ን ስትዋርት ሚል (1806–1873)

ሓንቲ ካብተን ፉሉጣትን ህቡባትን መጻሕፍቲ ብዛዕባ ናጽነት ወይ ሓርነት ( ኦን ሊበርትይ) ወድ-ሰብ እትገልጽ ብሚል ዝባሃል ጸሓፊ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ’ያ። እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ናጽነት ናይ ሓሳብካ ምግላጽ እያ ትነግር። ሚል ሓደ ካብቶም ተማጎትቲ ዘይቀጥታዊ ዲሞክራስን ፍላስፋን እዩ ኔሩ። እዚ ጸሓፊ ዘይቀጥታዊ ወይ ናይ ውክልና ዲሞክራሲ ፖለቲካ ስርዓት እዩ ዝኣምን። ፖለቲካ ንሚል ካብ ታሕቲ ንላዕሊ እዩ ዝኽየድ። ካብ ተራ ዜጋ ናብ ላዐለዋይ ናይ ፖለቲካ ኣከል ማለት’ዩ። ነዚ ዓይነት ስርዓት እዩ ሚል ዘይቀጥታዊ ዲሞክራሲ ዝብሎ። ንሱ ዘይቀጥታዊ ወይ ናይ ውክልና ዲሞክራሲ’ዩ ናጽነት ዘውሕስን ዘማዐብልን ኢሉ ይመኣን።

ሚል ኣምር ናጽነት ክገልጽ ከሎ ንድሒሪት ናብ ናይ ግሪኽ፡ ሮማን እንግሊዝን ሑሉፍ ታሪኽእ’ዩ ዝምለስ። ናጽነት ማለት አብዘን ሃገራት ካብ ጭኮና ወይ መግዛእቲ ምክልኻል ወይ ክኣ ናጻ ምዃን እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ ግን ምስ ግዜ ተቐይሩ እዩ። መኽንያቱ እቶም ዝመርሑና ከም ናትና ኣገልገልቲ እንበር ከም ገዛእትና ጌርና ምርኣይ ገዲፍናዮ ኢና። እዚ ዓይነት ርድኢትን ኣመላኽታን ግን ናብ ጸገም ክመርሓና ይኽእል እዩ። ናብ ጭኮና ዓብለልቲ ወይ’ውን ናይ ማጆሪቲ ቲራኒ (majority tyranny) ክመርሓና ይኽእል እዩ። እዚ ማለት እቶም ቡዙሓት ወይ’ውን ማጆሪቲ (Majority) ብስም ዲሞክራሲ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍቓድን ድሌትን ኣብ ዝባን እቶም ውሑዳት ወይ’ውን ማይኖሪቲ (Minority) ክጽዕንዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ዓይነት ጸገም አብ ፖለቲካ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ከጋጥም’ውን ይኽአል እዩ። ነቲ ካብ ሕብረተ-ሰብ ፍልይ ዝበለ ዝሓስብ ውልቀ-ሰብ ክጭፍልቕ ይኽእል’ዩ። ብስም ዲሞክራሲ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ሓሳብ ቦታ ክስእን ይኽእል’ዩ።

ሚል ንናጽነት ኣብ ሰለስተ ይኸፍሎ፦
እታ ቀዳመይቲ ዓይነት ናጽነት፡ ናይ ሓሳብን ርእይቶን ናጽነት እያ። እታ ካልአይቲ ዓይነት ናጽነት፡ ናጽነት ገዛእ ርእስኻ ምውናንን ሂወትካ ከምቲ ዝደለኻዮን ዝመደብካዮን ጌሪካ ንኽትነብር ተኽእል ዓይነት ናጽነት’ያ። እታ ሳልሰይቲ ዓይነት ናጽነት ክኣ ምስ ከም ናትካ ዝኣመሰለ ሓሳባት ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ንኻልኦት ብዘይጎድእ መንገዲ ሓቢርካ ንኽትውደብን ክትሰርሕን ተፍቅድ ዓይነት ናጽነት እያ። ሓደ ናጻ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ነዚኣቶም ሰለስተ ዓይነታት ናጽነት ክቕበሎምን ከኽብሮምን ይግባእ።

እሞ ቡዙሓት ወይ’ውን ማጆሪቲ (Majority) ኣብ ልዕሊ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ዝሓሳቡ ውልቀ-ሰባት ኣብ ክሓስብዎ ዘለዎም ደረት ከንብሩን ሓሳባቶም ካብ ምግላጽ ክኽልክልዎምን መሰል ኣለዎም ድዩ፧ ንሚል ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉ፡ ዘይሕጋውን ውጉዝን እዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት ወይ’ውን ማጆሪቲ (Majority) እንታይ ይሓስቡ ብዘየገድስ ሓደ ውልቀ-ሰብ ሓሳቡ ካብ ምግላጽ ክኽልከሉ ኣይግባእን። ኣየናይ እዩ ቁኑዕ ሓሳብ ስለዘይንፈልጥ በዚ መኽንያት ክኣ ሓሳብ ናይ ምግላጽ ናጽነት ክህልወና ኣለዎ። ሓሶት አብ ዚተፈላለዩ ዝኣረጉ ዶግማቲዝምን (Dogmatizm) ትእምርትታትን ኪሽፈን ስለ ዝኽአል። ብናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ንሓሶት ቀላሊዑ ንሓቂ ከም ንረኽባን ከም ንሕልዋን ንዕቅባን እዩ ዝገብረና።

