ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሶቭየት ሕብረትን ካልኦት ሃገራትን ዝድገፍ ዝነበረ ሽሾ ሰራዊት ደርጊ ኣላሽ ኣቢሉ ናጽነቱ ከምዘረጋገጸ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እንተዀነ ግን ናጽነቱ ጽቡቕ ጌሩ ከየስተማቐረ ብዝወለዶም ደቁ ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ይሳቐ ኣሎ። እዛ ሕጂ ኣቲናያ ዘሎና ዓመት ግን ሕዝቢ ኤርትራ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ከሳቕዮ ዝጸንሐ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ቦንቊሩ ዳግማይ ናጽነት ዝጭብጠላ ዓመት ከምዝኾነት ዝእምቱ ምልክታት ይርኣዩ ኣለዉ። ስርዓት ህግደፍ ካብ 1998-2018 ንዘሎ ዕስራ ዓመታት ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊን ዲሞክራስያዊን ለውጢ ንኸየተኣታቱ ዝጥቀመላ ሜላ ጉዳይ ባድመ እያ ነይራ። እቲ ስርዓት “ኢትዮጵያ ኣብ መሬትና ከላ ከመይ ጌርና ምርጫ ከነካይድ”፡ “ስርዓት ወያነ ባድመ ሒዝዋ ከሎ ሰራዊት ከነጣይስ ኣይንኽእልን ኢና” እንዳበለ ንህዝቢ ኤርትራ ከታልሎ ጸኒሑ እዩ። እቲ ዝገርም ድማ፡ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ነዚ ሕሱር ፖለቲካ ኣሚኖም ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት “ቀንዲ ጸገም ናይ ኤርትራ ጉዳይ ባድመ እዩ” እንዳበሉ ከጋውሑ ጸኒሖም እዮም። እሞኸ ድኣ ሕጂ፡ ኣብ ሞንጎ መራሒ ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይን መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኣቶ ኢሰያስን ስማዊ ስምምዕ ሰላም ምስተፈረመ እታ “ባድመ” ትብል ድራማ ናበይ ኣቢላ፧ እታ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጸ፡ ዶብና ከይተሓንጸጸ ብፍጹም ዘረባ ዝበሃል የለን” ዝበለት መልሓስ ኢሰያስ “ጉዳይ ባድመ ንእሽተይ እዩ፡ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሓስብ ኣሎና” ምስ በለት ብዙሓት ነቲ ስርዓት ብጌጋ ክድግፉ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ጋን ኣትይዎም ይርከብ። ኣቶ ኢሰያስ ግን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ሉኣላውነትን ከምዘየገድሶ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ምስ ዶር ኣቢይ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ከይሓፈረ “ካብ ሕጂ ንንየው ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ ንቀልዓለም ኣይኮንኩን ዝብሎ ዘለኹ” ከምዝበሎ ዝዝከር እዩ። ቀጺሉ’ውን “ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክልተ ህዝቢ እዩ ኢሉ ዝኣምን፡ ታሪኽ ዘይተረድኦ ጥራሕ እዩ” ኢሉና እዩ ብግልጺ። በዚ’ውን ደው ኣይበለን ህዝቢ ኤርትራ በቲ ንናጽነትን፡ ኢሰያስ ዝወልዖ ኩናት ባድመን ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ኣብ ሰሃራን ባሕሪ ሜዲተራንየንን ደቁ ከሲሩ ክንሱ፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ግን “ኣይከሰርናን” ኢሉ እዩ። እዚ ኩሉ ኣብነታት ህድእ ኢልና ምስ እንምርምሮ ስርዓት ህግደፍ ንውድቀቱ ባዕሉ ዘቀላጥፍ ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ዘብርህ እዩ። እቲ ውልቀ መላኺ ምስ ኢትዮጵያ ዝፍርሞ ዘሎ ውዕላት ንህዝቢ ኤርትራ ብፍጹም ከምዘይውክል እንዳፈለጡ ምእንቲ ረብሓኦም ምስ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ወደኽደኽ ዝብሉ ዘለዉ መራሕቲ ኢትዮጵያን ገለ ዜጋታት ናይታ ሃገርን ብብግዚኡ በጨቕ ዘብልዎ ዘለዉ ዘረባታት ድማ ሓያሎ ደገፍቲ ህግደፍ ነቲ ስርዓት ጠንጢኖም ናብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክጽንበሩ ይድርኾም ኣሎ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። መራሒ ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንኤርትራ ወኪሉ መደረታት ከስምዕ ጸኒሑ እዩ። ብዙሓት መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ “መራሒ ኤርትራ ኣበይ ኣሎ ኢልኩም ኣይትሕተቱ፡ ኣነ ኣለኹ፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ወኪለ መደረ ከስምዕ እየ” ክብል ዝሰምዐ ኤርትራዊ መዓንጥኡ ሕርር ከምዝበለ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ።
እዚ ከይኣኽለና ድማ “ኣብ ርእሲ ዘላታ፡ ተወሰኸታ” ከምዝበሃል፡ ኣብዚ ቀረባ ሓደ ተኣምራት ነገራ ዝበሃል ጋዜጠኛ “ኤርትራ ትብሃል ሃገር ክትህሉ የብላን፡ ኣብ ኤርትራ በትሪ ዝሓዘ እምበር ብረት ዝሓዘ ፖሊስ ኣየድልን እዩ፡ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፋ ሰላሳ ዓመታት ንኤርትራ ንምድኻም ንዝገበሩልና ውዕለት ድማ ነመስግኖም” ምስ በለ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን፡ ደለይቲ ፍትሕን ዘሎ ፍልልይ ንክትኣምኖ ብዘጸግም ኩነታት ሃሲሱ ይርከብ። ኩሉ ኤርትራዊ ቆፎኡ ከምዝተተንከፎ ንህቢ ኣንጻር ተኣምራት ነገራ      ክጽሕፍን ክዛረብን ቀንዩ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ልዑል ተራ ከምዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ሕጂ ዝድለ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ሉኣላውነት ሃገርና ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ስለዘሎ ነቲ ንውድቀቱ ክሰርሕ ዝጸንሐ ስርዓት ብሓደ ኰንካ ደፊእካ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውዳቕ እዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ደገፍትን ተቓወምትን ክህልዉ ዝኽእሉ እታ ሃገር ምስትህሉ ጥራሕ እዩ። ኩልና ክንከታተሎ ከምዝጸናሕና ግን ህላዌና ኣብ ሓደጋ ኣትዩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ገለ ገለ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ቀንዲ ጸገም ኣቶኲሮም ዝሰርሑ ንህዝቢ ኤርትራን ነቲ ንደልዮ ለውጢ ኣብ ምምጻእን ዋላሓንቲ ንቕድሚት ዘየሰጉምን፡ ረብሓ ዘይብሉን ጓል መንገዲ ዕንክሊል ክብሉ  ይርኣዩ እዮም። ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ግና ነዚ ገዲፎም ኩሉ ኣቶኩሮኦም ኣብቲ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጌሮም ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ንጽውዕ። ጸገም ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ሃይማኖት፡ ወገን፡ ብሄርን ቀቢላን ጉዳይ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ጉዳይ ጉድለት ሕግን ፍትሕን እዩ። እቲ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ብዘይ ምኽንያትን ፍርድን ኣሲሩ ዘሳቒን ዘሕቅቕን ዘሎ፡ ኤርትራውያን ዝፈትውዎ ሃገሮምን ህዝቦምን ራሕሪሖም ናብ ስደት ከምርሑ ዝገብሮም ዘሎ ስርዓት ካብ ሱሩ ምሕዩ ለውጢ ንዘምጽኣሎም መልኣኽ እዮም ዝጽበዩ ዘለዉ።
2020 ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ እቲ ቀንዲ ጸገሙ ስርዓት ህግደፍ ከምዝኾነ ፈሊጡ ኣንጻር እቲ ስርዓት ሳቮያ ኢሉ ኣበርቲዑ ብምቅላስ ኣልዩ ካልእ ብህዝቢ ዝተመርጸ ስርዓት ዝተኽለላ ዓመት ክትኮነልና ንምነ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና! ውድቀት ንህግደፍ!
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)
6 ጥሪ፡ 2020
ደቡብ ኣፍሪቃ