ምንቅስቓስ ማዕበል ይኣክል ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ-ስዊዘርላንድ፡ ካብ መፋርቕ 2019 ጀሚሩ ብደረጃ ካንቶናት (ኣውራጃታት) ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ነዊሕ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ መትከላት ዝተሃንጸ፡ ሰፊሕ ናይ ዘተን ምብህሃልን መስርሕ ዛዚሙ፡ በዚ ብዕለት፡ 18 ጥሪ 2020፡ ሃገር-ከደን ምንቅስቓስ ክምስርት ምኽኣሉ ሓበን ከም ዝተሰመዖ እንዳገለጸ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ተኻፋሊ ሓጎሱ ክኽውን ይዕድም። ብፍላይ፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ንዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ድማ፡ ምንቅስቓስና፡ “እንቋዕ ሓጎና፡ ዮሃና!” ክብል ይፈቱ።

እቲ ኣብ ከተማ ፍሪቡርግ፡ ሃገረ-ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ መስራቲ ጉባኤ፡ ምንቅስቓስ ማዕበል ይኣክል፡ ንዝሓለፈ ኣዋርሕ ክትዕ ክግበረሉ ዝጸንሐ፡ ክልተ ቀንዲ ሰነዳት፡ ማለት ዓንዲ ሕጊ ከምኡ ‘ውን ራእን ዕላማታትን ዘነጽር መወከሲ ሰነድ፡ ዘድሊ ምምሕያሻት ብምግባር ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ። በቲ ዝጸደቐ ዓንዲ ሕጊ መሰረት ድማ፡ ካብ 13 ካንቶናት ስዊዘርላንድ ዝተዋጽኡ ወከልቲ ጨናፍር ማዕበል ይኣክል ዝመረጽዎ 25 ዝኣባላቱ ባይቶ፣ ካብ ውሽጡ ድማ 9 ዝኣባላታ ኣማኻሪት ተቖጻጻሪትን ቦርድ 7 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለን ብምምራጽ፡ ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ። እዚ ጉባኤ’ዚ ዕውት ንኽኸውን፡ ብዝተፈላለየ ዓቕምን ኣበርክቶን፡ ተርኦም ንዝተዋጽኡ ኩላቶም ኣካላት፡ ምንቅስቓስና ልባዊ ምስጋንኡ የቕርብ።

ኣብቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ፡ ኣስሚርናሉ ክንሓልፍ ንደሊ መሰረታዊ መልእኽቲ እምበኣር እዚ ዝስዕብ ይኸውን። ከም ሃገርን ከም ህዝብን ኣብ ኣዝዩ ፈታኒ መድረኽ ከም እንርከብ፡ ዝኾነ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዘይዝንግዖ ሓቂ ምዃኑ ብሩህ ኮይኑ፡ እቲ ንብዙሓት ሃገራውያን ዘጨንቕ ናይ ወትሩ ግዜ ሕቶ ግን፡ ሓድነትን ጥምረትን ኤርትራውያን ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ዘውሓሰ፡ ናይ ሓባር ናይ መኸተ ጽላል ምፍጣር ዝብል መሰረታዊ ሕቶ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። እዚ ሕቶ’ዚ ዝጠልቦ ሃገራዊ ሓላፍነት ብዝጠልቦ ህጹጽነት ንምብቅዑን ንምስልሳሉን፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ ዓለም ተመስሪተን ዘለዋ ናይ ማዕበል ይኣክል ምንቅስቓሳት ብምልፋን፡ ምንቅስቓስና እጃሙ ከበርክት፡ እጅግኡ ሰብሲቡ፡ ብዘይ ተጉላባነት ተበጊሱ ከም ዘሎ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብሓበን የበስር።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ብማዕበል ይኣክል ተኸሲቱ ዘሎ ውዕዉዕ ናይ ምብርባርን ምንቕቓሕን መንፈስ፡ ናብ ዝለዓለ ናይ ቃልሲ ማዕበል ንምሕንባቡ መታን ክከኣል፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ጻውዒትና እንዳቕረብና፡ ብወገና ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ከነማልእ ድልዉነትና ደጊምና ነረጋግጽ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!

18 ጥሪ 2020
መስራቲ ጉባኤ
ምንቅስቓስ ማዕበል ይኣክል ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ-ስዊዘርላንድ