ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንኹሉኹም ኤርትራውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን። እዛ 2020 ርሕስቲ ዓመት ክትኮነልና መቸም ትምኒት ናይ ኩልና ደለይቲ ጽቡቕ ኢዩ። ብፍላይ ንሕና ኤርትራውያን እዛ ሓዳስ ዓመት ካብ ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት ኣዚያ ፍልይትን ርሕስትን ክትኮነልና ብዙሕ ተስፋ ዘንበርናላ ንመስል። ካብ’ዚ ብምብጋስ ኢየ እምበኣር እዛ ዓመት ርሕስቲ ኢያ ክንብላ እንድሕሪ ደኣ ኮይንና እንታይ ኢያ ሒዛትልና ክትመጽእ ዘለዋ ኢለ ነቲ ክኾነልና እንትምነዮ ጥራይ ዘይኮነ: ትምኒትና ጋህዲ ክኸውን ነቲ ክንከዶ ዘለና መንገዲ በዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ክድህስስ ዝፍትን ዘለኹ። ንእግረ መንገድና ድማ ናብ’ታ ድሕሪ መጋረጃ ዘላ አፍደገ ገጽና ብሓባር ክንከይድ ኢና።

እዛ ዓመት ዓመተ ሰላምን ራህዋን፡ ዝተበታተና ስድራቤታት ኣብ’ታ ናተይ ኢያ ዝብልኣ መሬት ዝተኣኻኸባሉ፡ ስደት ዘብቅዓሉ፡ ተመሃራይ ካብ ሑቕፊ ስድርኡ ከይርሓቐ ግቡእ ትምህርቲ ዝቐስመሉ፡ ሰራሕተኛ ንስራሕ ወፊሩ ብሰላም ገዝኡ ዝኣትወሉ፡ ነጋዳይ ዝነግደሉ፡ ሓረስታይ ዝሓርሰሉ፡ ናይ ሕልና እሱራትን ዝተበደሉን ፍትሒ ዝረኽቡሉ፡ በደለኛታት ዝቕጽዕሉ፡ ህልቂት መንእሰያት ዘብቅዓሉ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረሉ፡ ናጽነት ሃይማኖታት ዝረጋገጸሉ፡ ሓድነት ህዝብና ዝተረሉ፡ ማዕርነት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብና ዝመዓራረየሉ፡ ከምኡ ድማ ካልኦት ጽቡቓት ኣጋጣሚታት ደበኽ ክብሉልና ንትምነ። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትምኒታትን ተስፋታትን ግብራውያን ምእንቲ ክኾኑ ግን ጸሎት ወለድና ኣብ ቦትኡ እንዳ ሃለወ፡ ክንከዶ ዘለና ጉዕዞ፡ ክማልኡ ዘለዎም ረቋሒታት፡ ክንከፍሎ ዘለና ዋጋ፡ ከምኡ ድማ ካብ ዓመተ 2019 ክንማልኦም ወይ ገዲፍናዮም ክንስጉም ዘለና ዝተፈላለዩ ምዕባለታት ኣለዉ። ብሓጺሩ፡ ካብ ዓመታት ጸልማት ናብ ዓመታት ብርሃን ክንሳግም እንድሕሪ ደኣ ኮይና፡ ዝሓጸረን ዝቐልጠፈን መንገዲ ኣለሊና፡ ዘተኣማምን ኣንፈት ሒዝና፡ እኹል ንቕሓት ሰኒቕና ንቕድሚት ምስ እንስጉም ኢዩ። ድሮ እኳ ደኣ፡ 2019 እዚ ናይ ቃልሲ ጉዕዞና ቅኑዕ ኣንፈት ሒዙ ንኽቕጽል ዓቢ ኣበርክቶ ገይራ ሓሊፋ ኣላ። እቲ ብዓውታ ዝተቓልሐ ይኣክል ዝብል ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ከም ናይ ተበገስ ደወል ኮይኑ ካብ ጻት ንጻት ዓለምና ክስማዕ ምኽኣሉ፡ ከም ሓደ ኣብነት ናይ’ቶም ኣብ 