• ማሕበር ስነ-ጥበብ ኤርትራውያን – ንፍትሒ ኣብቲ ብዕለት 21 የካቲት 2020 ኣብ ሶሎተርን ሃገረ ስዊዘርላንድ ዘቃነዖ ፈላሚ ጉባኤ፡ ከምቲ ኣብ ሽሙ ተገሊጹ ዘሎ እዚ ማሕበር ብዘየወላውል ንኹሉ እቲ ኣብ ስነጥበብ ሃገርና ዝነጥፍን፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ክብርታት ንዝኣምንን ስነ-ጥበበኛ ክፉት ምዃኑ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዕናሉ። እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ስደት እኳ ይምስረት እንተሃለወ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ሃገርና ኣትዩ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገብር ምሉእ እምነት ኣሎና።
• ንሕና ስነጥበበኛታት፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮታትና ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝነበረናሉ፡ ብሰንኪ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይፍትሓዊ ስርዓተ ምሕደራ፡ ስነ-ጥበበኛ ብናጽነት ይሰርሕ ብዘይምንባሩ ዓቢ ሃስያ ኣብ ስነ-ጥበብ ሃገርና ኣስዒቡ እዩ። ኣብዚ ሰዓት’ዚ ግና ኣብ ስደት ነብስና ብምዉናን ንስለ ራኢናን ዕላማናን ሓቢርና ክንሰርሕ ነቒልና ኣለና።
በዚ ዕለት ከም ዕላማ ዘጽደቕናዮም እንበዓር፡ ምምዕባል ስነ-ጥበብ፡ ምዉሓስ ባህልን ልምድን፡ መሰል ስነ-ጥበበኛታት ምሕላው፡ ሞራላዉን ንዋታዉን ሞያዉን ደገፍ ንስነ-ጥበበኛታት ምቕራብ፡ ሓባራዊ ጠመተ ኣብ ህዝባዊያንን ሃገራዊያንን ጉዳያት፡ ኣብዚ እዋን እዉን ብፍልይ ዝበለ ነዚ በጺሕናዮ ዘለና ኣዝዩ ኣሰካፊ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ብሓያል ዉዳበን ጥበብን ምብዳህ ዝኣመሰሉ ዉጥናት የጠቓልል።
• ጉባኤና፡ ንማሕበርና ዝመርሑን ዝቕይሱን፡ ብኽኢላታት ዝቐረበ ንድፊ ሕጊ ተኻቲዕሉን ኣጽዲቑን። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ዲሞክራስያዊ ክትዓት ድማ ንመጻኢ ከም ዓንዲ ሕጊ ክጥቀመሉን ክቕየደሉን ምዃኑ ብውርለንታ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣረጋጊጹ። ኣብ ትሕቲ እዚ ዓንዲ ሕጊ እዚ ኮይኖም ነዚ ማሕበር ዝኣልዩን ዝመርሑን 11 ዝኣባላታ ቦርድ ኣቚሙ። ካብዚኦም እቶም 7 ቀወምቲ ኣባላት ቦርድ ኮይኖም እቶም ኣርባዕተ ድማ ከም ሕጹያት ኮይኖም ተመሪጾም። ኣባላት ቦርድ ንዓታቶም ከም ኣቦ መንበር ኮይኑ ዘገልግሎም ሓደ ሰብ ክመርጹ ድማ ጉባኤ ብምሉእ ድምጺ ሓላፍነቱ ኣረኪቡ።
• እቶም ዝተመርጹ 7 ኣባላት ቀወምቲ ቦርድ
• 1 መርሃዊት ኪዳነ
• 2 ዓንዲት ዑቕባይ
• 3 ፍጹም በራኺ
• 4 ሰናይት ሓድሽ
• 5 ክፍሎም ይከኣሎ
• 6 ሮመዳን ሽፋ
• 7 ግርማይ ተኸለማርያም
• እቶም ኣርባዕተ ከም ሕጹያት ኮይኖም ዝተርቑሑ ድማ
• 1 ተመስገን ያሬድ
• 2 ኣማን ብርሃነ
• 3 ሃይለ ገዙ
• 4 መሓሙድ ኣቡበከር
• ኣብ መወዳእታ፡ ብዙሓት ስነ-ጥበበኛታት ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ዘይካኣሉ፡ ናይ ደገፍ መልእኽቶም ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣመሓላሊፎም። ካብቲ ንህዝቢ ማዕጾ ኣብ ዝተኸፈተሉ፡ በማኢት ዝቑጸሩ መናእሰያትን ዓበይትን ክሳተፍዉ ምርኣይ፡ ካብቲ ነቲ ኣጋጣሚ ዕዉት ዝገበረ ተርእዮ እዩ፡፡ ነዚ ሪኢናዮ ዘለና ብዝሒ ተሳተፍቲ መናእሰያትን ዓበይትን ክልቲኡ ጾታ ከም ዓቢ ዕድል ብምሕሳብ፡ ዝረኸብናዮ ዕድላት ከይነባኽን፡ ንዝያዳ ዕግበት ህዝቢ፡ ብሓያል ዉዳበን፡ ካብ ስምዒት ወጺናን መጽናዕታዊ ኣካይዳ እንዳኸድናን ስሚዕታት ህዝብና ከነርዊ ከም ዘለና ኣሚና።
• ምስጋና
• ንኹሎም እቶም ተሳተፍቲ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ፍቕሮምን ደገፎምን ዝገለጹ ንጉባኤና ከድምቑ ዘምሰዩ መንእሰያትን ዓበይትን፡ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ልባዊ ምስጋናና ንገልጽ።
• ንኹሎም ነዚ በዓል ክውን ንምግባር ለይትን መዓልትን ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝደኸሙን፡ ጉባኤና ዕውት ንምግባር ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩን፡ ኣባላትን ደገፍትን እዚ ማሕበር ነመስግን።
• ጉባኤና ብጽፈት ንኽውዳእን ባህላዊ ምሸትና ድማ ብሰላምን ስኒትን ንኽዛዘም ዘይሕለል ጻዕሪ ዝገበሩ፡ ንጸታ እቲ ምሸት ሓገዞም ዘበርከቱ ኣባላት ባይቶ ይኣክል ስዊዘርላንድ ነመስግን።
• ንኹሎም እቶም ብመጋዕዝያ ካብ ሆቴልናን ቦታ ጉባኤን ዘመላለሱናን መንገዲ ዝሓበሩናን ነመስግን።
• ንኹሎም እቶም ጉባኤና ዕዉት ንኽኸውን ዝተመነዩ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ባይቶታት ይኣክል ብልቢ ነመስግን።
• ንኹሉም እቶም ጉባኤና ኣብ እዝንን ዓይንን ኤርትራዊ ንኽበጽሕ ልዑል ተራ ዘበርከቱ ኣብ ጉባኤና ዝወዓሉን ወኪላቶም ዝሰደዱን፡ ናይ ሜድያ ትካላት ነመስግን።
• ዓወት ንስነ-ጥበብ ኤርትራ !
• ማሕበር ስነ-ጥበብ ኤርትራውያን-ንፍትሒ
• 21 የካቲት 2020
• ሶሎተርን ስዊዘርላንድ