ወግዓዊ መግለጺ ማሕበር ሞያውያን ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ
ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለምና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ከቢድ ኩሉ-መዳያዊ ቅልውላው ወዲቓ ከምዘላ ንኹሉ ብሩህ’ዩ። እዚ ብኮቪድ-19 ዝፍለጥ ለበዳ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2019 ኣብ ዉሃን ዝተባህለት ከተማ ቻይና ዝጀመረ ኮይኑ፡ ዛጊት ክታበት ይኹን መድሃኒት ዘይተረኽቦ፡ ብልዑል ናህሪ ኣብ መላእ ዓለም ተላቢዑ ዝርከብ ቀዛፊ ሕማም’ዩ።
ጸብጻባት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ከምዝሕብሮ ኣብዚ ግዜ’ዚ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኺፎም፡ ድሮ ድማ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ’ዚ ሕማም ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ። ካብ’ቶም ዝሞቱ ብዙሓት ምኩራት ሓካይምን ካልኦት ሰራሕተኛታት ሕክምናን ይርከቡዎም። እዚ ለበዳ’ዚ ኣዝዩ ኣዕናዊ ከምዝኾነን ንነዊሕ ዝጸንሕ ኩሉ-መዳያዊ ሳዕቤናት ከምዝህልዎን ከኣ ሰብ ሞያ ይእምቱ።
ስለ’ዚ፡ እተን ብቁጠባዊ፣ ወተሃደራዊ፣ ቴክኖሎጂያዊ፣ ሕክምናዊ፣ ማሕበራዊ፡ ብሓፍሻ ኩሉ-መዳያዊ ምዕባለ ጸብለል ዝበላ ሓያላት ሃገራት እውን ከይተረፋ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ይርከባ። ኩለን ሓልዮት ህዝበን ዘለወን መንግስታት፡ ድሕነት ዜጋታተን ከም ቀዳምነታተን ብምስራዕ ኩሉ ጸጋታተን ኣዋዲደን ክጓየያ ንዕዘብ ኣሎና። ብመንጽር’ዚ፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ንኣተሓሕዛ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ድሕሪ ምክትታልን፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ህዝብና ከውርዶ ዝኽእል ዓቢ ዕንወት ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ።
ሓላፍነት መንግስቲ፡ ዜጋታት ብሕግን ስርዓትን ተቐይዶም፡ ኩሉ-መዳያዊ ድሕነቶም ክሕሎ ምግባር እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ዓቕምኻን ጸጋታትካን ኣወሃሂድካ፡ ቀዳምነታትካ ገምጊምካ፡ ንህዝብኻ ብኩለንትናኻ ምግልጋልን ምውፋይን ገለ ካብ’ቶም ብቐንዲ ዝጥቀሱ መምዘኒታት ብቑዕ መንግስቲ እዮም። ምስ’ዚ ብምዝማድ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኩሉ ብዛዕባ ህዝቡ ፍቕርን ሓልዮትን ዘለዎ ዜጋ ብዓቢ ስግኣት ከብዱ ሓቚፉ ይሓድር ከምዘሎ ብሩህ’ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን በብዝጥዕሞም ውዳቤታት ተጠርኒፎም ዓቕሞም ዝፈቕዶ ኣበርክቶ ንምግባር ይሻባሸቡ ኣለዉ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሰብኣውነትን ዜግነታዊ ሓላፍነትን፡ ወትሩ ዝደጋገምን ድልዱል ባህላዊ መሰረት ዘለዎን እዩ። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዝዓበየ ሽግርና ኣሊና፡ መጻኢና ክንቅይስ ዓቕሚ ከም እንውንንን፡ ኤርትራን ኤርትራውያንን ካብ ሕሉፍና መጻኢና ዝያዳ ትስፉው ምዃኑን ዘረጋግጸልና ከኣ እዩ።
ማሕበር ሞያውያን ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ንኹሎም ኣብ’ዚ ወፈራ’ዚ ብንጥፈት ዝሳተፉ ዘለዉ ዜጋታትን ማሕበራትን እናመጎሰ፡ እዞም ዝስዕቡ ለበዋታት የመሓላልፍ፦
1. ሓድነት ሓይሊ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ዓይነት ተበግሶታት ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ሓደ ክጥርነፍን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘለዎ፣ ዕላማታቱን ኣተገባብራኦምን ዝነጸረ ባይታ ንክፈጥሩን ብሕብረት ንክሰርሑን ንጽውዕ።