2019 ዝተኸሰቱ ኣወንታውያን ተርእዮታትን ኣንፈትና ክስተኻኸል ዓቢ ተራ ዝነበሮም ኣጋጣሚታትን ክጥቀስ ይከኣል። ምብጋስሲ ተበጊስና ኣለና፤ ሕጂኸ እቲ ጉዕዞ ናበይ ገጹ ኢዩ ዝብል ሕቶ ስዒቡ ክለዓል ድማ ንቡር ኢዩ። ብናተይ ርእይቶ፡ ካብ ኩሎም እቶም ተዓጽዮም ዘለዉ ግን ከኣ ኣብ 2020 ክንከፍቶም ዘለና ኣፍደገታት እታ ብድሕሪ መጋረጃ ዘላ ኣፍደገ ብቐዳምነት ክትክፈት ኣለዎ እብል።

ቅድሚ ነታ ብድሕሪ መጋረጃ ዘላ ኣፍደገ ክገልጻ ምጅማረይ፡ ንህሉው ኩነታትና ትንክፍ ከብሎ ክፍትን ኢየ። ከመይሲ፡ ንኩነታትና ብግቡእ ክንርዳእ እንድሕሪ ደኣ ኪኢልና ጥራይ ኢና ንሽግርና ብቑዕ መፍትሒ ክንረኽበሉ ወይ አፍደገ ራህዋ ከነለሊ እንኽእል። ንዘለናዮ ግዜን ህሉው ኩነታትናን ኣመዛዚንና፡ እዚ ዘለናዮ ዘመን ዘመነ ዕግርግር ኢዩ ኢልና እንተ ገለጽናዮ ምግናን ኣይመስለንን። ካብ’ዚ ዘመን እዚ ወጺና ናብ ዘመነ ራህዋ ክንኣቱ ተስፋ ይሃልወና ደኣ እምበር፡ ብኸመይ ኢና ናብ ራህዋ ክንበጽሕ ንኽእል ዝብል ሕቶ ንቡዙሓት ካባና ግሉጽ ኣይኮነን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሃገርና ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ናበይ ገጹ የምርሕ ከም ዘሎ ብግቡእ ክትርድኦ ዘጸግምን ኣዚዩ ዘሰክፍን ግዜ ኢና ዘለና። ንኣብነት፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጽላለ ብዝመልኦ ኣመራርሓ ኢሰያስ ትመሓደር ስለ ዘላ፡ ጽባሕ ንግሆ ከም ኣመሉ ብመጻኢና ቁማር እንዳ ተጻወተ ንኤርትራ ናብ እንታይ ዓይነት ሓደጋ ከቃልዓ ከም ዝኽእል ኮፍ ኢልካ ክትሓስቦ አዚዩ ዘፍርሕ ኢዩ፤ ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢ ሃገርና ዝፍጠር ዘሎ ፖለቲካዊ ቅሉውላውን ኢደ ኣእታውነት ህግደፍን ዝፍጠር አሉታዊ ሳዕቤን፡ ንሃገርና ብዝኸፍአ ክጸልዋ ዓቢ ተኽእሎ አሎ፤ ብኣብ ማሕበራውያን መራኸቢታት ዝንዝሑ ዘለዉ ዕሸላውያንን ፈላለይትን ኣናወጽትን ጫውጫውታታት ተጠቒምካ ዕግርግር ብምፍጣር፡ ፍትሓዊ ቃልሲ ተደጒሉ ክተርፍ ብዙሓት ፈተነታት ይካየዱ አለዉ፤ ከምኡ ድማ መሰረታውያን ሽግራት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዝለዓለ ጥርዞም በጺሖም ኣብ ዝሃለዉሉ ግዜ፡ ናይ ህዝብና ቀዳምነታት ዘንጊዖም ግዜ ብዝሓለፎም ጉዳያት ምውጣጥ ዝብርሆም ወገናት አይተሳእኑን። ኮይኑ ግን፡ እዚ ዘመነ ዕግርግር እዚ ምስ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዘመነ ስቕታ ክነጻጸር ከሎ ኣብ ዝሓሸ ናይ ቃልሲ ኩነታት ከም ዘለና ይርድኣካ። ብውሕዱ ከም ቀደም ብጥሙያትና ከም ጽጉባት ምጉሳዕ፡ ብድቁሳትና ከም ዝተንስኡ ምምጥላዕ፡ ከምኡ ድማ ኣፍና ብልጉሙ ከም መደርቲ ኣብ ቅድሚ መጉልሒ ድምጺ ደው ምባል ገዲፍናዮ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብህሉው ኩነታትና ተኣሚንና ንለውጢ ብብዝሒ ደው ምባልና ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ሽግር፡ ህግድውፋዊ ኣተሓሳስባን ምልካዊ ምሕደራን ይኹን ደኣ እምበር፡ ንግርህናና ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝተዘርአን ብድኽመትና ዝኹስኮስን ዘርኢ ምፍልላይ፡ ጻህያይ ኮይኑ ከይንዕምብብን ፍረ ከይንህብን ሓደ ካብ’ቶም ሓሊኾም ሒዞምና ዝጸንሑ መሰናኽላት ምዃኑ ብግቡእ ክንርድኦ ዝጀመርና እውን ንመስል። ዕድመ ህግደፍ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ዘናወሐ ሽግርን ከም ተቓለስቲ ንቕድሚት ከይንስጉም ሓደ ካብ’ቶም ከዳኽሙና ዝጸንሑ ዕንቅፋትን፡ እቲ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ውዲት ህግደፍ ኢዩ ኣብ ዝብል ርኢቶ ምስ ብዙሓት መቃልስተይ እኳ እንተ ተሰማማዕኩ፡ ነዚ ሽግር ንምምካት ንቕሓት ህዝቢ ክብ ኣብ ዘብሉ ንጥፈታት ከነድህብ ኣለና ዝብል ሓሳብ ግን ንኩነታትና ብግቡእ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣረኣእያ ኢዩ አይብሎን። ብናተይ ኣረዳድኣ፡ ንቕሓት ህዝቢ ካብ’ቲ እንግምቶ ንላዕሊ ኣዚዩ ክብ ዝበለ ኢዩ። ኮይኑ ግን፡ ክሳብ ሕጂ እዚ ናይ ምፍልላይ ሽርሒ ንረብሓ ህግደፍን ካልኦት ኣብ ምፍልላይ ህላውነቶም ከረጋግጹ ዝህቅኑ ኣካላትን ኢዩ ዝውዕል ዘሎ። እዚ ናይ ምፍልላይ ሽርሒ ኣብ ዘመነ ዕግርግር ቦታ ረኺቡ ዘሎ ድማ ንቕሓት ህዝቢ ካብ ዓቐን ንታሕቲ ወሪዱ ስለ ዘሎ ዘይኮነ (ወሪዱዎ ህዝቢ)፡ ካልእ ብቐሊሉ ክንዕዘቦ እንኽእል ኣሉታዊ ተርእዮ ገኒኑ ስለ ዘሎ ኢዩ። ንሱ ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ብፍላይ ድማ ብህግደፍ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ካልእን እንዳ ተጠቐምካ ንዘየለዉ ፍልልያት ከም ዘለዉ፡ ንናእሽቱ ፍልልያት ከም ዓበይቲ፡ ንግዚያውያን ምርጻማት ከም ሱር ዝሰደደ ጽልኢ፡ ከምኡ ድማ መሰረት ዘይብሎም ናይ ደናቁር ቃላት ከም ነጸብራቕ ስምዒታት ህዝቢ ኣምሲልካ ብምቕራብ ሰባት ክርዕዱን ሓድሕድ ከይተኣማመኑን ተባሂሉ መዓልታዊ ዝስርሓሉ ዘሎ ሽርሒ ይመስል። ነዚ ሽርሒ ብቐሊሉ ክንርድኦ እንድሕሪ ደኣ ደሊና፡ ኣብ ማሕበራውያን መራኸቢታት ነገራት ብኸመይ ተጠማዚዞም ይቐርቡ ከም ዘለዉ ምስትብሃል ጥራይ ኢዩ ዘድልየና። እንደገና፡ ምፍልላይ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ንህዝብና ብሩህ ስለ ዘይኮነ ኣይኮነን