ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ-ሓሩሽ ናይ ክልል ትግራይ፡ ፈላሚ ተርእዮ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኸምእተመዝገበ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ’ቲ መዓስከር ሓቢሮም። እዚ ዝተሓበረ ፡ ነባሪት እቲ መዓስከር ዝኾነት ኤርትራዊት ስደተኛ ፡ ድሕሪ ምርመራ በቲ ሕማም ተለኺፋ ምጽናሕ ምስተረጋገጸ እዩ።
እዚ ምስ ተፈልጠ፡ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ተዓጽዩ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ውሸባ ኽኣቱ ተገይሩ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም ኣለው። እታ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈት ኤርትራዊት ስደተኛ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ንማይ-ጸሎት ናብ ገዳም ዋልድባ በጺሓ ዝተመልሰት እያ። ብመሰረት እቶም ምንጭታት፡ ቕድም ኢሉ ኣብ ክልል ትግራይ በቲ ሕማም ተለኺፋ ሞይታ ዝበሃለላ ኢትዮጵያዊት ናብ’ቲ ገዳም በጺሓ ምንባራ ይንገረ።
ተርእዮ እቲ ቫይረስ ኣብ’ቲ መዓስከር ድሕሪ ምርግጋጹ እምበኣር ካብን ናብን እቲ መዓስከር ዝግበር ዝኾነ ምንግስቓስ ተገቲኡ ኣሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘለዋ መዓከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ነዚ ተረዲኦም፡ ምስ ዘለዎም ሕጽረታት ቀረብን ማሕበራዊ ድሕነትን ሓለፋ ኽጥንቀቚ ኸምዝግባእ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፡ ንድሕነት ስደተኛታት ዝሕለቚ ኣህጉራውያን ይኹኑ ዞባውያን ኣካላት ተፈጢሩ ንዘሎ ስግኣት ብኣጋኡ ኸትርኩሩሉ ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣብ ካልእ ዜና ፦ ሰራዊት መንግስቲ የመን፡ ናብ ማያዊ ግዝኣት ሃገሩ ጥሒሶም ኣጥዮም ዝበሎም ሸሞንተ (8) ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኸምዘእተወ ብ3 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት ወግዓዊ መግለጺ ወሃብ-ቃል ሓባራዊ ሓይሊ ምዕራባዊ ገማግም የመን ኮሎኔል ኣል-ዱበሽ ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ፡ ናብ ማያዊ ከባቢታት ደሴታት ሓኒሽ ብጥሕሰት ድሕሪ ምቕራቦም ዝተታሕዙ እዮም።
ኣርባዕተ ጀላቡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ማያዊ ግዝኣት የመን ጥሒሰን ብምእታው ን4 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ድሕሪ ምጭዋየን ፡ ነዊሕ ኸይጸንሓ ዳግማይ ወፍሪ ኸካይዳ ኣብ ዝፈተናሉ 8 ኣባላት ዝጸንሕወን ክልተ ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሓይልታት መንግስቲ የመን ኸምዝኣተዋ እዩ እቲ መግለጺ ዘረድእ።
እዋናዊ መንግስቲ የመን፡ ብኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ማያዊ ግዝኣት የመንን የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳን ቀጻሊ ግህሰት ይፍጸም ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ። ኣርባዕተ ኻብቶም ምስ ኣዛዚኦምን ምሉእ ዕጥቆምን ተቐዪዶም ዘለዉ ሸሞንተ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ሲቪላዊ ክዳን ለቢሶም ምንባሮም ወሲኹ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ ንጉዳዮም ብዝምልከት ቀጥታዊ መርመራ ተጀሚሩ ምህላዉ የብርህ።