ሚል ቀጺሉ፡ ውልቀ-ሰባት ይኹኑ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ናይ ውልቀ-ሰብ ናጽነት ክግህስዎ ኣይግባእን፡ ናጽነት ውልቀ-ሰብ ክገሃስ ዘይብሉ መሰረታዊ መስል ወድ-ሰብ እዩ ይብል። እቲ ዝበለጸ ምስ ሰባት ክትላዘብ ከለኻ’ዩ፡ ሓይሊ ወይ ጎነጽ ኣብ ልዕሊ ውልቀ-ሰብ ክትጥቀም ጉቡእ ኣይኮነን መኽንያቱ *ወድ-ሰብ ኣብ ገዛእ ነብሱን ስግኡን ሉእላዊ እዩ*። ጎነጽ ወይ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሓደ ውልቀ-ሰብ ፍቑድ ዝኾነሉ እዋን፡ ሓደ ኣካል ወይ’ውን ውልቀ-ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣካል ወይ’ውን ውልቀ-ሰብ፡ ጎነጽ ክጥቀም ከሎ ነቲ ዝወርድ ዘሎ ጉድኣት ንምክልኻል ምስ ዝኸውን ጥራይ’ዩ። ነገር ግን እዚ ናጽነት’ዚ ንህጻናትን ንዱሑራት ሕብረተ-ሰብን ኣይምልከቶምን’ዩ። ናጽነት ዝምልከቶም ነቶም ኣብ ልዝብን ዘተን ዝኣምኑ ውልቀ-ሰባትን ሕብረተ-ሰብን እዩ።

እቶም ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ፍልይ ዘበለ ሓሳባት ዘለዎም ውልቀ-ሰባት መታን ንሓሳባቶም ኣብ ግብሪ ከየውዕልዎ ካብቲ ሕብረተ-ሰብ ክንጸሉን ክሕየሩን ኣይግባእን። ሓሳብን ተግባርን ነንበይኖም እዮም። ተግባር ማለት ኣክሽን (Action) ከም ሓሳብ ናጻ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ብፍላይ እቲ ተግባር ንኻልእ ኣካል ወይ ሳልሳይ ኣካል ብቐጥታ ዝጎድእ አንተ ኾይኑ ብሕጊ ክግታእ ኣለዎ፥፥ ንሚል ወድ-ሰብ ፍጹም እይኮነን ሲለዚ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣነባብራ ክፍትን ኣለዎ። ሓደ ውልቀ-ሰብ ምእንቲ ውልቃን ማሕበራውን ለውጢ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሓሳባቱ ክግልጽ ክኽእል ኣለዎ።

እሞ ደኣ መዓስ’ዩ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ንናይ ውልቂ ናጽነት ገደብ ክገብረሉ ፍቑድ ዝኸውን፧ ሕብረተ-ሰብ ንናይ ውልቂ ናጽነት ገደብ ክገብረሉ ዝግባእ ንሳልሳይ ኣካል ዝጎድእ ምስ ዝኸውን’ዩ። ናይ ሚል ስነ-ሞገት ክጽሞቕ እንከሎ ኣብ ክልተ ይምቀል። እታ ቀዳመይቲ ውልቀ-ሰባት ኣብ ንውልቆም ጥራይ ዝጸሉ ጉዳይ ካብ ተሓታትነት ሕብረተ-ሰብ ነጻ’ዮም። እዚ ማለት ውልቀ-ሰባት ናጽነቶም ንሳልሳይ ኣካል ዝጎድእ ምስ ዘይክውን’ዩ።

እታ ካል lአይቲ ፡ ሓደ ውልቀ-ሰብ ተግባራቱ ንካልኦት ዝሃሲ ምስ ዝኸውን ብተግባራቱ ተሓታቲ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሕብረተሰብ ሕጋዊ ስጉምቲ ክ “ወስድን ገደብ ክገብረሉን ይግባእ። ንውልቀ-ሰብ ዝጎድኡ ንሕብረተ-ሰብ ክኣ ዝጥቕሙ ገለ ነገራት ግን ኣለዉ። ንኣብነት ሓንቲ ትካል ልዕሊ መወዳድርታ ክትከስብ እንከላ።

ትርጉም፦ እዮብ ተስፋኣለም ተሓጋጋዚ ዮሃንስ ዜናዊ
ዕለት፦ 23-05-2020