2. ኩሉ ንምምካት ለበዳ ኮቪድ-19 ዝግበር ግብራዊ ስራሓት ክኢላታት ስነ-ጥዕና ብመሪሕ ዝዋስኡሉ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ቆይሙ ኩሉ ዝግበር ሓገዛት በቲ ዝግባእ ኣገባብን ብግሉጽ መገድን ክግበር ንላቦ።

3. ንኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት፡ ህጹጽ ገምጋም ተገይሩ ብውጽኢታዊ መገዲ ዝሕገዙሉ ኣገባብ ምድላይን ንዝምልከቶም ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ምቕራብን፡ ብቕልጡፍ ክግበር ዘለዎ ስራሕ ምዃኑ ኣትሪርና ንምሕጸን።

4. ዝሓሸ ጸጋታት ኣብ ዘለወን ሃገራት እንነብር ኤርትራውያን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ህዝብና ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ጸገም ብዝወሓደ ሳዕቤን ንኽሓልፍ፡ ዓቕምና ዝፈቕዶ ኩሉ-መዳያዊ ሓገዝ ክንገብር ዜግነታዊ ግቡእና እዩ።

5. ኩሎም ምሁራትን ሞያውያንን ኤርትራውያን ኣብ’ዚ ናይ ወፈራ እዋን ነቲ ኮስኲሱ ኣብ ዘለዉዎ ደረጃ ዘብጽሖም ሕብረተሰብ ብምዝካር፡ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ሕልናዊን ዜግነታዊን ግቡኦም ምዃኑ ነዘኻኽር።

6. ብኤርትራውያን ዝካየዳ ማዕከናት ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ለበዳ ኮቪድ-19 ጽፉፍን እዋናውን ሓበሬታ ንኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝበጽሓሉ መገድታት ኣብ ምውዳድ ክነጥፋ ንላቦ።
እዚ ለበዳ’ዚ፡ መንግስታት ዓለም፡ ብቕዓተንን ንህዝበን ዘለወን ሓልዮትን ተወፋይነትን ብግብሪ ዘርእያሉ ፈታኒ እዋን እዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ከምዝተዓዘብናዮ፡ ነዚ ዝበቅዕ ውዱን፣ ስርዓት ዝሓዘ ምሕደራን ትካላዊ ኣሰራርሓን ስለዘየሎ እዚ መጺኡ ዘሎ ሽግር ንህዝብና ‘‘ንሕማም መንድዓት ሓናት ተወሰኾ’’ ኰይኑዎ ይርከብ።
ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዙሕ ዕቃበታት’ኳ እንተሎና፡ ኣብ ምድራት ኣኼባታትን ምንቅስቓስ ህዝብን ዝተገብረ ውሳኔታት፡ ከምኡ’ውን ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝውሃብ ዘሎ ሓበሬታን መምርሒታትን ጠቓሚ ምዃኑ ንግንዘብ። ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት ነዚ ለበዳ’ዚ ንምምካት፡ ምስ ድሩት ቀረብ መሳለጥያታት፡ ህይወት ህዝቦም ንምድሓን ኩሉ ዝክኣሎም ዝግብሩ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ሕክምና ኣገናዕ ንብሎም።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ተበግሶታት ውጽኢት ክርከቦ ዝኽእል ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እቲ ዘድሊ ምትሕብባር ምስዝገብሩ ጥራይ ስለዝኾነ፡ እዚ ዝስዕብ ምሕጽንታታት ነቕርብ፦
1. ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ነዚ ለበዳ’ዚ እንከላኸለሉ መገድታት፡ ጽርየት ኣካላት ብፍላይ ኣእዳው ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ቀረብ ማይን ሳሙናን ጸረ-ባክተርያ ኣልኮልን ክረክብ ልዕሊ ዝኾነ ግዜ መንግስቲ ብሓላፍነት ክሰርሓሉ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ጽርየት ከባቢን ማሕበራዊ ወይ ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈታትን ዕቱብ ጠመተ ክግበረሉ ንምሕጸን።

