ሓውኻ ኣይኰነን ጸላኢኻ
ኤሪሳት፡ ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ብማዕርነት ኩሎም ዜጋታትን ከምኡ ድማ ማዕረ ኣገዳስነት ቋንቋታቶምን ምርጫታቶምን ትኣምን። ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምዃና፡ ንኹሎም ዜጋታታ ድማ ኩሉ ጉዳያታ ብማዕረ ኸምዝብጽሖም ንኣምን። ዝዀነ ይኹን ወገን ዝውጽዓላ ኤርትራ ኩሎም ዝውጽዑላ ኤርትራ እያ። ንዝዀነ ይኹን ወገን ዘይትኸውን ኤርትራ ንኹሎም ዜጋታታ ዘይትኸውን ኤርትራ እያ።
ኤሪሳት፡ ከም መራኸቢት ብዙሓን ብትሽዓተ ቛንቋታት ኤርትራ መደባት ክትፍኑ ዕላማኣ እዩ። ኣብቲ ምክብባር ዝሰረቱ ባህሊ ኣበዋትን ሕግታት እንዳባን፡ ብመሰረት እቲ ቐዳማይ ናይ 1952 ቅዋም ኤርትራን እቲ ካልኣይ ናይ 1997 ቅዋምን ዝእምትዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ዝለዓለ ኽብሪ ዝህብ፡ መኽበሪ ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ንዝዀነ ህዝቢ ኤርትራ ብዝውክል ክብርታት እያ ኣትካየድ። ኣብ ክብርታት ክቡራት ህዝቢ ተመርኲሳ፡ ነቲ ኣብ 1940ታትን 1950ታትን ዝነበረ ናይ ሃናጺ መራኸቢ ብዙሓን ባህሊ፡ ከምኡ ድማ ካብ መወዳእታ 1990ታት ክሳብ 2001 ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ተራ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን፡ ከምኡውን ነቲ ብራድዮታት፡ ወብሳይታትን ኣብ ስደት ብዘለዉ ኤርትራውያን ክካየድ ዝጸንሐ ሃገራዊ ዘተ ኣሰሩ ተኸቲላ እጃማ ኸተበርክት ተመስሪታ።
ንኤሪሳት ዘካይድዋ ተዛረብቲ ሓያሎ ኻብ ቛንቋታት ኤርትራ፡ ካብ ኩሉ ሃይማኖታት ኤርትራ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን፡ ካብ ኩሉ ጂኦግራፊያዊ ኩርንዓት ዝመጹ ዀይኖም ብራኢ ሕብርቲ፡ ልኡላዊት፡ ደሞክራስያዊት፡ ውሕስቲ፡ ርህውትን ሕፍርትን ኤርትራ ተጠሚሮም ኣብ ሃገሮም ሰላም ክመጽእ ዝቃለሱ ዜጋታት እዮም።
ኤሪሳት፡ ክሳብ ሕጂ ብዓፋር፡ ብትግርኛን ብዓረብን መደባት ትፍኑ። ምሳና ኽሰርሑ ዝኽእሉ ተዛረብቲ እተን ካልኦት ሽዱሽተ ቋንቋታት ዝዀኑ ወለንተኛታት ክንረክብ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ኣየዕረፍናን። ኣብቲ ፍቓደኛታት ሰባት እንረኽበሉ መዓልቲ በቲ ተሪፉና ዘሎ ቋንቋታትና መደባት ክንፍኑ ኢና።
ናይ ርሑቕ መጻኢ ራኢ ኤሪሳት፡ ኣብ ናጻን ሰላማዊትን ኤርትራ ብሓያሎ ኣህጉራዊ ቋንቋታት ዝካየዱ መስመራት ቴለቪዥን ተተኺሎም ምስ ጐረባብትናን ዓለምን መላለዪ ክዀኑናን ሓሳብና ከነካፍለሎምን እዩ። ኤሪሳት ኣብ ሰላማዊት ኤርትራ ኣብ እትሰርሓሉ፡ በቲ ናይቲ እዋን እቲ ሕግታት ዘፍቅድዎ ኣገባብ ተመሪሓ ዝመጹ ዘለዉ ወለዶታት ረጊኦም ብራህዋ ዝነብሩላ ኤርትራ ኣብ ምትካል ዝከኣላ ኸተበርክት እያ።
ንእግረ መገድና ንገለ ምስ ምውሓድ ወይ ምውሳኽ ናይ ፈነወ ቛንቋታት ተኣሳሲሩ ዝመጻና ርእይቶታት ንምምላስ ዝኣክል፡ ዓይነት ርእይቶኦም ብዘየገድስ ንኹሎም ዜጋታትና ካብ ዘለና ኣኽብሮት ተበጊስና፡ ገለ ኽንብል። ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ዞባ፡ ዝርከቦ መኣዝን፡ ኣኽራን ወይስ ጐላጕል፡ ባሕሪ ወይስ ደሴታት፡ ስንጭሮታትን ኣፍላጋትን፡ ናይ ትማሊ ሕሉፍ፡ ናይ ሎሚ ዓቕምና ወይ ናይ መጻኢ ስክፍታና ኣይኰነን።
ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገለ ዅርናዕ ናይ ዘለዉ ህዝቢ ባህሊ ወይ እምነት ኣይኰነን። ውሳኔን ተንኮልን ሒደት ውልቀሰባት እዩ ንህዝቢ ኤርትራ ክንድዚ ዝደራዕ ኣውሪዱሉ ዘሎ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ሎሚ ህግደፍን መሰልቶምን ጥራይ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ንጸላእቱ ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ፈልዩ ኽርእዮም ኣለዎ።
