05 ሚያዝያ 2020 ሓበራዊ መግለጺ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ባይቶታት ምንቕስቓስ ይኣክል ንምምካት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኮቪድ 19:
ኩልና ከም እንፈልጦ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኮቪድ-19 ንመላእ ዓለም ኣብ ዓቢ ቕልውላው ኣእትዩን፡ ነተን ብቁጠባውን ስነፍልጠታውን ዓቢ ጸጋ ዘለወን ዓበይቲ ሓያላን ሃገራት ከይተረፋ ዓቢ ራዕዲን ሻቕሎትን ፈጢሩ ዘሎ ኩነት እዩ።
ብመንጽሩ እዚ ለበዳ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኤርትራ ስለዝኣተወ፡ እሞ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘይብሉ ስርዓት ስለዘሎ፡ ምስ ድኹም ትሕተ-ቕርጺ ጥዕናን፡ ቀረብ መባእታዊ ማሕበራዊ ኣጎልግሎትን፡ ኣብ ህዝብና ከስዕቦ ዝኽእል ከቢድ ሓደጋ ብምስትውዓል፡ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ባይቶታት ምንቕስቓስ ይኣክል፡ ድሕነትን ጥዕናን ህዝቡ ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ይገልጽ። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኮይንና፡ ተገዳስነት ህዝቢ ዘይብሉ ኣጽናቲ ስርዓት ኢሰያስ “ገንዘብ ጥራይ እየ ዝቕበል” ዝብል ቕድመ-ኩነት ብምቕማጥ፡ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ከማርጽ ስለዝተራእየ፡ ብዘተኣማምንን ውሑስን ኣገባብ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ንኸይንሕግዝ ዓንቂፉና ይርከብ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ንምብዳህ ለበዳ ኮቪድ-19 ምንም ዓይነት ምድላዋት ዘይገበረ ስርዓት፡ ናይ ካልኦት ንዋታዊ ሓገዛት ብምንጻግ፡ ንህዝብና ኣብ ዓቢ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ይርከብ። ዓለምለኻዊ ተበግሶ ይኣክል ድሕነት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ብቀዳምነት ስለዝሰርዖ፡ ንምሕጋዙ ውሕሱን ዘተኣማምንን ኣገባባት ምስዝህሉ፡ ምስ ሕብረተሰብ ዓለምን ትካላትን ብምትሕብባር ብኽሉ ዓቕሙ ክሰርሕ ቕሩብ ምኻኑ ብተኣማንነት ይገልጽ።
ከምኡ እውን፡ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ ካልእ ሃገራትን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ እንተኣትዩ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ከቢድ ምኻኑ ብምግምጋም፡ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ይኣክል፡ ምብዳህ ቫይረስ ኮቪድ-19፡ ብቀዳምነት ሰሪዕዎ ይርከብ። እዚ ውዓል-ሕደር ዘይበሃለሉ ኣዝዩ ህጹጽ ጉዳይ፡ ምሉእ ተሳትፎን ምውህሃድን ናይ ክሉና ከምዘድሊ ብምግንዛብ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ባይቶታት ምንቕስቕስ ይኣክል ነዘን ዝስዕባ ውሳኔታት የሕልፍ።