2. ብእኩብ ዝነብሩን ምሉእ ጥዕና ዘይብሎምን ዜጋታት ነዚ ለበዳ ኣዝዮም ዝተቓልዑ ስለዝኾኑ፡ ብመንግስታዊ ትካላት ዝእለዩ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ፍሉይ ቈላሕታን ምክትታልን ክግበረሎም ይግባእ።

3. ኩነታት ኣተሓሕዛ እሱራት ኣብ ኤርትራ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኣዝዩ ምቹእ ስለዝኾነ፡ እሱራት ኣብ ቤቶም ዝጸንሑሉ መገዲ ክፍጠር ይግባእ። እዚ፡ ልዕሊ ኩሉ ናይ ሚኒስትሪ ፍትሒ ሓላፍነት ብምዃኑ፡ ብጉድለት ግቡእ ጥንቃቐን ምዝንጋዕ ሓላፍነትን ኣብ ማሕዩር ዘለው ዜጋታት ከይጉድኡ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዜግነታዊ መዝነቱ ክጸውር ንጽውዕ።

4. ምስ ዋሕዲ ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብን ቀረብ ንዋትን ትካላት ጥዕና ኤርትራ ኣዛሚድካ፡ ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ዜጋታትና እቶም ብቐሊሉ ክጉሰዩ ዝኽእሉን ኣደራዕ ናይ’ዚ ለበዳ ክወድቆም ዝኽእልን ምዃኖም ግሁድ እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ምፍታሕ እሱራት ኣብ ዘይክኣለሉ ኩነታት፡ ጥዕናኦም ንምውሓስ መንግስቲ ምሉእ ሓላፍነት ክወስድን ብዘይመንግስታውያን ትካላት ጥዕና ንዝቐርብ ሓገዛት ድማ ብዘይግብዝና ኣብ መዓላ ንኽውዕል ዘድሊ ምትሕብባር ክገብርን ንጽውዕ።

5. ኣብ’ዚ በዳሂ እዋን፡ ንምግታእ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝውዕል ዝኾነ ይኹን ሓገዝ፡ መንግስቲ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ከይሕሰም ንምሕጸን።

6. ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና በብእዋኑ ዝወጽእ መምርሒታትን ሓበሬታታትን ብዝግባእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ንምሕጸን።

7. ዜጋታት ካብ ኩሉ ዋኒኖም በዂሮምሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ መንግስቲ ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ ድራር-ዕለቱ ዝረኽበሉ መደባት ሰሪዑ፡ ኣብ’ዚ ጽንኩር ግዜ ንህዝቡ ካብ ጥሜት ከድሕን ሓላፍነቱ ምዃኑ ነዘኻኽር። ጸጋታት ሃገር ካብ ዋናታቱን ካብ’ዚ ግዜ’ዚን ሓሊፉ ንዝኾኖ ከምዘይብሉ ክጽቀጠሉ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ።

8. ተራ ብሕታውያን ትካላት ኣብ ምውሓስ ቅርዑይ ሃገራዊ ቁጠባ ዕዙዝ’ዩ። ከምቲ መንግስቲ ዝኣወጆ ንሰራሕተኛታቶም ስራሕ ከይሰርሑ ደሞዞም ክኸፍሉዎም እንተዀይኖም፡ መንግስቲ ብሕታውያን ኣውፈርቲን ትካላትን ዝሕገዙሉ መደብ ክሕንጽጽን ክትግብርን ግዚኡ ዝጠልቦ ሓላፍነት’ዩ።
ማሕበር ሞያውያን ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ፡ ኣካል ናይ’ቲ ብኹሉ ኩርናዓት ዓለም ዝግበር ዘሎ ጎስጓሳት ኮይኑ፡ ብውልቂ ይኹን ብማሕበር ዓቕምና ዝፈቕዶ ሓገዛት ክንገብር ምዃንናን፡ ኣብ’ዚ ጽንኩር እዋንን ድሕሪኡን ኣብ ጎድኒ ህዝብና ደው ከምእንብልን ቃል ንኣቱ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ።

ማሕበር ሞያውያን ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ።