ጉጅለ ህግደፍ ካብን ናብን ኣስመራ ዝካየድ ምንቅስቓስ ሰባትን ተሽከርከርቲን ናይ ግዜ ገደብ ኣውፊሩ

ናይ ለውጢ ስጒምቲ በየናይ ሸነኽ ክመጽእ ምዃኑ ምፍላጥ ኣጊሙዎ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብን ናብን ዞባ ማእከል ብሓፈሻ፡ ከተማ ኣስመራ ድማ ብፍላይ፡ ዝካየዱ ናይ ሰብን ተሽከርከርቲን ምንቅስቓስ ናይ ግዜ ገደብ ገይሩሉ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ካብ ውሽጢ ሃገር ብዝበጽሓና ሓበሬታ መሰረት፡ ካብ ሰዓት 10፡00 ለይቲ ካብ ወይ ናብ ከተማ ኣስመራ ዝካየድ ዝኾነ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ደው ክብል ተገይሩ ኣሎ።
ናብ ከተማ ኣስመራ ዘእትዉን ዘውጽኡን መንገዲታት፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ኣትዮም ምህላዎም ኽፍለጥ እንከሎ፡ ካብ ኣስመራ ወጺኦም ዝነጥፉ ሰብ-ውዕለት ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ይርከቡ።
ጉጅለ ህግደፍ በቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝሕይል ዘሎ’ሞ መላግቦኡ ንምፍላጥ ኣሸጊርዎ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ኣዚዩ ርዒዱ ከምዘሎ፡ መርኣያ ናይ’ዚ ድማ ንጹሃት ዜጋታት ብኣልማማ ኣብ ምእሳርን ዝኾነ ሓበሬታ ንምርካብ ጥርጡራት ኣብ ምግራፍን ኣትኪሉ ይሰርሕ ምህላዉ ይንገር።
በዚ ዝሕይል ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ፡ ሓለፋ ኻልኦት ሰጊኡ ዝርከብ ስማዊ ፕረዚደንት ኢሳያስ ፡ ምንቅስቓሳቱ ክቚጥብን ኣብ ዉሑዳት ሰዓታት ቦታ መዳቕሶኡ ክቐያይርን ይሃልኽ ምህላዉ እውን ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ሃገር ይሕብሩ።

ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዝበኣሰ መልክዕ ይሕዝ ኣሎ

ጉጅለ ህግደፍ ምስ’ቲ ኣብ ሱዳን ተደኲኑ ዘሎ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ምስጢራዊ ናይ ረብሓ ዝምድና ኣስሚሩ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ፡ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብስም ፍቓድ ነባርነት ፡ ብኣባላት ጸጥታ ብተመልከተለይ ይህደኑን ይምቊሑን ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ታ ሃገር ሓቢሮም።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከብ ልዑል ቊጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንምጒዳልን ንምርሓቕን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ክሰርሓሉ ምጽናሑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ዕላማ ናይ’ዚ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውይን ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ጸቕጥታት፡ እቶም ስደተኛታት ዓቕሎም ኣጽቢቦም ናብ ካልኦት ሃገራት ከርሕቚ ንምግባር ከምዝኾነ ምንጭታትና ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝእከብ ልዑል ቊጽሪ ኤርትራውያን ከም ቀጥታዊ ስግኣት ጊሩ ዝወስዶ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ረብሓ ምሕዝነት ኣንጺፉ፡ ኣብ’ተን ሃገራት ዝርከቡ ስደተኛታት ከምዝሽቚረሩ ጌርካ ናብ ሃገራት ስግር ባሕሪ ከማዕድዉ ንምድፋእ ዝዓለሙ ሜላታት ብድሎ ይሰርሓሎም ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
እቶም ኣብ ሓያሎ ከተማታት ሱዳን ብፍላይ ድማ ከተማ ካርቱም ዝካየዱ ዘለው ኣልመምቲ ግፋታትን መድጎንቲን ፡ሓለፋ ክልኦት ስደተኛታት ንኤርትራውያን ዝዓለሙ ኾይኖም ምህላዎም ድማ ናቱ ኣብነት’ዩ። እቶም ዜግነቶም ተሓቲቶም ጥራይ ብናይ ጽዕነት መካይን፡ ናብ ማእሰርቲ ዝውሰዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳዕ 50,000 ጂኔ ከፊሎም ክልቀቚ እዩ ዝንገሮም ዘሎ።
ኣብ ሱዳን ብጉዳይ ብልሽውና ምሕደራ፡ ንመርመራ ንኸባቢ ዓመትን መንፈቕን ስራሑ ደዉ ኣቢሉ ዝርከብ፥ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ነዚ ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎ ጸገም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጥታ ኽከታተሎ ይኽእል ብዘይምህላዉ እቲ ኩነታት ኣብ ሓጺር እዋን ፍታሕ ዝርከቦ ከምዘይመስል እዮም ምንጭታት ዝሕብሩ።
ኣብ ሱዳን ልዕሊ 170,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ እዩ ዝሕበር።