1፡ ህዝብና ብሓድነትን ብሓባራዊ ምውህሃድን መደባትና ክንዓምም ስለዝጽበየናን፡ ቀንዲ መትከል ህዝባዊ ምንቕስቓስ ይኣክል እውን ስለዝኾነ፡ ነቲ ብባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተበገሰ፡ ናይ ኤሪ-ይኣክል ፋውንደሽ ዕዮ ኣዚና ብምሙጋስ፡ ናይ ኩሉና ክኸውን ኣድላይነቱ ዕዙዝ ስለዝኾነን፡ እቶም ዘበገስዎ እውን ስለዝተሰማምዕሉን፡ ናይ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ይኣክል ኮይኑ ስለዘሎ፡ ነዚ ቕዱስ ተበግሶን ማዕከንን ከነሓይሎን ክንዓስሎን ብትሕትና ንጽውዕ።
2፡ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ይኣክል ንምብዳህ ኮቪድ-19፡ ቐንዲ ዕላምኡ፡ ነቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሊብያን ካልእ ሃገራትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርከቡ ወገናትና ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ሓገዝ ንምብርካት እዩ። 3፡ ብመሰረት ሓበራዊ ርድኢት፡ ካብ ባይቶታት ዓባይ ብሪጥንያ፡ ሽወደን፡ ፈረንሳ፡ ደንማርክ፡ ካናዳን ስዊትዘርላንድ ዝተዋጽኡ ናይ ተበግሶ ዓለምለኻዊ ባይቶታት ይኣክል ኣባላት፡ ከምኡ ‘ውን ናይ ባይቶታት ሓይሊ-ዕማማት፡ ምስ’ታ ብባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቖይማ ዘላ ሓይሊ-ዕማም ተሓዊሶም ኣብ ኩለን ክፍልታት ክዓዩ ተመዚዞም ኣለው። ካብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ገንዘብ ዝእክባ ናይ ሃገራትን ከተማታትን ሓይሊ-ዕማማት ክቖማን፡ ኣብ’ዚ እዋናዊ ተበግሶ ክሳተፋን ድማ ንጽውዕ።
4፡ኩልና ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት እንቕመጥ ብኩነታት ተሻቂልና ዘሎና ሓለይቲ ህዝቦም፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ማሕበራዊ መድያ ንነጥፍን፡ ነዚ ቕዱስ ተበግሶ ከነተባብዕን፡ ከነሰስንን ተራና ክንጻወት ብትሕትና ነዘኻኽር።
5፡ኣብ ማሕበራዊ መድያን ካልእን ዝተጀመሩ ናይ ገንዘብ ምእካብ ተበግሶታት፡ ናይ ኩልና ዕላማ ውጹዓት ወገናትና ንምሕጋዝ ስለዝኾነ፡ ምስ ናይ ምንቕስቓስ ይኣክል ተበግሶ (ኤሪ-ይኣክል ፋውንደሽን)፡ ብሓባር ንሰርሓሉ መንገዲ ክንድህስስ ክፉት ጻውዒት ነቕርብ።
6፡ ገንዘብ ምእካብ፡ ሓደ ገጽ ናይ’ዚ ሰፊሕ ተበግሶ ኮይኑ፡ ኣገባብ ኣመቓራርሓን ኣጠቓቕማን ድማ፡ ብሞያውያንን ፈላጣትን ብዝህብዎ ኣብ መጽናዕቲ ብዝተሰነየ ጽፉፍ ለበዋታት መሰረት፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ብዝመልኦ ኣገባብ፡ ኣብ ግቡእ መዓላ ከምዝውዕል፡ ምሉእ ጻዕሪ ከምንገብር ከነረጋግጸልኩም ንደሊ። ኣብዚ ጥብቆ ብምጥዋቅ ሓገዝኩም ክተበርክቱ ትኽእሉ።
https://www.gofundme.com/f/eri-justice-seekers-fight-covid19
7፡ በዚ መሰረት ምስ ህዝብና እናተመኻኸርና፡ ቀጻሊን እዋናውን ምዕባሌታትን ሓበረታን ከምነቕርብ ድማ ንሕብር። ኣምላኽ ንመላእ ዓለም፡ ብፍላይ ንህዝብና ይሓሉ። ንሓርነት ብሓድነት፡
1፡ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
2፡ ጽላል ይኣክል ካናዳ
3፡ ባይቶ ይኣክል ዓባይ ብሪጣንያ
4፡ ምንቕስቕስ ይኣክል ኤርትራውያን ኣብ ደንማርክ
5፡ ጽላል ይኣክል ፈረንሳ
6፡ ባይቶ ይኣክል ሽወደን
7፡ ባይቶ ይኣክል ስዊትዘርላንድ