ። ይሕመቕ ይጸብቕ ንሕሉፍ ከም ታሪኽካ ተቐቢልካ፡ ንመጻኢ ብትግሃትን ሓርበኝነትን ክትቃለስ ምኽኣል ሞራላዊን ስነ-ሞጎታዊ ግደታን ኢዩ። ብኣንጻሩ ተኾይኑ ግና: ትማሊ ፍጹም ክትህሉ ኣይነበራን ብምባል ኣብ ሑሉፍ ካብ ምንባር: ካብ ሑሉፍ ምምሃር ኢዩ እቲ ዘገድስ። ንኻልእ ተልእኾ ግን ጽቡቕ ገይሩ ከገልግል ይኽእል’ዩ : ምኽንያቱ ሃጓፍካ መዝሚዞም፡ መሳፊሒ ኣጀንዳታቶም ክገብሩኻ ዝደልዩ ጎይቶት ክተጥሪ ስለ ዘኽእል።

ኣብ’ዚ ንሕና ኤርትራውያን፡ ንፍትሒ ኢልና ኣብ ንገብሮ ዘለና ቃልሲ፤ ክሳብ ሕጂ ዝኸድናዮ ጉዕዞ ገምጋም የድልየና ኢዩ። ብዘይካ ገባቲ ጉጁለ ህግደፍ፡ ካልእ ጸላኢ ዘይብሉ ህዝቢ፡ ክሳብ ሕጂ ለውጢ ከመጽእ ዘይከኣለሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ኢልና ክንሓትት ኡዋኑ ይመስል:: እዚ ማለት : ኣብ ምልላይ ከጋጥሙና ዝጸነሑ ብድሆታት እንታይ ኢዮም? ቀዳምነታት ናይ’ዚ ክንገብሮ ጸኒሕና ዘለና ቃልሲ ኸ እንታይ ኢዮም? ኣብ’ዚ ቃልሲና ገለ ገለ ውልቀ ሰባት ናይ ምዝራግ ተራ ክጻወቱ ጸኒሖም ኣልዉ እሞ፤ እዚ ናይ ምዝራግ ባህሪ ውልቃዊ ጠባያቶም ድዩ፧ ወላስ ውጽኢት ናይቲ ብውልቅን ጉጁለን ዝበጸሖም ዝነበረ ኣደራዕ ኢዩ? ማለት ኣብ የዋህነት ናይ ሕብረተሰብና ዝተሓብኡ ዓላቖ፤ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ስለ ዘውረድሎም፤ ሕነ ናይቲ ዘወረዶም ዝነበረ ማህሰይቲ ንምፍዳይ ድዮም፤ ነቲ ዝረኸብዎ ባይታ ተጠቅሞም ከም ቀራን ላሕሚ ዝኾኑና ዘለዉ? ወዘተ ኢልካ ብዙሕ ሕቶታት ክለዓሉ ይኽእሉ ኢዮም:: ግዳያት ዓላቖ እንዳ ኾኑ ስለ ዝዓበዩ፡ ብሓጥያት ውልቀ ሰባት ንብምሉእ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ግዳይ ክገብርዎ ክነፍቅድ የብልናን። ግዳይ ኩሳ ምዃን ከቢድን ሕዱርን ስነ-ኣእምሮዊ ሕማም ስለ ዝገዲፍ ግን ሕክምናዊ ረዲኤት ክረኽቡ ምሕጋዝ ሰብኣዊ ሓላፍነትና ኢዩ።
ስለ’ዚ ቃልሲና ክዕወት ‘ተኾይኑ፤ ብጠባያትና ዘይኮነ ብጥበብና ኢዩ ክምራሕ ዘለዎ። ቃልሲና ካብ ሕሉፍ፡ ሕመቓት ጥራይ ኣሪና ዘይኮነስ፤ ንመጻኢ ጌጋታት ከይፍጸሙ ሕግን ውሕስነትን ብምንጻፍ ጥራይ ኢዩ ክቅለስ ዘለዎ። ታሪኽ ትመሃረሉ እምበር ኣይትእሪሞን ኢኻ። ምክንያቱ ሕሉፍ ስለ ዘይዪድምሰስ። ብዛዕባ ታሪኽን ምስቲ ታሪኽ ፤ታሪኽ ዝኾኑ ግዜኻን ጽዓትካን ካብ ምብኻን፤ ናይ ገዛእ ርእሲኻ ታሪኽ ምስራሕ ወይ ክኣ፡ ብቕዓት እንተ ሓጺሩካ ጽግዒኻ ሕዝካ ንቃልሲ ዘይምዒንቓፍ ንባዕሉ ሓገዝ ኢዩ። ኣብዚ ዲጂታላዊ መዋኢል፥ ነቲ ዘሎ ዕድላት ተጠቅምካ እወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ክንዲ ትጽዒር፥ ኣብ ምዝራግን ን ጸላእቲ ድማ ዕዲል ኣብ ምኽፋትን ምውዓል ወረጃ ፖለቲካ ኣይገብረካን ኢዩ። ክንዮ’ዚ ከም ዝኸሰረ ነገዳይ ሕሉፍ መዛግብቲ እንዳ ገንጸልካ፡ ምቁዛም ነብሰ ዕንወት ጥራይ ‘ዩ ዝኸውን።
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንፍትሕን ደሞክራስን ጥራይ ኢዩ። ነቲ እኩብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸውን ፍታሕ ንምርካብ ኢና ንቃለስ ዘለና። ኣብ መስርሕ’ዚ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ውልቃዊ ቁስልታቶም እንዳ ሓኾኹ፡ ሓፋሽ ክቅንዘወሎም ዝህንደዱ ያዕ ምባል እዋኑ ኢዩ። ኢቲ ጉዳይ ናይ ዉልቀ ዘይኮነ ናይ ሓፋሽ ኢዩ። ንውልቀ-ጉዳይ ኣመሊኪቶም ዝለዓሉ ሕቶታት ዝምለሱሉ መድረኽ፡ ሓበራዊ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝፍታሕ ኢዩ። ብውልቀ-ጉዳይ ተደሪኾም ንሕሰም ህዝቢ ብሓፈሻ ግዲ ከይሃቡ ንዕጋበቶምን ዓስቦምን ጥራይ ኣብ ሞንጎ ተቃለስቲ ፍትሒ ዝዃዱዱ ምልላይ የድልየና። ምስ ወልቀ ሰባትን ብዘለዎም ኣሉታዊ ዝምዲና ንቃልሲ ዘሪግካ፡ ዕድመ ሕሰም ህዝቢና ምንዋሕ ይኣክል። ወኻርያ ጻዲቕ ክትመሲል ዝዋውዕ ትኣሲር ከም ዝበሃል፡ ሓለይቲ ህዝቢ ተመሲልካ ኣብ ዱሑር ስምዒታት ናይ ዉሑዳት ሃሰስ እንዳ በልካ፡ ኣገልገልቲ ገዛእቲ ደርቢታት ምዃን ደው ይበል። ህዝቢ ኤርትራ ናይ መንነት ይኹን ናይ ሞቦቆል ጸገም የብሉን ኣይነበሮን ውን። ናይ ቋንቋን ሃይማኖትን ጸገም’ውን ንዓና ንኤርትራውያን ጓና ኢዩ። ኣብ ክንዲ ኣብቲ ቀንዲ ጸላእና ዝኾነ ህግደፍ ነቶኩር፡ ኣብ ሓሸውየ ጽውጽዋይ ግዜና ከም ንባኽን ዝገብሩ ዉልቀ-ሰባትን ጎይቶቶምን ምልላይ የድልየና። ብውዲቶም ድማ፡ ንኤርትራዊ ሃገራውነትናን መንነትና ከይየህሰስና ጉዳይ ናይቲ ቀንዲ ጸገምና ንግበር። ንሱ ምስ እንገብር ጥራይ እና ክእ ንዕወት።
ንሕና ኤርትራዊያን በቲ ናይ ጅግንነት ታሪኽና ሕቡናት፡ ካብቲ ሕማቕ ታሪኽና ሙሁራት ኮይና እና ድማ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክንሃንጽ ንሓሲብ ዘለና። እምበር ነቲ ጽቡቕን መዋዳድርቲ’ውን ዘይርከቦ ታሪኽ ረሲዕና በቲ ሕሉፍ ጌጋታት ከኣ እንዳ ተቀንዜና ነሕልፎ ግዜ የብልናን። ካብ ሕሉፍ ሐሕማቑ ጥራይ ምዝካር፡ ከም ዘየሰጉመና ከኣ ኣንዳዕዲዕና ንፈልጥ ኢና። እንተ’ቲ ሕውነትን ሓበራዊ ሞቦቆልን ዝበሃል፡ ምስ ክሎም ጎሮባብትና፡ ኣብ ምክብባርን: ውርጹጽን ቁርዑውን ዝምዲና ዝተሰረተ ጉርብትና ክህልወና ንደልይ ኢና። እዚ ማለት ኣብ ክሊ ሓደ ጅኦግራፊያዊ ህልውና ምህላውና ጥራይ ዘይኮነ ኩላትና ደቂ ሰባትን ሞቦቆልና ካብ ኣዳምን ሄዋንን ምዃኑ’ውን ምእማን ኢዩ። ኣብ ኣድማስ ሰብኣውነት ስለ ንኣምን ከኣ፡ እቲ ብስም ሕወነትን ሞቦቆልን ዝጥጃእ ውዲት ኣንዳዕዲዕና ውስጠዝኡ ኣይንስሕቶ። ብድኽነትን ሕሰምን ኣብ ግርህነት ገዛእቲ ደርቢታትን ንዘሎ ህዝቢ ከም ዋልታ ንቅድሚት ገትርካ፡ ዝብጻሕ የለን። ንኤርትራን ኤርትራውነትን ብምኽኒት የሕሊፍና ኣይንህብን። ካብ ሞንጎና ነዚ ከም ዕዮ ገዛ ተዋሂቦም ዝዓዩ ድማ፡ ካብ ዓይኒ ሓፋሽ ዝኽወል ነገር ክሳብ ዘየለ ብስነ-ስርዓትን ሱልጡን ኣገባብን ከነቃልዖም ኢና። ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ሃገራዊነት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ዝሕግዞ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ክለሳ ሓሳብ ምቕራብ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ኢዩ። ብኣንጻር ‘ዚ ንኤርትራዊ ሃገራዊነት ከም መርገም ሓሲቡ፡ ብዝተበትኸት መድገምያ ዝጽሊ ግን ኣሳሳዪ ኣጀንዳ ባዕዲ ጥራይ ኢዩ ኮይኑ ዝተርፍ። ብኤርትራዊ ሃገራዊነት ዝምራሕ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ‘ምበር፡ ኣንጻር ኤርትራን ኤርትራዊነትን ዝኾነ ተልእኾ ከነሳሲ፡ ሕልናና ውን ኣየፍቅደልናን ኢዩ።
ኤርትራዊ ሃገራውነትና መርሖ ደሞክራስያዊ ቃልሲና።