 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብስእነት ስራሕ ይጣርዑ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዕድላት ስራሕ ተሓሪምዎም ኣብ ሽግር ወዲቖም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ’ታ ሃገር ሓቢሮም። ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ልዕሊ 20,000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ዘድምዑሉ ስራሕን ወፍሪን ኽነጥፉ ይጽገሙ ከምዘለዉ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ቀጻሊ ጸገም ተሸሚሞም ኣብ ተመጽዋትነት ኽነብሩ ይግደዱ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2019 ስደተኛታት ብዘይ ጸገም ክመሃሩ፡ ክሰርሑን ከውፍሩን ዘኽእል ኣዋጅ ክውን’ኳ እንተገበረ፡ ተግባራዉነት እቲ ኣዋጅ ዛጊት ምሉእ ኣይኮነን ዘሎ።
ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ኢትዮጵያን ጉጅለ ህግደፍን ንዝተበጽሐ ወገናዊ ስምምዕ ሰላም ዝሰዓበ ግዝያዊ ምኽፋት ዶባት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ኤርትራውያን ናብ ዓበይቲ ከተማታት ኢትዮጵያ ኽውሕዙ ከምዝገበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ እንተኾነ ዝበዝሑ ካብ’ዞም ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ስራሕን መነባብሮን ኽረኽቡ ዝተተስፈዉ ኤርትራውያን ኣብ ዝበኣሰ ሽግር ወዲቖም ከምዘለዉ እዮም ምንጭታት ዝሕብሩ።

 ባይቶ ይኣክል ሕ.መ.ኣ ጉባኤ ኣቃንዑ

ባይቶ ይኣክል ሕ.መ.ኣ ኣብ ከተማ ዳላስ ተክሳስ፡ ብ ዕለት 14ን 15ን ታሕሳስ 2019 ጉባኤ ኣቓንዑ። እቲ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ተጓዒዞም ብርክት ዝበሉ ተወከልቲ ዝተሳተፍዎ ጉባኤ፡ መርሖን መጻእ መዳባትን ባይቶ ይኣክል ሕ.መ.ኣ ዝተዘተየሉን ዝጸደቐሉን እዩ ነይሩ።
ብቀዳም ዕለት 14 ታሕሳስ 2019 ልክዕ ስዓት 8:45 ቅ.ቐ ብዕሊ ዝጀምረ ጉባኤ ባይቶ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብዑምቆት ዘትዩን ተኻትዑን። ካብ ተጋባእቲ ዝቀረቡ ብርኪት ዝበሉ ሕቶታትን ርእይቶትታን ከምኡ ድማ ለበዋታትን፡ ብኣለይቲ መልሲ ተዋህብዎ።
ኣብ ናይ ድሕረ ቐትሪ መዳባት ድማ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ብምቅጻል መደብ ዕዮ ባይቶ ኣጽዲቑ። ኣብ ኣጋ ምሸት ካብ ሰዓት 4:00 ድሕረ ቀትሪ ጀሚሩ ድማ፡

ባይቶ ምስ ህዝቢ ዘትዩን እቶም ነቲ ባይቶ ክመርሑ ዝተውመርጹ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ቃለ-ማሕላ ፈጽሞም። ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ዕዱማት ድማ፡ ዝተፈላለዩ ሃነጽቲ ርእይቶታትን ነቀፌታን ኣቕሪቦም። ኣብ ኣሰራርሓን ኣሰላልፋን ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ስክፍታ ዝነበሮም ወገናት ከኣ ስክፍታቶም ብግቡእ ዝገለጽሉ ዲሞክራስያዊ ባህሪ ዝነቦሮ ጉባኤ ምንባሩ ውን ተገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ህቡባት ድምጻውያን፡ የውሃንስ ትካቦ ወዲ ትካቦ፡ ቨሮኒካ ሰለሙንን ገብረ ገብረ ምካኤል (GG) ዝኣመሰሉ ስነጠበኛታት ንተሳተፍትን ዕዱማትን ከዘናግዑ ኣምሲዮም። ኤሪሳት ካብቲ ቦታ ነቲ መደባት ብቕጥታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ትፍንዎ ከምዝነብረት ድማ ዝዝከር እዩ።