እቲ እንዕዘቦ ዘለና ዕግርግር። ህዝቢ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣዚዩ ንቑሕ ስለ ዝኾነ እኳ ደኣ ካብ ፈላለይቲ ዝኾኑ ርኢቶታት ወትሩ ክርሕቕ ኢዩ ዝፍትን ዘሎ። እንታይ ደኣ፡ ለውጢ ንምምጻእ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንኸይበራታዕን ክብርዕንን ተባሂሉ ዝተዋደደ ሓደ ዓቢ መድፍዕ ስለ ዘሎ ኢዩ። ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ዓሌታውን ፍልላያት መለለዪ ናይ ዝሰፍሐ ህዝቢ ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ “እዚኦም ኢዮም ዝድግፉ፡ እዚኦም ኢዮም ዝቃወሙ” እንዳ በልካ ንሰባት ኣብ ምድንጋርን ኣብ ዕግርግርን ንምእታው ዕላማ ዝገበረ ሜላ ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ህዝብና ነንሓድሕዱ ከይተኣማመንን ማዕበላት ክሃድኡን መድረኽ ብህልኸኛታት ተባሒቱ ኣብ ቆሎ ጥጥቖ ክንውዕልን ዓቢ ናይ ተጻብኦ ቃልሲ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘሎ ዕግርግርን ጫውጫውታን ሓደ ዝተደጎለ ሓቂ አሎ። ንሱ ድማ፡ ደለይቲ ፍትሕን ተቓለስትን ካብ ተቓውሞ ናብ መሰረታዊ ለውጢ ገጾም ክምርሹ ከለዉ፡ ህግደፍ ግን ካብ መንግስቲ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ተጻብኦ ለውጢ ኢዩ ወዲቑ ዝርከብ። ሚዛን ሓይሊ ናብ ህዝብና ገጹ እንዳ ዘምበለ ይመጽእ ስለ ዘሎ ኢና ድማ ካብ ሎሚ ንንየው ህግደፍ ክፍኣት ዝተሓወሶ ድኹም ተጻብኦ ከካይድ ጥራይ እንተ ዘይኮይኑ፡ ብቑዕን ዘተኣማምንን ሓይሊ ረኺቡ ክምክት ዘይንጽበዮ። ሕስብ እንድሕሪ ደኣ ኣቢልናዮ፡ ህግደፍ ንማዕበል ህዝቢ ከዳኽም ካልእ እንታይ ኣማራጺ ክህልዎ ይኽእል፧ ወላሓንቲ።

ኩሎም እቶም ካብ ናይ ቃልሲ መስመርና ንየማነ ጸጋም ዝውጥጡ ዛዕባታት ሒዞም ነዚ ዕግርግር ዘምበድብዱ ዘለዉ ሰባት ህግደፍ ኢዮም ኢልካ ምድምዳም እውን ቅኑዕ ኣይመስለንን። ብነብሶም ህልኸኛታት ዝኾኑ ሰባት ነጻ ናይ መራኸቢ መስመራት ተጠቒሞም ዕግርግር ከሳስዩ ይውዕሉ ከም ዘለዉ ንኹልና ብሩህ ክኸውን ተስፋ እገብር። ብሰንኪ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ግፍዒ ዝፈጠሮ በሰላን ቃልሲ ዝወስዶ ዘሎ ግዜን ኣጸቢቖም ተስፋ ዝቖረጹ ሰባት ክህልዉና እውን ናይ ግድን ኢዩ። ብተስፋ ክትቃለስ ከለኻን ተስፋ ቆሪጽካ ከለኻ እተምጽኦም ሓሳባትን ብዙሕ ግዜ ስለ ዝጻረሩ፡ ካብ ኣዚዩ ዓቢ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዝነቐለ ምርጻም፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝርአ ዘሎ ዕግርግር ተደራቢ ቀጸላ ኮይኑዎ ይርከብ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ ንቡርን ክትውግዶ እውን ብፍጹም ዘይከኣልን እኳ እንተ ኾነ፡ እቶም ብምሉእ ሕልና ህዝቢ ንምልዕዓል ብቐጻሊ ዝጽዕሩ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብ ናይ ኢንተርነት ዋጭዋጭታ ግልል ኢሎም፡ ኣብ ግብራውያን ንጥፈታት ኣድሂቦም ምስ ዝሰርሑ ጥራይ ኢዮም ዕላምኦም ክወቕዑ ዝኽእሉ። ልክዕ ከም’ቲ ኣብ 2019 ይኣክል ብዝብል ድምጺ ኣንፈት ቃልሲ ንኽመዓራረ እጃምና ዘበርከትና፡ ኣብ 2020 እውን እቲ እኩብ ድምጺ ህዝቢ ናይ ነፍሲ ወከፍና ግብራዊ ስራሕ ተሓዊሱዎ ዕምሪ ስልጣን ህግደፍ ኣብ ምሕጻር ዓቢ ተራ ክህልወና ይኽእል ኢዩ።

ኣብ 2020 ከነካይዶም ዘለና ግብራውያን ንጥፈታት ከም ሓሳብ ካብ ኣልዓልናዮ፡ ናብ’ታ ብድሕሪ መጋረጃ ዘላ ኣፍደገ ገጸይ ክመርሓኩም። ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ህዝብና ዘየሎ ፍልልያት ግን ከኣ ከም ዘሎን ሱር ከም ዝሰደደን ኣምሲልካ ብምቕራብ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ወፍርታት፡ ኣብ መንጎና ምጉዳል ሓድሕድ ምትእምማን ከም ዘስዓበ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ብካልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ መንጎና ጽልኢ ዘይኮነ ዘይምትእምማን ኢዩ ዘሎ። ምህናጽ ሓድሕድ ምትእምማን ትብል ኣምር ኢያ እምበኣር እታ ተኸዊላትና ዝጸንሐት መዋጽኦን ክሳብ ሕጂ ዘይተዓወትናላን ብድሕሪ መጋረጃ ዘላ ኣፍደገ ኢለ ብምስሊ ክገልጻ ዝደለኹን። ነዛ መሰረታዊት ፍታሕ ብቐሊሉ ከይንሪኣን ከይንሰርሓላን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ዕምሪ ስልጣን ጸላእትና ከይነሕጽርን ከም መጋረጃ ኮይኑ ጋሪዱና ዝጸንሐ፡ ንግርህነትና ዝመዝመዘ ናይ ፈላሊኻ ምግዛእ ውዲት ኢዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ንህግደፍን መሓውራቱን ካብ መሰረቶም ንምእላይ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ነዚ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ውዲት ንምፍሻልን ኣብ ሓድሕድና ምትእምማን ንምስፋንን ከነሰላስሎም እንኽእል ዕማማት ብዙሓት ኢዮም። ንኣብነት፡

1) ኣብ እንነብረሉ ከባቢታት ንኹሎም ወገናት ሕብረተሰብና ዘቀራርብ፡ ናብ ማሕበራዊ ሂወት ዘድሃበ፡ ሰባት ተራኺቦም ዝላለይሉን ዝዘናግዕሉን ደቆም እውን ብሓደ ዝጻወትሉን ኣጋጣሚታት ምፍጣር

2) ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብና ከም ደቂ ኣንስትዮ፡ ምሁራት፡ ሞያውያን፡ መንእሰያት፡ ውድባት፡ ህዝባውያንን ሃይማኖታውያንን ትካላት ተራኺቦም ኣብ ዘቀራርብዎም ጉዳያት ብምዝታይ ተወሃሂዶም ክሰርሕሉ ዝኽእሉ መንገድታት ምድህሳስ

3) ፍልልያት ክፈጥሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሃሉ ኣሰሓሓብቲ ጉዳያት ብብቑዓት ናይ መጽናዕቲ ጉጅለታት ተጸኒዖም ብመልክዕ ዋዕላ ዝዝተየሎም ኩነታት ምፍጣር፡ ሰባት ሕድገታት ክገብሩ ምትብባዕ፡ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ዝጸበሉ መንገድታት ምንዳይ፡ ከምኡ እውን ሜላ አፈታትሓ ግርጭታት ብመልክዕ ኣስተምህሮ ምቕራብ

4) ብሰንኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝካየዱ ናይ ምፍልላይ ወፍርታትን ግርጭታትን፡ ገርሀኛታት ከይደናገሩን ጸላእቲ ዕላምኦም ከይወቕዑን፡ ነዞም ናይ ምፍልላይ ወፍርታትን ግርጭታትን ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ኣቓልቦ ከይሃብካ ሓቀኛ ሓበሬታን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ግብራውያን ንጥፈታትን ጎሊሖም ከም ዝወጹ ምግባር። ከምኡ ድማ ኣብ ባይታ ዝትግበሩ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ንጥፈታት ብቐጻሊ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝመሓላለፈሉን ህዝቢ ከም ዝከታተሎምን ዝስዕቦምን ምግባር

ከም ደለይቲ ፍትሕን ተቓለስትን ኣብ ነንሓድሕድናን ምስ ህዝብናን ምትእምማን ፈጢርና፡ ዓመተ 2020 ነጥበ መቐይሮ ኮይና፡ ናብ ዘመነ ራህዋ ክንምርሽ እንድሕሪ ደኣ ኮይና፡ ብሞራላዊ ሓላፍነትና እንልለ ፍትሓውያን ሰባት ብምዃን፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱን ካልኦት ግብራውያን ስርሓትን ከም ቀዳምነታት ሰሪዕና፡ ብትግሃት ክንሰርሕ ይግበኣና። ብውሕዱ፡ ኣፍናን ግብርናን ክሳነዩ ኣለዎም። ሓድሕድ ከይተመላላእካ ክመጽእ ዝኽእል ዓወት ስለ ዘየሎ እንተስ ብሓድነት እንተስ ብምሕዝነት ተወሃሂድና ክንቃለሰሉ እንኽእል መድረኽ ሓይሉን ልዒሉን ክወጽእ ክንጽዕር አለና። ቋንቋና ቋንቋ ፍቕሪን ሓድነትን እንድሕሪ ደኣ ኮይኑ ከምኡ ድማ ዕላማና ብንጹርን ብትሕትናን ከነረድእ እንድሕሪ ደኣ ክኢልና፡ ኣብ ውሽጢ ካልኦት ሰባት መሰረት ዘይብሎም ፍርሕን ምጥርጣራትን ኣሉታዊ ስምዒታትን ክሓድሩ ኣይክእሉን። ይንኣስ ይዕበ ኣበርክቶ ናይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከነመስግንን ከነተባብዕን ኢዩ ዘለና። ሰባት ነጻ ኮይኖም ሃነጽቲ ሓሳባቶም ክልግሱን እጃሞም ከበርክቱን