ኣብዝሓለፈ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ብእግሩ እንዳተጓዕዘ እንከሎ መንነቶም ብዘይፍለጡ ሰባት ድንገታዊ መጥቓዕቲ በጺሑኒ ዝበለ ስነጥበባዊ ተኽለ ፉሉይ መጸዊዒዑ ” ወዲ ማማ ” ዝፍለጥ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ብገርጂ ዝጽዋዕ ገዛውቲ ኣብ ከባቢ ኣምበሳ ጋራዥ ከምዝተፈጸመ ን ፖሊስ ዝሃቦ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ።
ዋላሓደ ሕቶ ይኹን ዝኾነ ዘረባ ከይተዛረቡ ብቐጥታ ናብቲ ኣካላዊ መጥቓዕቲ ምእታዎም ይሕብር ኣስዒቡ ወዲ ማማ ኣብ ሃገረ ሱዳን ኣብዝነበረሉ እዋን ብማኪና ሓደጋ ሕንቲ እግሩ ብከቢድ ተሃሲያ ሓጺን ከምዘእትዉሉ ይገልጽ፡ እዞም ሰባት ብተደጋጋሚ ኣብታ ህስይቲ እግሩ ይሃርምዎ ምንባሩን ብናቱ ጥርጣረ ብቐረባ ፈለጥቱ ክኮኑ ከምዝኽእሉ ዓቢ ጥርጣረ ኣለኒ ክብል ይገልጽ ።
እዚ መጥቓዕቲ ኣብ የማነይቲ ኢዱን፥ ኣፍንጭኡን ፥ ጸጋመይቲ ኩሊቱን፥ ኣብ ሽክንኡን ከቢድ ጉድኣት ከምዝበጽሖ ይሕብር !!

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣባል ፖሊስ ጣብያ ናይ ገርጂ ዝኾኑ ምክትል ሳጅን ” ዮሴፍ ተስፋዬ ” እዚ ኣርቲስት እዚ ጉድኣት ወሪዱኒ ኢሉ ከምዝሓበሮምን ፡ ንሳቶም ኣብዝበጽሖም ሓበሬታ እቶም መጥቓዕቲ ዝገበሩ ሰባት ብቁጽሪ ሓሙሽት ምንባሮም ኣካላዊ መጥቓዕቲ ምስ ፈጸሙሉ ዋላ ሓደ ንብረት ከምዘይወሰዱሉ በዚ መሰረት ሰረቕቲዮም ዝብል ጥርጣረ ከምዘየለ ንቢቢሲ ኣገልግሎት ኣምሓርኛ ገሊጾም ።