ናጽነት ዜጋታት ክበሃል ከሎ ሰባት ብዘይዕንቅፋትን ብዘይዓጋትን ከምቲ ዝደለይዎ ኽገብሩ፡ ክዛረቡ፡ ወይ ክሓስቡ ኽኽእሉ ማለት እዩ። ነዚ ናጽነት እዚ ንምርካብ ቀዳማይ ዘድልዮም ናቶም ሃገር ክትህልዎም ስለዝዀነ፡ ኤርትራ ብ2 4 ግንቦት 1 9 9 1 ካብ ቍጽጽር ወረርቲ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዀይና።
2 4 ግንቦት፡ ኤርትራውያን ናጻ ሃገር ከምዝደልዩ ብብረትን ብወረቐትን ዘረጋገጹላ ዕለት እያ። ሎሚ፡ ጽባሕን ንሓዋሩን ሃገራት ክሳዕ ዘለዋ፡ ኤርትራ ናጻ ሃገር ኰይና ኽትነብር እያ። ዜጋታትናጻ ኤርትራ ንኹሎም ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ጸላእቲ እናኣለዩ ሃገሮምን ናጽነቶም ብዝግባእ እናሓለዉ ሓያል ህዝቢ ኽዀኑ እዮም። ክዓግቶም ዝደሊ እንተተረኽበ ነቲ ዕንቅፋት ኣልዮም ብሰላም ክነብሩ እዮም። ናጽነቶምን ሓይሎምን ካብቲ ንነብሶም ዝህቦም ሓርነትን ራህዋን ተድላን ሓሊፉ
ንጐረባብቶም መሐየልን መምሃርን ክዀኖም እዩ። ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ስለዝዀነትን ዜጋታታ ንናጽነት ሃገሮም ብግቡእ ምስተጠቕሙሉ እዚ ኹሉ ዝተባህለ ኽኸውን እዩ።
እታ ብቓልሶም ናጻ ዝገበርዋ፡ ባዕሎም ከመሓድርዋዝግብኦም ናጻ ሃገር፡መንግስትን ሕግን ተኺሎም ሓራ ዀይኖም ከም ልቦም ክነብሩላ ኣቦታቶም ዝሓደጉሎም ርስቶም እያ። እቲ ቕድሚ 2 9 ዓመታት ዝተረጋገጸ ናጽነት ሃገር እንተዘይህሉ፡ እቲ ኣብኡ ዝምርኰስ ናጽነት ዜጋታት ብዛዕባ ምርካብ ክሕሰብ ኣይምተኻእለን። ሃገር ኣብ ዘይብሉ፡ ሰባት ናጻ ኽዀኑስ ይትረፍ ብህይወት ምንባር ውን ይብርትዖም። ናጽነት ዜጋታት ክገሃስ ከሎ ሃገር ልኡላውነታ ክትከስር ትኽእል። ስለዚ ድማ’ዩ ንሃገር ኣሕሊፉ ኽህብ ዝደሊ ዝዀነ ወገን ናጽነት ዜጋታት ብምግሃስ ስርሑ ዝጅምር።
ሃገሮም ናጻ ኽነሳ፡ እቶም ዜጋታት ኣብ ገዛእ ቤቶም፡ እቲ ገዛእ ሕጎም ዘፍቅደሎም ናጽነት እንተተኸልኪሎም፡ ነቲ ዕንቅፋት ኣልዮም ብሰላም ክነብሩ ሓላፍነቶም እዩ። እቶም ዝመንጠልዎም ይኹኑ ካልኦት ዘማዕድዉ ጓኖት ናጽነቶም ክሕልዉሎም ኣይክእሉን እዮም። ናጽነትካ ቁሊሕ ኣብ ምባልካ እትስረቕ ኣዝያ ኽብርቲ ውህበት ብምዃና፡ ከከም ዓቕምኻ ዘፍቅዶ ኣብ ናጻ ሃገርካ ሰባት ናጻ ዀይኖም ክነብሩ ምእንቲ ንርትዒ ደው ምባል መዓልታዊ ሓላፍነትካ እዩ። እቶም ክመርሑ ዘፍቀድናሎም እንተተነፍዑ ጽቡቕ፡ እንተሓመቑ ከኣ ንዓታቶም ኣዕሪፍና ዝበቕዑ ንረቍሕ።
ናጽነት ሃገር (independence)ን ናጽነት ሰብ (freedom)ን ተኸታቲሎም ዝመጹ መኻይድቲ እዮም። ሓንቲ ሃገር ናጻ (independent nation) ምዃና ኽግለጽ ከሎ፡ ብዘይምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ገዛእ ርእሳ ኸተመሓድርን ዘድልያ ዘበለ ኽትውስንን እትኽል፡ ጉዳያታ ባዕላ እተካይድ ልኡላዊት ሃገር ኰይና ኣላ ማለት’ዩ። ናጻ ሃገር እትተኽሎ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ሰባት ብሓርነት ክነብሩ የኽእል። እቲ ዝተተኽለ ስርዓት ምሕደራ፡ ሰባት ብናጽነት ክነብሩ ዘይፈቱ እንተዀይኑ፡ በቲ ዘድሊ ኣገባብ ተኣልዩ ብኻልእ ካብ ህዝቢ ዝተዋጽአ ባይቶ ኣሕዋት ይትካእ።