ህዝቢ ኤርትራ ቋንቋታት ኣይዕምጽዎን እዮም። ብዙሕ ሕማቕ ዝዛረቡ እምበር፡ ብዙሕ ቋንቋ ዝዛረቡ ብዙሕ ኣይብድሉን እዮም። ዝዕምጽዎ ሒደት መትሓዚ ዘይተገብረሎም ሰባት እዮም። ውልቀሰባት እምበር ልሳናት ዝቐተልዎ ኤርትራዊ ዜጋ የለን። ብጻድቃናት ጥራይ ዝመልአ ሓደ ልሳን፡ ወይ እምነት ወይ ጾታ፡ ወይ ውን ውሱን ከባቢ ኤርትራ የለን። ክፉኣት ሰባት ንርእሶም ኢሎም እምበር ካብ ሰቦም ተበጊሶም ኣይከፍኡን እዮም።
ኣብዚ መውጽኢ ዘይብሉ ዓቐብ ዝመስል ዘመን፡ ብዘይዕረፍቲ ተጓዒዝና ምስሰልከየና ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕላማ ኣንቃዕሪርና ምርኣይ እንተድሂሉና፡ ናብ ጸድፊ ኣቋሚትና ሸለው ምባል ዝቐልል ክመስለና ይኽእል እዩ። ነጸብራቕ ትሪ ናይዚ ዘለናዮ ጉዕዞ እናሻዕ ንብዙሓት ጀጋኑ ኣፍቀርቲ ሃገሮም ትሕቲ ዓቕሞም ዝዀነ ዘረባ ኽመልቆም ተፈጥሮኣዊ እዩ። ብየማን ተጸፊዑ ኸምልጥ ክብል ብጸጋም እናተደርዐ፡ ንህይወት ብስቓይን ቃልስን ዝሓልፋ፡ ብዝኣመኖም ዝተጠልመ ህዝቢ ገርጨውጨው እንተበለ፡ እንተተጣራጠረ፡ ምትእምማን እንተሰኣነ ፈጺሙ ኣይተሓዞን እዩ። እዚ’ኳ ተጻዋሪ ህዝቢ ዀይኑ። እንተዀነ ግና ጸላኢኻ ኣብ ቅድሜኻ ዀይኑ ኣትኪሉ እናሽካዕለለካ ኸሎ፡ ነቲ መናብርትኻ ዝዀነ ሓውኻ ኣደራዕ ከተውርደሉ ኸለኻ ፍታሕ ኣይኰነካን እዩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ጸላኢ ዝፈጠሮ ዕንወት፡ ነቶም ናይ መዋእል መናብርትና ዝዀኑ ኣሕዋትና ጽባሕ ዘነውረና ቓላት ክንስንዝረሎም ከለና መርኣያ እቲ በጺሑና ዘሎ ምስልካይ እምበር፡ ነቲ ገጢሙና ዘሎ ግድል ፍታሕ ኣይኰኖን እዩ።
ንምሕደራ፡ ንቑጠባ፡ ንህንጻ፡ ትምህርቲ፡ ንቛንቋ፡ ንፍርዲ፡ ንጸጥታ፡ ወዘተረፈ ዝምልከቱ ሃገራዊ ውሳኔታት ብሓባራዊ መንግስቲ እምበር በብውልቃዊ ርእይቶ ውልቂ ዜጋ ኣይውሰኑን እዮም። ውልቃዊ ርእይቶ ሃገራት ዘካይድ እንተዝኸውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ቀደም ተኣልዩስ ሃገርና ናብ ገነት ተቐይራ ምሃለወት። ብመሰረቱ፡ ሃገርና ኣብዚ ዘላቶ ደልሃመት ዝኣተወትሉ መኽንያት ብርእይቶ ውልቀሰባት እምበር ብሓባራዊ ስምምዕ ኩሎም ዜጋታታ ስለዘይትካየድ ዘላ እዩ። ብዘይሓባራዊ መንግስቲ ንድሌታት ውልቀዜጋታት ከተዕግብ ስለዘይከኣል፡ ፖለቲካዊ ርእይቶታትና ንግዚኡ ኣወንዚፍና፡ ሃገር ናብ ምድሓን ነተኵር።
ቍስልና ሓቢእና መምስተቐንዞና ነቲ መናብርትና ዝዀነ ሓውና ኻብ ንጐጥዮ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኹላትና ተገቲሩ ዘሎ ቐንዲ ጸገም ብዘይወዓል ሕደር ሓቢርና ንእለዮ። ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዘዐውተና፡ ድኻምና ምልላይ እዩ። ድኻምና ድማ ሓቢርና ንጸላኢና ዘይምግጣምና እዩ። ዝወርደና ዘበለ በደል ዋጋ ዘይምሕባርና እዩ።
መዘኻኸሪ፥
ኤሪሳት ምሉእ ብምሉእ ብዘይክፈሉ ወለንተኛታት ትካየድ። ንብዙሓት ኣብ ስደት ዝነብሩ ግዱሳት ዜጋታት ግና ምስ ሰዓታቶምን ወጻኢታቶምን ተራኣእዩ ብዘይክፍሊት ምስራሕ ኣዝዩ ስለዝኸብዶም ብዙሓት ዘዛራረብናዮም ክሕግዙና ኣይከኣሉን። ብስራሕ ክሕግዝ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ኤርትራዊ ዜጋ ናብ info@erisat.org ብምጽሓፍ ድሉውነቱ ኽሕብረና ይኽእል እዩ። ብፍላይ ግና ተዛረብቲ ናራ፡ ሳሆ፡ ብሌን፡ ትግረ፡ ሕዳርብ፡ ኩናማ ዝዀኑ ጸሓፍቲ፡ ኣንበብትን ኣቀናበርቲ ስእልን ገለ ኻብቶም ኣዝዮም ዘድልዩና ዘለዉ ዓይነታት ክኢላታት እዮም።