ብቀጻሊ ክንዕድሞም ሓላፍነትና ይኹን። ካብ ንጹህ ልቢ ተበጊስና ንጽጉማት ክንሕግዝን ኣብ ሕብረተሰብና ኣወንታዊ ተራ ክንጻወትን ደኣ ንፈትን እምበር ንነብስና ከነተዓባቢ፡ ሰብ ክፈትወና ወይ ድማ ስምና ክውረ ኣይንሃቅን። ነሕልፎም ውሳነታት ንካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብና ዝሃስዩ ከይኮኑን ብታህዋኽ ኣብ ኣሉታዊ ውጽኢት ዘለዎም መደምደምታታት ከይንበጽሕን ምጥንቃቕ ከድልየና ኢዩ። ዕላማና ክንሃርም ግዜን ዓቕልን ከም ዝሓትት ንዘክር። ብተወሳኺ፡ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ግብሪ እንድሕሪ ደኣ ተሓዊስዎ ጥራይ ትርጉም ስለ ዝህልዎ፡ ትርጉም ዘይብሎም ቅኑዓት ኣይንኹን። ብዓቢኡ፡ እቶም ካብ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ዕግርግር ንኽንወጽእ ኣወንታዊ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉ ደለይቲ ፍትሕን ተቓለስትን እቶም ሞራላዊ ሓላፍነቶም ፈሊጦም ነቲ ከይንሳነን ሓድሕድ ከይንተኣማመንን ጋሪዱና ዘሎ መጋረጃ ኣብ ምቕንጣጥ እጃሞም ዘበርክቱ ሰባት ኢዮም። እዚ መጋረጃ እዚ እንድሕሪ ደኣ ተቐንጢጡ ኢዩ ድማ ማዕበል ህዝቢ ተደራቢ ሓይልን ዝርጋሐን ፈጢሩ ናብ ኣፍደገ ራህዋን ቅሳነትን ብዝቐልጠፈ ከብጽሓና ዝኽእል። ስሊ’ዚ፡ እታ ናይ ራህዋ ኣፍደገ ሓድሕድ ምትእምማን ኢያ፤ እቲ መጋረረጃ እውን ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ሜላ ኢዩ፤ ምቕንጣጥ ናይ’ቲ መጋረጃ ድማ ንምፍልላይ ዝዕድሙ ጫውጫውታታትን ሽርሕታትን ኣለሊና ናብ ከቀራርቡና ዝኽእሉ ግብራውያን ንጥፈታት ብምድሃብ ተጊህና ንስራሕ ማለት ኢዩ ኢልካ እዚ ሓሳብ ክጠቓለል ይከኣል። ኣብ መወዳእታ ከመሓላልፎ ዝደሊ ለበዋ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንኸይመጽእ ዝጻብኡ ኣካላት ወይ እጃሞም ንኸየበርክቱ መመኽንያታት ዝፈጥሩ ሰባት፡ መርገጺታቶም ከእምኑ ንነገራት ጠማዚዞምን ንዕኦም ብዝጥዕም መልክዕ ቀሪጾምን ብምቕራብ ንቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ዘይምስሉ ክህቡ ወትሩ ክፍትኑ ባህርያዊ ኢዩሞ ንጸበዮ። ደለይቲ ፍትሕን ተቓለስትን ድማ በዞም ተጋኒኖምን ተጠማዚዞምን ዝቐርቡ ጸለመታት ከይተዳህሉ፡ ንኣብ መስርሕ ዝፍጠሩ ጌጋታት እንዳ ኣረሙ፡ ሓድሕድ ምትእምማን ክፈጥር ዝኽእል ኣንፈት ሒዞም፡ ብትግሃት ምስ ዝቃለሱ ጥራይ ናብ ዓወትን ራህዋን ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ምዝካር የድሊ።

ቶማስ ሶሎሞን
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ጥሪ 10፡ 2020