ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ዓመጽ ደው ምባል ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ!

መርበብ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ 2013 ብተበግሶ ኣብ ስደት ብዝቕመጣ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ተመስሪታ። ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ንመሰለን ከኽብራን ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ንኽቃለሳን፣ ኣገዳስነት ውደባ፣ ምትብባዕን ምሕያልን ደቀንስትዮ ነዛ መርበብ ክምስርታ ደሪኽወን ።

ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ሓደ ካብቶም ግኑናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝግምቶ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሰለስተ ደቀንስትዮ ሓንቲ፣ ጓለንስተይቲ ስለዝኾነት ጥራይ ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ የጋጥማ። ብተወሳኺ ኣብ ኣብ ዓለም መዓልታዊ 137 ደቀንስትዮ ብመጻምድተን ወይ ኣባል ቤተሰበን ይቕተላ። ዓመጽ ንምዕባለ ደቀንስትዮን ብዓቢኡ ድማ ንውሕስነትን ምዕባለን ሕብረተሰብ ዓቢ ዕንቅፋት እዩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰሙናት ብርክት ዝበላ ኤሪትራውያን ደቀንስትዮ ተቐማጦ እስራኤል፣ ዓዲ እንግሊዝን ስዊዘርላንድን  ብፍላይ ኣብዚ ግዜ ቅልውላው ኾቪድ 19 እናበዝሐ ዝመጽእ ዘሎ ጾታዊን ኣካላዊን ዓመጽ ዝጠቓልሉ ጥርዓናት ናብ መርበብ ኤሪትራውያን ደቀንስትዮን (NEW) ካልኦት ተጣብቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሓቢረን ኣለዋ። ገለ ካብዞም ዓመጻት’ውን ብጉጅለ እዮም ዝፍጸሙ ዘለዉ። መንነት እቶም ብዘይተሓታትነት ነዞም ገበናት ዝፈጸሙን ዝፍጽሙ ዘለዉን ኤርትራውያን ደቂተባዕትዮ መርበብና በጺሓቶ ኣላ።

ከም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ጉዳይ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ናይ ውልቂ ጉዳይ ወይ ከኣ ከም ጉዳይ ናይ ውልቂ ምትእስሳር/ርክብ እዩ ዝብል ርድኢት ብመሰረቱ ኣይንቕበሎን ኢና። እዞም ገበናት መግለጺ ናይቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ጾታዊ ዘይምዕሩይነትን፣ ብሓፈሽኡ ኸኣ መርኣያ ናይቶም ጓለንስተይቲን ኣካላታን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣትሒትካ ናይ ምርኣይን ምቕራብን ዝኣመሰሉ ሃሰይትን ድሑራትን መረዳእታታት እዮም።

እዞም ብዘይተሓታትነት ገበናት ዝፍጽሙ ዘለዉ ኸኣ ኣብ ዲሞክራሲያውያን ሃገራት ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ዝቕመጡ ደቂተባዕትዮ ምዃኖም ብጣዕሚ የሰከፈናን የተሓሳስበናን እዩ። እዚ ዝምልከተን ትካላት፣ ነቲ ዝተዋህቦም ዑቕባ ተጠቒሞም ካልእ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት ንከይግህሱ ብጥንቃቐ ክከታተላን ስጉምቲ ክወስዳን ይግባእ።

ከም መርበብ ኤሪትራውያን ደቀንስትዮ እዞም ዘሕፍሩ ገበናት ክቕጽሉ ኣይክንገድፎምን ኣይክንጻወሮምን ኢና። እዞም ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን ክሕተቱን ዘለና ዓቕምታትን መርበባትን ክንጥቀም ብዕቱብ ተበጊስና ኣለና።

ኩሎም ኤሪትራውያን ከኣ

  • ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኣብ ምኹናን ክሓብሩና
  • ኣብ ሕብረተሰብና ዝኾነ ዓመጽ ደው ንምባል ሓላፍነት ክወስዱ
  • ፖለቲካዊን ሲቪካዊ ትካላት ኣንጻር እዞም ዓመጻት መርገጺ ክወስዱን ከም ኣገዳሲ ዛዕባ ክዘራረቡሉን
  • ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ደው ክብል ንምጽዋዕ #EndGenderBasedViolence #Eritrea ብምጥቃም ክሓብሩና ንጽውዕ።

መርበብ ኤሪትራውያን ደቀንስትዮ