ቴሌቪዥን ኤሪሳት፥ እዋናዊ ዛዕባ

ኣብ ኤርትራ መንግስትነት ሰሪቑ ዘሎ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ብሞያን ብልህን ሃገርን ህዝብን ከስምዩ ንዝቕልቀሉ መንእሰያትና ከምዛ ባዕሉ ብጽጋብን ርካብን ዘዕበዮም ኮይኑ ኽጥቀስን ኪነኣድን ምስተሃወኸ እዩ። እዚ ኣብ ፍርሒ ዝዓበየ ፡ ኣብ ምጽናትን ምስጓጒን ሰባዊ ጸጋታት ተኺልካ ብምስራሕ ዝባደመት ሃገር ክመርሕ ዝብህግ ጉጅለ ግን መንእሰይ ጉልበቱን ኣእምርኡን ሒዙ ሃገር ክሓድግ ካብ ምርኣይ ዝፍንጠዘሉ ካልእ ብስራት የልቦን።
ንይምሰል “ኤርትራዊ ኣብ ዝተሰደደ ይሰደድ ዘይወድቕ ድንቒ ፍጡር’ዩ” እንዳበለ ዝሕጭጭ ጉጅለ ንድንቅነት ኤርትራዊ መንእሰይ ከይፈተወ ኣሚኑ ንምንታይ ተሰዲዱ ንእትብል ገዳሊት ነጥቢ ግና ኣይዛረበላን እዩ። እዚ ማለት ፡ “ኤርትራዊ ካብ ዓዱ ጥራሕ የርሕቐለይ እምበር መንፍዓቱ’ስ ይፈልጦን ኣብ ዘዝጥዕመኒ መድረኽ ድማ ብሳላ ብሱል መሪሕነተይ ዝተረኽበ መንፈዓት’ዩ ኢለ ኽንየተሉ ኣይሓፍርንየ !” እዩ ዝብለና ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ።
ኣብ ሃገር ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ስእነትን ሕሰምን ከየዝበሎም ማዕረን ሓለፋን መናእሰያት’ተን ብጽጋብን ምቾትን ዝልለያ ሃገራት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ንሃገር ወኪሎም ብተወዳዳርነት መኪቶም ዝወጽኡ ኤርትራውያን ብዙሓት ምዃኖም ምሕባር ከም ንፍሉጥ ሓቂ ምድጋም እዩ ዝኸውን።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ’ዚ ዓመት ኣብ ኡጋንዳ ንዝተኣንገደ ዋንጫ ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ዝተሳተፉ መንእሰያት ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ዘንጸባረቕዎ ብቕዓት ናይ ህዝቢን ሃገርን ዘይኮነ ሳላ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዝተጠርየ ኽእለት ኣምሲልካ ንምቕራቡ ገለ ዓቀይቶት እቲ ጉጅለ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ኽዋስኡ ቀንዮም እዮም። ነዛ ሃገራዊት ጋንታ ምድጋፍ ሃገርካን ህዝብኻን ምድጋፍ እምበር ንሓደ ጸቢብ ጉጅለ ምፍሳህ ዘይምዃኑ ዝኣመኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነበርቲ ካምፓላ ግዳ ስጋን መንነትን ቆንጥዩዎም ሓለፋ እቶም ዓቀይቶት ብንጹህ ቀልቢ-ሃገራውነት ባንዴራኦም ተጎልቢቦም ሃገሮምን ህዝቦምን ወኪላ ንዝመጸት ጋንታ ድርብ ደገፍ ኪገብሩላ ቀንዮም’ዮም።
ብዙሓት ዝመስከሩሉ ስፖርታዊ ብቕዓት ዝወነነት ሃገራዊት ጋንታና ፍርቃ ተገሚዓ ኣብ ኡጋንዳ ኪተርፍ ክትሰምዕ ግና ኪንዮ’ቲ ዘዝተወልደ ሓይሊን ብቕዓትን ኣብ ስደት ክነጽፍ ምርኣይ ዘስርጾ ጓሂ ካልእ ዘመስክሮ ዘይሕባእ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ድማ ንኤርትራ ገዚኡ ዘሎ ጸቢብ ጉጅለ ክሳዕ ክንደይ የስሕወናን የድክመናን ምህላዉ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዘይኣክል 4 ኣባላት ናይ ትሕቲ 20 ዓመትን 7 ኣባላት ዓባይ ሃገራዊት ጋንታን ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ተሪፎም ኣለው። እዚ፡ ነቲ ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኣብ ሃገር ክውሕደሉ ዝጽሊ ጉጅለ ህግደፍ ገለ ካብ ሕልሙ ከምዝተፈትሓሉ እዩ ።
ምልኪ ብውሑዳት ሰዓብቲ ኣብ ውሑዳት ተገዛእቲ ውሑስ ቀጻልነት ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ጽቡቕ ገይሩ ስለዝፈልጥ ድማ ስልጣን ክብሕት ካብ ዝመጽር ዛጊት ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ናብ ስደት ኣፋንዩ ኣሎ። ዝበዝሑ ካብ’ዞም ዝተሰዱ ፡ ዝተረረ ጸገም ዓጺፎም ዝመጸ ሕሰም ቐቲሎም ሃገር ኸጸብቚ ዘይእግሞም ወነንቲ ውዑይ ሓይሊ መንእሰያት ምዃኖም’ዩም። ኣብ’ዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ምስዳድ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እትውሰኾ ናይ ሓንቲ ደቒቕ ትንፋስ ከምዘላ እዩ። ህግደፍ ካብ ፍልሰት ዜጋታት ሩፍታ ዝዓጽድ ጉጅለ ምዃኑ ደጊምና ደጋጊምና ኽንኣምን የድሊየና ኣሎ።