ነፈርቲ ኲናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ማያዊ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ሰላማውያን ገፈፍቲ ዓሳ ወፊሮሙላ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ጃልባ ብዝፈጸምኦ ደብዳብ :ሓሰን ጉዳ ዝተባህለ ዜጋ ክቕተል እንከሎ፡ ሃለዋት ናይ ሓደ ካልእ ዛጊት ከምዘይተረኽበ እሙናት ምንጭታት ቴሌቪዥን ኤሪሳት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። ንደሃይን ኣበየ ከባቢን ናይቶም መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ወገናት ንምፍላጥ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዝተበገሱ ሸሞንተ ሰባት እዉን ደሃዮም ዛጊት ኣይተረኽበን ዘሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ዝኾኑ ዜጋታት ኣጋጢሙ ዘሎ መጥቃዕቲ ናይ መጀመርያ ከምዘይኮነ ይፍለጥ። ቴሌቪዥን ኤሪሳት ነዚ ኢሰብኣዊ ተግባር እንዳኾነነት : ንምዕባለታት’ዚ ክስተት ተኸታቲላ ተወሳኺ ሓበሬታ ከተመሓላልፍ ምዃና ንሕብር።