ምስ’ዚ ኣብ ዝቃረብ ዜና ፡ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ጥሒስኩም ተባሂሎም ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ዝቕየዱ ናይ ዘለዉ የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ቊጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ኣሎ።
ገለ ማሕበራት ገፈፍቲ ዓሳ የመን ናብ መንግስቲን፡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪን የመን ኣብ ዝሰድኦ ዘለዋ ጽሑፋዊ ጥርዓናት፡ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ 120 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣበየ-ህላዌኦም ኽንጸርን ብቕልጡፍ ክፍትሑን ይጠልባ ምህላወን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ድሕሪ`ቲ ብጉዳይ እኩባት ደሴታት ሓኒሽ ኣብ 1995 ምስ የመን ዝኣተወቶ፡ ናብ ወተሃደራዊ ጎነጽ ዘምረሐ ዘይምርድዳኣን፡ እቲ ዘይምርድዳእ ብብይን ሸምጋሊ ኣካል ድሕሪ ምዕራፉን ፡ ህግደፍ ናብ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ኣትዮም ኣብ ልዕሊ ዝብሎም የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ቀጻሊ ቀይዲ ካብ ምግባር ከምዘየዕረፈ እዩ ዝንገር።
ንጉዳይ እቶም ማያዊ ግዝኣታት ኤርትራን የመንን ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታት ዝነጥፉ የመናውያንን ኤርትራውያንን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ኣስራሒ ባይታ ዝርከበሉ መዳይ ንኽህሉ ብመንገዲ የመን ብተደጋጋሚ ኽጽዋዕ ምጽንሑ ዝግለጽ ኾይኑ ፡ እቲ ጻውዒት ብወገን’ቲ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሃወኽ ፖሊሲታት መሪጹ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ተቐባልነት ብምስኣኑ፡ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነጥፉ ዜጋታት ክልትኤን ሃገራት ዕለታዊ ናብራኦም ንምኩዋን ኽጻገሙ ይረኣዩ ምህላዎም ይግለጽ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ እዚ፡ ንሓለዋ እዋናዊ ማእከላይ መንግስቲ የመን ኣብ ዝነቐለ ልፍንታዊ ዓረባዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከም ኣሳላጢ ኮይኑ ይነጥፍ ብምህላዉ ፡ ምስ “ምንቅስቓስ ሑቲ እዮም!!” ዝብል ጠቐነ ምኽኒት ገይሩ ኣብ ማያዊ ግዝኣቱን ኪንዮኡን ንዝጎንፉዎ የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ምእሳር ኣየቋረጸን ዘሎ።
ካብ ስዑዲያን ሕቡራት ኤማራት ዓረብን ኪንዮ ገንዘባዉን ጸዓታዉን ሓገዛት፡ ናይ ኣጽዋር ግንዖ’ውን ኣዉሒሱ ምህላዉ ዝንገረሉ ህግደፍ ፥ ነቶም ኣብ ሃገሮም ተፈጢሩ ብዘሎ ጸጥታዊ ዉድቀት ተዳፊኦም ናብ ማያዊ ገማግም ኤርትራ ዘምርሑ የመናውያን ስደተኛታት፡ “ኣባላት ዕጡቕ ምንቅስቓስ ሑቲን” “ዘይሕጋውያን ገፈፍቲ ዓሳን” ከምዝኾኑ ኣምሲሉ ብምቕያድ፡ ኣብ ምርግጋእ እቲ ማያዊ ከባቢ ግቡእ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ብምውሳእ፡ ካብ ስዑዲያን ሕቡራት ኤማራትን ተወሳኺ ሞሳ ክቕበል ይሰርሕ ምህላዉ እዩ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ።
ህግደፍ፡ ንማያዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ ዜጋታት`ውን እንተኾኑ ከይጥቀሙሉ ረጊጡ፡ ወተሃደራዉን ንግዳዉን መናሃርያ ናይተን መቚሽሽ ዝቕርባሉ ዘለዋ ስዑድያን ሕቡራት ኤማራት ዓረብን ቀዪርዎ ምህላዉ ዝፍለጥ ኾይኑ፡ ነበርቲ ክልትኤን ዞባታት ቀይሕ-ባሕሪ ኤርትራ ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ጥምየትን ሕሰም-መነባብሮን ወዲቖም ይርከቡ።