መግለጺ ካብ ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዞባ ኤውሮጳ
ክቡራት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን!!
እዚ መግለጺ እዚ ናይቲ ብዕለት 25/01/2020 ዝሃብናዮ መግለጺ መቐጸልታ ኢዩ።  ኩላትና ከም እንዝክሮ እቲ ሽዑ ኣብ ንቕሎና ኣጋጢሙና ዝነበረ ብድሆ፣ ተቓሊስናን ሰጊርናን ብሓድሽ መንፈስን ዳግመ ስርርዓትና ጌርና ክንምለሰኩም ከም ዝኾና ሓቢርናኩም ኔርና። እንተኽነ ግን በቲ ንምሉእ ዓለምና
ኣጋጢምዋ ዘሎ ናይ ለበዳ ሕማም ኮቪክ 19 ኣብ ገለ ኣዋርሕ ይውዳእ ይከውን ብዝብል እምነት ከምቲ ዝተላበናዮ ካብ ምቅራብ ተዓናቂፍና ጸኒሕና። ሕጂ ግን ነቲ ክስገር ዝካኣል ብድሆ ሰጊርና፣ ነቲ ናይ ኮቪክ 19 ኣብ ቃልስና ኣሕዲርዎ ዘሎ ጽልዋን ዕንቅፋትን ካኣ፣ ምሳኹም ዋናታት ቃልሲ ኮይና ክንብድሆ ዕጥቅና ኣደልዲልና መጺእና ኣሎና።
ክቡራንን ክቡራትን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን!!
እቲ ንንቕሎናን፣ ነቲ ዓቢ ተስፋ ኣንቢርኩምሉ ዝነበርኩምን መስርሕ ዘጋጠሞ ብድሆታት ቀሊል ኣይነበረን። ንሕና ግን እቲ ዘበገስናዮ ንቕሎን፣ ህዝብና ዝሃበና ሕድርን ኣይነዕብርን ተበጉሶናን ራኢናን ኣብ ሽቱኡ ከየብጻሕናዮ ንድሕሪት ኣይንብልን ብምባል ዕጥቅና ኣደልዲልና፣ ከይተሓለልና ነቲ ዕንቅፋታት ሰጊርናዮ ከም ዘሎና ከነበስረኩም ንፈቱ። እቲ ቃልሲ ብቐንዱ ንሕና ንዋሳኣሉ ጉዳይ እኳ ኣንተነበረ ኣብ ኤውሮጳ ትርከቡን ትርከባን ደለይቲ ፍትሕን ህዝባዊ ማሕበራትን ውድባትን ኣብ ጎንና ደው ኢልኩም መተካእታ ዘይብሉ ሞራላዊ ሓገዝ ሂብኩምና ኢኹም። በዚ ኣጋጣሚውን ኣዴታትኩም
ኣሓትኩምን ክብ ስበለ ምስጋናና ከነቕርብ ግቡእና ምዃኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ።
ፍቱዋት ደቅናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!
ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ናይ ምፍንጣሕ ሰልሚ ሸሙሙዋ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ብሓሳቡን ብመንፈሱን ካብቲ ስርዓት ካብ ዝፋታሕ ደጊምሲ ነዊሕ ኮይኑ ኢዩ። ኢሰያስ ኣፎርቂ ዝመርሖ ናይ ጸረ ህዝቢ ስርዓት ኣስመራ ግን፣ ሓታቲ ዘይብሉ ሕጂውን ነቲ
መንገዲ ጥፍኣት ብዝለዓለ ደረጃ ይቕጽሎ ኣሎ። ህዝብና ኣብ ደገን ወጻእን ኩሎም ደለይቲ ፍትሒን ሓይልታት ተሓባቢሮም ካብዚ በላዕ ሰብ ስርዓት
ከናግፍዎ ብሃንቀውታ ይጽበ ኣሎ። መንእሰያት ኤርትራ ኣብታ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተኸፈሉላ ሃገሩ ኣይጠዓሞን። ሃጽ ኢሉ ድማ ንክትገልጾ ዘሽግረካ ዓመጻትን ግፍዕታትን ተሳጊሩ ሰላምን ራህዋን ንምርካብ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ምጥፋእ መሪጹ፣ እንተኾነ ግን እቲ ገባቲ ስርዓት ኤርትራ ዘስዓቦ
መሰረታዊ ሽግር ክሳብ ዘይተፈትሔ መእሰይና ኣብ ዝሃልዩ ሃሊዉ ከምዘይጣዓሞ ንዕዘቦን ንሪኦን ዘለና። ዕሽላት ደቅናን ኣሕዋትናን ኣደዳ ሕሰምን መከራን፣ ሞትን ማእሰርትን፣ ጽምዋን ዓቕሊ ጽበትን ኮይኑ ዓለሙ ጸቢባቶ ኣላ። ካልእሲ ይትረፍ ኣብዚ ውሑስ ናይ ኤውሮጳ ሃገራትውን መንፈሱ ክረግእ
ስለዘይከኣለ፣ ክሳብ ነብስኻ ናይ ምቕታል ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ።
ክቡራት ተቓለስቲ ኤርትራውያን!
«ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን!» እምበኣር ሕጂ ነብስና ሰሪዕና፣ ነቲ ንግዚኡ ኣወንዚፍናዮ ዝጸናሕና ተቓለስቲ ደቅና ናይ ምትእኽኻብን ምውህሃድን ስራሕና ብሙሉእ ሓይልና ክንቅጽሎ ተቐሪብና ኣለና። ነዚ ንምስላጥ ድማ ዳግመ ስርርዕ ጌርና ዘድል ስጉምትታት ወሲድና፣
1. ነቲ ብዝተፈላለየ ምክንያት ኣብ ውሽጢ ኮሚቴታት ንቅሎ ኣዴታት ተፈጢሩ ዝነበረ ሃጓፋት  መሊእናን ዳግመ ስርርዓት ኣካይድናን ኣሎና።
2. ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ህዝብና ኣብ ልዕሌና ዘንበሮ ተስፋ ኩውን ንምግባርን፣ ራኢን ዕላማታትን ንቅሎ ኣዴታት ዞባ ኤውሮፓ ውሕስነትን ቀጻልነትን ንምርግጋጽን ዘድሊ ድፕሎማስያዊን ውሽጣዊ ሕግታትን ኣዳሊና ቃልስና ሰሪዕና ንርከብ። ኩሉ ዘድሊ መደባት ምስ ሰራዕና ድማ በቢግዚኡን ኣድላይነቱን ዘድሊ ሓበሬታታት ክንህበኩም ኢና።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!
ሰላምን ራህዋር ንውጹዕ ህዝቢ ኤረትራ!!
ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን ዞባ ኤውሮጳ!!
ኣፈኛ ኤልሳ ዮውሃነስ!!
2020-05-02