ኣብ ልዕሊ ዋና ኣሳናዳኢ ኣሰና፤ ብሃሱስ ናይ ህግደፍ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተሓብሩ።
ብመሰረት ኣሰናዳኢ ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ፤ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንጋዜጠኛ ማርቲን ፕላዉት ኣብ ሕሩጭን ጸባን ዝተበጽበጽ እንቋቆሖ ዘጥቐዐ፤ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ተሓብሩ። ኣማኑኤል ኢያሱ፤ ሓንቲ ጓል ኣንስተትይቲ ካብ ኤርትራ ከም ዝመጸትን ንዕኡ ትነግሮ ሓበሬታ ኣለኒ ኢላ ከም ዝነገረቶን ሓብሩ። ብመሰረት እቲ ኣማኑኤል ምስታ ውልቀ ሰብ ከም ዝተቋጸረን፤ ናብቲ ዝተቋጸሩሉ ቦታ ምስ ከደ እቲ ምጥቃዕቲ ከም ዝወረዶን ገልጹ። ነዚ ጥብቆ ብምጥዋቕ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላዉት ዝጸሃፎ ምንባብ ትኽእሉ።