ምስ ምእታው ሓድሽ ዓመት 2020 ኣብ መንጎ ብዙሓት ኤርትራውያን ነቲ ብብዙሓት ኣካላት መንግስትን ሓያሎ ዜጋታትን ኢትዮጵያ ክርአ ዝጸንሐ ምንዓቕ ልኡላውነት ኤርትራ ዝምልከት መረረ ገንፊሉ ቐንዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ቁጥዐ ህዝቢ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። መንእሰያት ቅልጡፍ ስጉምቲ ተወሲዱ እዚ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ንሉኡላውነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውርድ ጉጅለ እንተዘይተኣልዩ እቲ ዝስዕብ ዕንወት መዐረዪ ኸምዝስኣኖ ይዝትዩ ኣለዉ።

ልኡላውነት ማለት ህላወ ህዝቢ፡ መሰል ምንባር ሰባት ሓንቲ ሃገር ማለት እምበር ካልእ መጋየጺ ትርጉም የብሉን። ንልኡላውነት ዝጻረር ምልክታት ክበዝሕ ከሎ፡ ንህላወ ህዝቢ ኤርትራ ዝጻረር ምልክታት ይበዝሕ ኣሎ ኢና ንብል ዘለና። ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘኽብርዎን ንልኡላውነት ሃገሩ ካብ ዘኽብሩን ህዝብን ሃገርን ከምኡ ዝመስል ምልክታት ምመጸ’ዶ፧

ሓሳብ ንግብሪ ይቕድሞ፡ ቃላት ድማ ንኽልቲኡ የራኽብ። እዞም ድምጽታት ሎሚ ሸለል ምስተባህሉ፡ ንዓመታ ነዞም ዘለዉ መራሕቲ እታ ሃገር ኣልዮም ሰላም እናዘመሩ ወራር ከካይዱ ኽሓልሙ እዮም። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቐዳማይ ሚኒስተር፡ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ብዛዕባ ኤርትራ ዝብሎ ዝነበረ ዘረባ ተመሳሳሊ እዩ፡ ምስ ገለ ኻብቶም ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝንዕቁ ወገናት ድማ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ። ናይ ሎሚ ጋዜጠኛ፡ ናይ ሎሚ መራሕ መስርዕ ወይ ኮሎኔል፡ ናይ ዝመጽእ ዓመት መራሕቲ ኢትዮጵያ እዮም።

ጀርመናውያን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ግፍዒ ንዝኽሕድ ዜጋ እታ ሃገር ብኸቢድ ዝቐጽዕ ሕግታት ኣለዎም። ጋዜጠኛ ወይ ፖለቲከኛ ዘይኰነ፡ ሓደ ድምጹ ኣስፊሑ ዘይስማዕ ዝዀነ ዜጋ ነቲ ዘረባ ኽደግም ተሰሚዑ እንተተኸሲሱ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ መቕጻዕቱ ይብየነሉ። እቲ ሕጊ ካብቲ ኣብ መንጎ ጀርመንን ኣይሁድን ዝነበረ ፍሉይ ጽንተት ዘስዓበ ታሪኽ ዝብገስ እዩ።

ጥዕና ዘለዎ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ እንተዝህሉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ከኽብር ዓቕሚ ዘለዎ እንተዝኸውን፡ ዲፕሎማሰኛታቱ ካርታ ሃገሮም ኣይምጠፍኦምን። ብኸመይ ኣገባብ እዮም ዲፕሎማት ኢትዮጵያ እታ ዝዕረቕዋ ዘለዉ ጐረቤት ሃገር ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዘላ ትመስሎም፧ ብኸመይ እዮም ደረፍቶምን ጸሓፍቶምን ምጽናት ኤርትራ እናጸውዑ መንግስቶም ሸለል ዝብሎ፧ መንግስቲ ኤርትራ ኢሎም ዝሓሰብዎ ስለዘይመለሰ’ዶ ይኸውን፧ ዝውክሎም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ድምጾም እንተስምዑ ዘስሕቖ ኤርትራዊ ዜጋ ድኣ ከመይ ዝመሰለ እዩ፧

ብዙሓት ግና እዚ ነገር እዚ ኸገድስ ከምዘይግብኦ፡ ክሳዕ ክንድኡ ጫውጫውታ ኸለዓዕል ዘይግብኦ ኸምዝዀነ ይመኽሩ ኣለዉ። ገሊኣቶም እቲ ‘ፕረሲደንት እየ’ ዝብል ኣረጊት ሃሱስ ካብ ቀደም ከምኡ ይሓስብ ስለዝነበረ፡ ‘ብዛዕብኡ ድኣ ተቘጥዑ እምበር ነዞም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ዝቀላቐሉ መግለጺታት ፈጺምኩም ኣይትገደሱሎም፡’ ይብሉ። ብኽልተ ወገን ዘቘጥዕ እንተተረኽበ’ኸ፧