ንኤርትራውያን ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ዝረኸብዎ ዝዓበየ ዓወት፡ ሃገሮም ናይ ምምራሕ መሰሎም ከረጋግጹ ምኽኣሎም’ዩ። ዋጋ ናጽነት ክቡር ዝለዝዀነ ብርቱዕ መስዋእትን ስንክልናን ካልእ ኩሉ ኽቡር ዋጋን እዩ ኸፊሉ። ህዝቢ ኤርትራ ህይወቱ ሂቡ፡ ሰንኪሉ፡ ቅሳነት ስኢኑ፡ ደኺሙ፡ ጠምዩን ጸሚኡን፡ ዘይጽወሩ ጸይሩ፡ ዘይከኣል ክኽእል ከሎ ብዙሕ ተሃስዩ። ንናጽነት ዝጻረራ ውሑድ ስለዘይኰነ ግና፡ ህዝቢ ኣብ ምክልኻል ናይ ደገ ጸላኢ ኸሎ፡ እቶም መንጉኡ ተሓቢኦም ዝጸንሑ ጠላማት ነቲ ናይ መግዛእትን ቃልስን ማህሰይቲ መዝሚዞም ኣጥቂዖሞ።
መበል 29 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ እቲ ብቓልሱ ናጽነት ሃገሩ ዘረጋገጸ ህዝቢ፡ ብሰላም ምንባር ከሊኦሞ ዘለዉ ተተናዀልቲ ኽኣሊ መብጽዓ ዝኣትወላ መዓልቲ እያ። ጉጅለ ወነንቲ ህግደፍ ንናጽነት ዜጋታት እናዕነወ ንናጽነት ሃገር ውን ኣብ ሓደጋ እናእተወ ዕረ እናጠዓሞ መዓልቲ ናጽነት ክጽምብል ይግደድ ኣሎ። ዓመታት ናጽነት ኤርትራ በብዝወሰኸሉ ግና ኣብታ ናጽነት ዘለዎ ጽልኣት መመሊሱ ይገድድ ኣሎ። ኣብ ናጻ ሃገርና ናጻ ዄንና ኽንነብር እንተዘይክኢልና ነቲ ጸረ ናጽነት ዜጋታት ኰይኑ ንናጽነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘኣቱ ዘሎ ጉጅለ ጠላማት ክንኣልዮ ንግደድ። ዜጋታት ዝዀነት ትኹን ሃገር፡ ናጽነቶም ክዕንቅፈሎም ዝደሊ ወገን ኣብ ዘዝተቐልቀለሉ ትርጉም ናጽነት ክንዕቁ ዘይኰነ፡ ሓላፍነቶም ብግቡእ ከምዘይተሰከሙ ኸለልዩ እዩ ዝግብኦም። መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንህግደፍን ንናጽነት ሃገርን ሓዋዊስና ርኢና ነማርረሉ መዓልቲ ዘይኰነ፡ ድሌትናን ሓይልናን እነለልየሉ መዓልቲ እዩ።
ብዙሓት ኣሕዋትና በቲ ዝወረደና ጥልመት ተስፋ ስለዘዕረቡን በቲ ዝወረዶም ማህሰይቲ ልቦም ስለዝተጐድኡን፡ ንዓመጽቶም ዝጸልኡ መሲሉዎም ንሃገሮም ክጸልኡ እንተርኣና ስምባደና ኣብ ቦትኡ ገዲፍና ምንጩን ፈውሱን ንመርምር። ነዚ ዘመን መትሓዚ ዝሰኣኑሉ ኣሕዋትና፡ ኩሉ ነገር ሕውስውስ እንተበሎም ንደንግጸሎም እምበር ኣይንቀየሞም። ገለ ኻብቶም ዘሰምብር ሕሰም ዝረኸቦም ኣሕዋትና ንዓመጽትን ንሃገሮምን ፈላልዮም ክርእዩ ብዘይምኽኣሎም ቃልስና ኸነሐይል እናዓበየ ዝሓድር ሓላፍነት’ዩ ዘሰክመና።
ኤርትራውያን ንሃገሮም ዘለዎም ፍቕሪ ከም ዘለዎ ምስ ሓይሉ እንተዝግደፍ፡ ዓመጽ ህግደፍ ክሳብ 2 0 2 0 ክጸንሕ ዘይኰነ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2 0 0 1 ዘካየዶ ኽሕደት ብዙሕ ከጽንሖ ኣይምኽኣለን። ህዝቢ ምእንቲ ኸይትንስእ ኣብቲ ዝሰዓበ ዓመታት ትንፋስ ዘይህብ ገልጠምጠም ናብራ፡ ውርደትን ጥሜትን ከምዝስዕቦ ዀይኑ። ናይ ሎሚ ወነንቲ ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ዘለዎም ፍቕሪ እንተዘይተዓጊቱ ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ኸምዘይክእሉ ስለዝፈልጡ፡ ቀዳማይ ዝጸዓሩሉ ጉዳይ ቀስ ብቐስ ሃገራውነት ኤርትራውያን ምብሕጓጕ እዩ፡፡
ዕላማ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ጐረቤት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ንህዝቦምን ንመሬቶምን ከምዝጽየንዎ ምግባር እዩ። ዕላማ ወነንቲ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ተስፋ ዓሪብዎ ሰልክዩ ፋሕ ክብልን ክርሳዕን እዩ። እዞም ጠለማት ዝገብርዎ ዘበለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ዝብሃል ነገር ጸሊኡ ክግዛእ ክሳብ ዝጠልብ ክዳናገር እዩ። ተዓሲብካ ኣብ ዓዲ ጓና ንምንባር ብዋጋ ህይወቱ ክሳዕ ዝምነዮ፡ ሃገሩ ዘይትንበር ክትኰኖ ሰለም ከየበሉ ጽዒሮም። በዳሊኦም ዝጠፍዎእዎም ኣሕዋት ባዕላቶም ምእንቲ ኽዋድኡ፡ ገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽፈሉ ሓሰውቲ ኣናለኣኹ ንህዝቢ ኤርትራ ኽመቓቅልዎ ዝከኣሎም ሰሪሖም።
ኣብ መበል 2 9 ዓመት ዝኽሪ ምርግጋጽ ናጽነት ሃገርና ንናጽነት ዝያዳ ሃሪፍናያን ናፊቕናያን ኣለና። እዚ ኽሳብ ሕጂ ክፍጸም ንርእዮ ዘለና ተጣናኒጉ ዝተኣልመ ተንኮላት ንናጽነትና ዝያዳ ኸነኽብራ ይድርኸና ኣሎ። እቲ ዝተፈጸመ ጥልመት ዝምህረና ሓደ ነገር እንተልዩ፡ ከምቲ ተቓሊስና ናጽነት ሃገር ዘረጋገጽናዮ፡ ከምኡ ድማ ባዕልና ደው ኢልና ጥራይ ነባሪ ናጽነት ዜጋታትና ኸምእንዕቅብ እዩ። ሳላ እዚ ዝገጠመና ጥልመት፡ ከም ናጽነት ዝኣመሰለ ኽቡር ነገር ባዕልኻ እምበር ካልኦት ክሕልዉልካ ምጽባይ ከምዘይግባእ ጽቡቕ ጌርና ተማሂርናዮ ኣለና። ናጽነትካ፡ እንተሓለኻያ ትሕልወካ፡ እንተረሳዕካያ ድማ ትስወረካ። ልዕሊ መሰል ምንባርና መሰል በደልትና ዝኽበረሉ ዘመን ኣብቂዑ እዩ።
እቶም ኣብ ሱሳታን ሰብዓታትን ሰማንያታትን ዝነበሩ ጀጋኑ ናይ እዋኖም ሓላፍነት ኣልዒሎም፡ ጸላኢ ሰጒጎም ንሃገር ናብ ህዝባ መሊሶማ። እቶም ኣብ ቴስዓታት መንእሰያት ዝነበሩ ካብ ጀጋኑ ኣያታትኦም ሕድሪ ተቐቢሎም ንሃገሮም ተኻላኺሎምላ። እዚ ናይ ሎሚ፡ ናይ ኣቦሓጎታቱ፡ ናይ ኣቦታቱን ናይ ኣያታቱን ወሲዱ ዝትንስእ ዘሎ መንእሰይ ውን እቲ ኽግበር ዝግብኦ እንታይ ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ፈሊጡ ኣሎ፡፡