ካልኦት፡ ሃገር ሒደት ጋዜጠኛታት፡ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ሓያሎ ቤትጽሕፈታት መንግስትን ብዘርእይዎ ስምዒታት ኣይትውረርን እያ እሞ፡ ኣይትሻቐሉ፡ ስቕ ኢልኩም ከምቲ ዝጸናሕኩሞ ቐጽሉ ይብሉ። ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ኣጋጢሙና ስለዘይፈልጥ’ዶ ይዀኑ፧

ኣዝዮም ሒደት ውልፉፋት ደገፍቲ ዕቡድ ዓዲ ሃሎ፡ ኣብ መንጎ እቲ ዓሰብ ክማቐል ዝደሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ መራሒ ህግደፍን ንዘሎ ድንቂ ዕርክነት ንምጽራር ብጸላእቲ ሰላም ዝዀኑ ሓይልታት ዝተኣልመ ስለዝዀነ ክንሻቐል ከምዘይግባእ በቲ ሰፊሕ ልቦናኦም ይመኽሩ። ልኡላውነት ኤርትራን ድሕነት ህዝባን ንሓለቓ ህግደፍ ስለዘየሻቕሎ’ዶ ይኸውን፧

ሓደ ኢትዮጵያዊ፡ ‘ህዝቢ ኤርትራ ክምብርከኽ ኣለዎ፡ ክንጭፍልቖም ኣለና፡ ኣብ ትሕቴና ኽግዝኡ ኣለዎም፡’ እንተኢሉ፡ ከምኡ ከምቲ ዝበሎ ማለቱ እምበር ከም ካልእ ማለቱ ኣይኰነን። ‘ከነጥፍኣኩም ኢና!’ ኢሉ እንተፈኪሩ፡ ‘ክንሓቝፈኩም’ ማለቱ ዘይኰነ፡ ልክዕ ከምቲ ዝበሎ ‘ክነጥፍኣኩም’ ማለቱ እዩ። ከምኡ ስለዝዀነ እዩ ቕድሚ 20 ዓመት ልኡላውነት ኤርትራ ተደፊሩ ኽበሃል ከሎ ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ክብሪ ሃገሩ ኸውሕስ ናብ ግምባራት ዝወሓዘ። ኣብ 1997 መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ወግዓዊ ካርታታት ሃገሩ ንኤርትራ ስለዘጠቓለላ ሓደ ኻብቲ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ዝነበረን ንሃገራዊ ነድሪ ዜጋታት ዘገንፈለን ጉዳያት እዩ ኔሩ።

ኤርትራውያን ካብ ሱዳናውያን ወይ ጂቡታውያን ወይ የመናውያን ዝመጸ ፈኸራ ኣይኰነን ዘቘጥዖም ዘሎ። ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመታት ንኤርትራ ኽውንናዋን ንህዝባ ኸጥፍኡን ዝከኣሎም ክገብሩን ዝጸንሑ ህዝቢ ዝመጸ ፈኸራታት እዩ ዘቕሕሮም ዘሎ።

ካብቲ ኣብ 1962 ኤርትራ ብመስፍናዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተወረረትሉ እዋን ንደሓር በታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ማህሰይቲ ኣዘንቲኻ ዝውዳእ ኣይኰነን። ዓሰርተታት ኣሽሓት ሲቪል ዜጋታት ብድሎ፡ ኲናት ኣብ ዘይብሉ እዋናት ተሓሪዶም፡ ዓድታት ተቓጺሉ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ተሰዲዶም። ኣማኢት ፋብሪካታት ናብ ኢትዮጵያ ግዒዙ፡ መገዲ ባቡር ስራሕ ኣቋሪጹ፡ ዝበዝሐ ኢንዱስትርያዊ ሕርሻታት ተዓጽዩ፡ ዝነበሩ ዘበሉ ሃብታማት፡ ምሁራትን ክኢላታን ክስደዱ ተገዲዶም።

ብዝርዝር ክርአ ኸሎ፡ ኤርትራ ናይቲ ድሕሪ ናይ 1962 ወራር ን29 ዓመታት ብወራሪ ሓይሊ ህዝባ ዝተቐትሎ፡ ዝተመዛበሎ፡ ዝተሰደዶ፡ ከምኡ ድማ እታ ሃገር ዝዓነወቶን ዝተራሰየቶን ናይ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ካሕሳን ፍሉይ ዝዀነ ነቲ ዘጋጠመ ዓመጽ ከይድገም ዝሕግዝ ስምምዓትን ዝምድናን ክህሉ ይግብኦ። ካብዚ ሓሊፉ ዜጋታትን ኣካላት መንግስትን እታ ሃገር ንልኡላውነት ኤርትራ ኽደፍሩ ምስማዕ ግና ‘ንብዓል ሓሰር ብሓዊ ደብሶ!’ እዩ።